top of page

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ላይደን ኔዘርላንድስ

ዕለት 05 ጳጉሜን 2009ግእዝ 10 መስከረም 2017ፈረንጂ

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

ናብ፦ ክ/ሰ/ጉ/ደ/ሰ/መድሃኔ ኣለም ኣምስተርዳም ጉዳይ፦ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብመጀመርያ መንፈሳዊ ሰላታና ነቕርበልኩም።ብምቕጻል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ላይደን ዓመትዊ ክብረ በዓል ኣብ 09 ሕዳር 2010 ግእዝ 18 ሕዳር 2017 ፈረንጂ ክኽበር ተመዲቡ ኣሎ። ስለዚ ኣብቲ እንገብሮ በዓል ምሳና ሓቢርኩም ክትውዕሉ ብክብሪ እንዳ ዓደምና። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ንሕና ናይ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብ ዘብዓልናሉ ናትኩም ውን ብምኽንያት ምምስራት ቤተክርስትያንኩም በዓል ስለዝነበረኩም ብምልኣት ምሳና ክትውዕሉ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ርዱእ ኢዩ ኔሩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘበን እንገብሮ በዓል ግና ብምልኣት ምሳና ክትውዕሉ ኣቕዲምና ብትሕትና እንዳ ኣዘኻኸርና ኣብዚ ዝጠቐስናዮ ዕለት ምሳና ከይድረበኩም ኣብ ቕድሚኡ ወይ ውን ድሕሪኡ ዘሉ ግዝያት ክትምድብዎ ኣቐዲምና ብትሕትና ነዘኻኽረኩም። እግዚኣብሔር ቤተክርስትያና ይባርክ ሊቀ ኣእላፍ ቀሺ ፍስሃየ ቀሺ ገብረማርያም ኣ/ወ/ክ/ሰ/ጉባኤ ቤ/ክ/ቅ/ሚካኤል ላይደንን ከባቢኣን

bottom of page