top of page

መርድእ

ብስም ኣብ፥ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላክ። ኣሜን።

ዝኸበርኩምን ዝኸብርክንን፡

ብዕለት 14-09-2017 ምሸት ሓውና ትኽለ ተድላ፡ ተቐማጢ ኣምስተርዳም፣ ኣባል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም፡  ብብርቱዕ ሕማም ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ብሞት ካብ እዛ ዓለም ተፈልዩና።

ንነፍሲሄር ተኽለ ተድላ ንምፍናው፡ ንስድራቤት ከኣ ኣምላኽ ጽንዓት ይሃቦም ብምባል፡  ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ እትዀኑ ፡ ንጽባሕ ሰንበት ዕለት 17-09-2017 ሰዓት 18፥00 ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ኣምስተልፌን-ኣምስተልላንድ ናይ መፋነዊ ጸሎት ክግበረሉ ምዃኑ ብኽብሪ  ነፍልጥ።

ኣድራሻ ቤተክርስትያን፥ 
Amstelveenseweg 965
1081 JG Amsterdam

ስድራቤት ነፍሲሄር ተኽለ ተድላ

bottom of page