top of page
ማዓልታዊ ጸሎት

ኦ ጎይታ ንዓኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሐፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሐፍሩ እዮም።
 ዎ እግዚኣብሔር፣ ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ።ኢልና ንጸሊ ኣምላክ ምሕረቱ ክሰደልና በደል ሓውና ከኣ ኣይንጸብጽብ ድኽመት ሓውና ኣብ ንዝክረሉ ኣምላኽ ከኣ ድኻምና ይዝክር፣ ስለዚ ክርስትያን ማለት ሓጥያት ሓዉ ዝሽፍን ምዃኑ ፈሊጥና ብጸሎት ስለ ሓጥያት ብጻይና ገዲፍና ስለ ሓጥያትና ብብኽያትን ብቑዘማን ናብ እግዚኣብሔር ንለምን።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ። ብሓደ ኣምላኽ ብኣብ ብወልድ ብመንፈስቅዱስ ስም፡ ብቅድስት ስላሴ እናኣመንኩን እናተማህጸንኩን ኣብ ቅድሚ እዛ ኣደይ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሰይጣን እኽሕደካ ኣሎኹ። ንሳውን ናይ ዘለዓለም ጸግዐይ ምስክረይ ዝኾነት ማርያም እያ።

ኦ ጎይታ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና፡ ኦ ጎይታ ኣሚና ንግዝኣካ ኣሎና፡ ንቕዱስ ስምካውን ንግዛእ ኣሎና፡ ናይ ኵሉ ብርኪ ዝሰግደልካ፡ ናይ ኩሉ ልሳን ዚግዝኣልካ ጎይታ ንሰግደልካ ኣሎና፡ ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፡ ናይ ጎይቶት ጎይታ፡ናይ ነገስታት ንጉስ ንስኻ ኢኻ፡ ክቡርን ምስጉንን ወድኻ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ንጽውዓካ ኣሎና።

ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፡ መንግስትኻ ትምጻእ፡ ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፡ ናይ ዕለት መግብና ሎሚ ሃበና፡ ንሕና ንዝበደሉና ከም እንሓድገሎም በደልናን ጌጋናን ሕደገልና፡ ኦ ጎይታ፡ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና፡ ከመይ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘልዓለመዓለም ናትካ እዩ’ሞ ኣሜን።

ኦ እግዝእትየ ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ ሰላም እብለኪ፡ ብሕሊናኺ ድንግል ኢኺ፡ ብስጋኺ’ውን ድንግል ኢኺ። ኣደ እግዚኣብሔር ጸባኦት (ጎይታ ሰራዊት) ሰላም እብለኪ ኣለኹ። ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፤ ፍረ ከርስኺ’ውን ቡሩኽ እዩ። ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ። ኦ ፍስሕቲ ደስ ይበልኪ፤ ሓጥያትና ይቕረ ንኽብለልና ናብ ፍቑር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምህረት ለምንልና።

bottom of page