በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
  
እቲ መንፈስን እታ መርዓትን ንዓ ይብሉ ኣለዉ እቲ ዝሰምዐ ውን ንዓ ይበል ፡ ዝጸምአ ከኣ ይምጻእ ፡ ዝደለየ ውን ማይ ህይወት ብከምኡ ይውሰድ (ራኢ22፥17)

ፍጹም ዝኮነ ሰላም መድሃኒኣለም ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኩም ክህሉ እናተመነና ፡ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ሰላም መድሃኒኣለም ኣምስተርዳም ፡ ምክኒያት ቅዱስ ዮሃንስን ሓዱሽ ዓመትን ብምግባር " እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ፍጹም ዝኮነ ፍቃድ ኣምላክ እንታይ ምኳኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ ብምሕዳስ ሓሳባትኩም ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ"ሮሜ12፥2 ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ  ፍሉይ መደብ ኣዳሊያ ንኩሉኩም ዕድሜና ትብል።  ዝህሉዉና መደባት ትምህርቲ፡ ብኣቀራርባኡ ፍልይ ዝበለ መዝሙር፡ ስነጽሑፍን ኣስተንትኖ መዝሙርን ካልእ ክህልወና ኢዩ ። መደብና ካብ ሰዓት 7፥00am ቅዳሴ ምስ ጀመረ  ክሳብ ሰዓት 2፥00pm ክቅጽል ኢዩ ። ብዛዕባ ቲ ዝወዓለ መደባት ሓጋዚ ሓሳባትን ርኢቶታትን ሃናጺ ነቀፌታን ምስ ዝህልወኩም ድሕሪ መደብ  ክንቅበለኩም ድልዋት ኢና። ስለዚ ኩቡራት ኣቦታት ካህናት ፡ ኣሕዋት ዲያቆናትን መማህራንን መዘመራንን ኩሉኩም ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን መእመናት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣብዚ ዝግበር ዘሎ መደብ ተካፈልቲ ክትኮኑ ብክብሪ ንዕድም።  
ኣድራሻ amstelveensweg 965 
Postcode 1081 JK Amsterdam
ካብ central bus 170, 172, 174 ትወርዱሉ halte ድማ kalfjeslaan amsterdam
ወይ ሜትሮ 51 ክትጥቀሙ ትክእሉ ኢኩም።
     ብድሓን ምጹ 
  ቤ/ት/ሰ/ደ/ሰላም መድሃኒኣለም ኣምስተርዳም 
               ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
               ወለወላዲቱ ድንግል
                ወለመስቀሉ ኩቡር  ኣሜን ።

ሓበሬታ፥ 
 
ብስም ኣብ፥ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ። ኣሜን። 
 
ትምህርቲ ሰንበት ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ንዕለት 30 መስከረም 2017 ሓደ ኣገዳሲ መንፈሳዊ መደብ ሒዛ ኣብ ቤተክርስትያንና ክትቀርብ ኣገዳሲ ምድላዋት እንዳ ኣካየደት ኢያ። እቲ መደብ ብሓፈሽኡ ትምህርቲ፥ መዛሙር (ውድድር!)ን ድራማዊ ትረኻን ዝሓዘለ ኢዩ። እቲ መደብ ደሓር ተጻፊፉ ዝቐርብ ክኸውን እንከሎ ምስ በጻሓና ኣብ ትሕቲ ዓምዲ ‘ሓበሬታ’  ከነውጸኦ ኢና። 
 
ኩልኹም ምእመናን ተኻፈልቲ ናይ እዚ ጽቡቕ መንፈሳዊ ኣበርክቶ ዝሓዘ መደብ ትምህርቲ ሰንበትና ክትኰኑ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም። ክሳብ ሕጂ ተመዲቡ ከምዘሎ እቲ መደብ ዝካየደሉ፡ ቦታ፥  ቤተ ክርስትያን ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ኣምስተልፌን-ኣምስተልላንድ  ሰዓት፥ ካብ ሰዓት 11:00 (ኣስታት 2 ሰዓትን ፈረቕን ዝወስድ)። መደብ ድሕሪ ቅዳሴ ኣብኡ ኣንከሎ ይቕጽል። (ቅዳሴ ካብ ሰዓት 6:00 /እንተደንጐየ ሰዓት 6:30/ ይጅምር) 
 
ብደሓን ምጹ። 
 
ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ኣምስተልፌን-ኣምስተልላንድ 20-08-2017 

DONATE

t.n.v. Stichting MedhanieAlemKerk Eritrean Orthodox Tewahdo

NL50INGB0008045270

ADDRESS

Amstelveenseweg 965, 1081 JG Amsterdam

  • Facebook Social Icon
  • Google+ Social Icon
  • YouTube Social  Icon