top of page


     ናይ ሓዘን መግለጺ  
 
ብዕለት 26-05-2017 ዓ.ም.ፈ. ኣሕዋትን ኣሓትን ግብጻውያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ብኣውቶቡስ ናብ ገዳም ቅዱስ ሳሙኤል  እንዳተጓዕዙ እንከለዉ፡ 249 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ብኣረሜናዊ ኣቀታትላ፡ ብተዂሲ ኣስታት 28 ሰብኡት፥ ኣንስትን፡ ሕጻውንቲን ተቐቲሎም። ብሰላም ካብ ገዝኦም ወጺኦም፡ ምስ ኣምላኾም ክራኸቡ፡ ጸጋ ክረኽቡን ምእንቲ፡ ጸሎት ከብጽሑን ሓቢሮም ክዝምሩን ናብ ሰላማዊ ገዳም ዝጓዓዙ ኣብ ዝነበሩ ንጹሃት ሰባት፡ ብግብረ ሽበራ ዝወረደ ግፍዒ፡ ኩልና ኣባላት ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም፡ ልብና ዝተነኻእና ምዃንናን፡ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ እውን ከም ዝኾንናን ንገልጽ።

 እዚ ግፍዓዊ ኣቀታትላ እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2017፡ ኣብ መዓልቲ ሆሳእና እውን ተፈጺሙ ከም ዝነብረ ዝዝከር ኢዩ። እዚ ኣብ ርእሲ ንጹሃት ሰባት ዝፍጸም ግፍዒ፡ እዚ ፋይዳ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ቅትለት እዚ፡ መዋዳድርቲ ዘይብሉ ኢ-ሰብኣዊ ዝዀነ ግህሰት ኣብ ንጹሃት ደቂ-ሰባት ኢዩ።  
 
ካህናትን ምእመናንን ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ሓቢሮም፡ ስለ እቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ከብጽሑ ኢዮም። ሰበኻ ጉባኤ እውን፡ ናብ ክቡር ጳጳስ ኣርሰኒ ኣብ ሃገር ሆላንድ፡ ደብዳቤ ብምልኣኽ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃንና ገሊጽናሎም ኣሎና።  
 
ነቶም ካብ ገዝኦም ምስ ወጹ ከይተመልሱ፡ በዚ ግፍዒ እዚ ዝሓለፉ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ህዝበ ክርስትያን፡ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም፡ ኣምላኽ ብክልተ ኢዱ ይቀበሎም። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ነቶም ስድራቤቶም ጽንዓት ይሃቦም።  
 
እግዚኣብሔር ገበርቲ እከይ የርሕቐልና፥ ካብ ክፉእ ዘበለ ይሰውረና። ሰላም ኣብ ምድሪ ይኹን። 
 
ሰበኻ ጉባኤ ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም 

 

 ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።

ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 9:6

ናይ ዝተሰማዓኩም ሓዘን መግለጺ ኣብዚ ክትገልጹ ትኽእሉ ኢኹም
bottom of page