top of page

ትምህርቲ ሰንበት

    ምስጋና፡
 እዚ ስእልታት ዝበዝሑ ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት ነቲ ዝቐሰሙዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ፡ ፈተና ወሲዶም ምስ ተዓወቱ ዝተዓደሎም ምስክር ወረቓቕቲ ዘርኢ ብጣዕሚ ዘሕጉስ ውጽኢት ኢዩ።
ሰበኻ ጉባኤ ንኩሎም ተዓወትቲ እንቋዕ ሓጐሰኩም እንዳበልና፡ ነቶም ነዚ ትምህርቲ ወዲቦም፡ መንፈሳዊ ትምህርቲ (ሰማያዊ ሃብቲ) ዘቕሰሙ መምህራንን ኣዳለውቲን ከኣ ብዙሕ እንዳ ኣመስገንና ጻማኹም እንቋዕ ኣርኣየኩም ኣምላኽ ንብል።

በዚ ሒዝኩሞ ዘለኹም መንገዲ ኣምላኽን ኣገልግሎትን ብሓጐስ ክትቅጽሉ ሓገዝና ከኣ ከምዘይፍለየኩም በዚ ኣጋጣሚ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

ስም እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣብ ዝዀነ ሰዓት፡ ኣብ ዝዀነ ጊዜ፡ ኣብ ዝዀነ ቦታ ዝተመስገነ ይኹን።

ሰበኻ ጉባኤ ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ኣምስተልፌን - ኣምስተልላንድ                        

bottom of page