ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ Eritrean Orthodox Tewahdo
ደብረ ሰላም መድሓኔዓለም ቤተክርስትያን MedhanieAlem kerk
ምስተልፌን- ኣምስተልላንድ Amstelveen -Amstelland
ሆላንድ ። Holland.
16 ግንቦት 2009 ዓ.ም .ግ.
24 mei 2017 ዓ.ም .ፈ.
ናብ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን
ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራውያን፡
ብስም ኣብ፡ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላክ ኣሜን።
እቲ ንዕለት 25 ግንቦት 2017 ዓ.ም.ፈ. (በዓለ- ዕርገት)፡ ጒዕዞ ናብ ገዳም ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ ነዘርላንድ ኣመልኪትና ክንምዝግቦ ዝጸናሕና ካብ 23-05-2017 ምዝገባ ጠጠው ኢሉ ኢዩ።
1- እቲ ምኽንያት ከኣ መዓልቲ ኣብ ምእካሉ ተመዝጋቢ ሰብ ስል ዝብዝሐ፡ እሞ ነቲ ዝተጸበናዮ ስለ ዝሓለፎ ኢዩ። እቐዲምካ ዝተታሕዛ ኣውቶቡሳት 2 ነናይ 60 ኢየን ነይረን። ኣስታት 120 ንዝኸውን ኢዩ ተሓዚኡ ነይሩ። ሃንድበት ተምዝጋቢ ክበዝሕ ምስ ጀመረ ነቶም ዋናታት ኣውቶቡስ ተወኪስናዮም። ብውሑዱ ሓንቲ ኣውቶቡስ ክውስኹና ካብኡ ዝተረፈ ሓንቲ ናይ 82 ሰብ እትሕዝ ክገብሩልና ግን ኣይተኻእለን። ብዓል ስለ ዝኾነ ኩለን ኣውቶቡሳትና ተኻርየን ኢየን ኢሎም።
2- በዚ ምኽንያት እቶም ዝምዝግቡ ኣሕዋት፡ ጠጠው ክም ዘብሉ ተሓቢርዎም ካብ ሰበኻ ጉባኤ።
3- ነቲ ዘሎ ብዝሒ ምዝገባ እውን ካብ እቲ ዓቐን ንላዕሊ ስለ ዝኸደ፡ ነቲ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝዀነ ነገር ክርዳኡና ብምሕታት ኣባላት ትምሕርቲ ሰንበት ኣልክማር፡ ብዙሕ እንዳ ተሰማዓና፡ ክኸዱ ከም ዘይክእሉ ተነጊሩዎም ኣሎ። ብወገን ኣምስተርዳም ክግበር ዝጸንሐ ናይ ምእመናን ዓበይቲን፡ ናእሽቱን፥ ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ ብዝሒ ሰብ ክመልኦ ምስ ጀመረ ኢዩ፡ ብኸመይ ነዚ ካብ ዓቕምና ዝዀን ነገር ንፍታሓዮ ተባሂሉ ተዘሪብሉ። ዳግማይ ይቕሬታ እንዳ ሓተትና ትምህርቲ ሰንበት ኣልክማር ምናልባት ኣብ ከባቢኹም ብንጥፈት ናይ ኩልኹም ማሕበር ምእመናን እውን ገለ ፍታሕ ኣናዲኹም ኣውቶቡስ ረኺብኩም ክትኰኑ ተስፋ ንገብር። 4
4- እቶም እቐዲምኩም ዝተመዝገብኩም ኣብ ኣምስተርዳም፡ ኣብ ናይ እቶም 3 ኣሕዋት መዝገብቲ ኣፍሊጦም ሒዞሞ ዘለዉ ሊስታ ዘለኹም፡ እንብገሰሉ ቦታ፡ ካብ ኣምስተል ስታስዮን (ትራም 12 ጠጠው እትብለሉ ኣብ ታሕቲ)። እንብገሰሉ ጊዜ፥ ሰዓት 8:30። ካብ ገዳም ናብ ኣምስተርዳም ምምላስ፡ ሰዓት 16:00 ኢዩ። ብጊዜኹም ኣብ ኣውቶቡስ ተረኸቡ። ብጊዜኹም እንተዘይተረኸብኩም እሞ እንድሕር ጊዜ ኣሕሊፍና € 80.00 ክንከፍል ንግደድ ኢና። ስለዚ ዝደንጐየ ብናቱ ሓላፍነት ናብ ገዙ ከም ዝምለስ ምፍላጥ የድሊ። ብጊዜኹም ተረኸቡ ሓደራ።
5- ኩሉሓደ ንካለኦት ሰባት ክሕብር ነተሓሳስብ። ኣብ ወብሳይትና ዝወጽእ ኣገዳሲ ሓበሬታን ዜናን ክትከታተሉ ብኽብሪ ነተሓሳስብ።
ምስ መንፈሳዊ ሰላምታ
ስለ እዚ
ታረቀ ትኳቦ (ዋና ጸሓፊ)
ሰበኻ ጉባኤ ደብረ ሰላም መድ ሓ ኔ ዓ ለ ም
Email:
debreselammedhaniealem@gmail.com
Amstelveenseweg-965
1081 JG Amsterdam
Nederland
