top of page

 ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን።  

 

ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትና ይኹን ስድራቤት እግዚኣብሔር፡ ከመይ ቀኒኹም ልዑል እግዚኣብሔር ጾምናን ስእለትናን ይቀበለልና ተቐቢሉ ንሓጢኣት መደምሰሲ ንመንግስተሰማይ መውረሲ  ይግበረልና።
እምበኣር ኩቡራት ማሕበር ፡-

ንዕለት 11-11-2017 ቀዳም 
ናይ  ጥቅምቲ መድሓኔዓለም
ናይ ቁስቓምን
መበል 14 ዓመት ምጅማር ቤተክርስትያን።
ምኽንያት ብምግባር ቤተክርስትያና ፍሉይ መደብ ኣዳልያትልና ኣላ ኩላትና ናይዚ ክብረበዓል በረኸት ተሳተፍቲ ክንከውን ቤተ ክርስትያን መልእኽታ ተመሓላልፍ ። ኩላትና ድማ ኣብዚ ዕለትዚ ካልእ መደብ ኣይንሓዝ ቆጸራና ኣብ ደብረ ሰላም መድሓኔዓለም።
መተሓሳሰቢ፡-
እዚ ዕለት ምስ ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሓደ ይብዕል ስለ ዘሎ ሎሚ ዓመት ተፈላሊና ከነብዕል ኢና ንዓመታ ግን ኣቐዲምና ብምውህሃድ ብሓደ እንውዕለሉ መደብ ክንፈጥር እግዚኣብሔር የሓግዘና።


 ሰበኻ ጉባኤ ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም

bottom of page