top of page

ወፈያ/DONATE       

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን።

 

ክቡራት ኣንበብቲ፥

 

ሕጂ እንጥቀመሉ ዘሎና ቤተክርስትያን፡ንሕና እንውንኖ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ግቡእ ቤተ ክርስትያን ክትህቦ እትደሊ ኣገልግሎት ከም'ቲ ግቡእ ይማላእ የለን። ካህናትን ዲያቆናትን፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ንምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ምእንቲ ክዓዝዝ፣ ናትና እንብሎን እንውንኖን ቤተክርስትያን ክህልወና ይግባእ።

እዚ ምእንቲ ክረጋገጽ ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ (ምእመን)፡ ዝደቐቐን ዝፈረየን ፋይናንሳዊ ሓገዝ፡ ከም ክእለቱ ከበርክት ብስም መድሓኔዓለም ብኽብሪን ብትሕትናን ንሓትት።

ወነንቲ ናትና እንብሎ ቤተክርስትያን እንድሕር ኮይንና፣ ካብቲ ብዙሕ ክህልወና ዝኽእል ጠቕምታት ገለ ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል፣

 --- ነፍሲ ወከፍ ዕለተ-ሰንበት ኣገልግሎት (ጉባኤ / ቅዳሴ) ከነካይድን ክህልወናን ይኽእል፥

 --- እቶም በዛ ቅድስቲ ዕለት እዚኣ ናብ ካልእ ቤተክርስትያን ክኸዱ ዝግደዱ ዘለው ምእመናን ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ኣብ'ቲ ናቶም ዝኾነ            ቤተክርስትያን መድሓኔ ዓለም ተጠቀምቲ ይኾኑ፥

--- ቤተ ክርስትያንና ኣብ ዝደለናዮ ሰዓትን ዕለትን ከፊትና ክንግልገለሉ ንኽእል፣

--- ኣብ ቤተ ክርስትያንና ብዘይ ስኽፍታን ሸቑርርታን መደባትና ክንሰርዕ፡ ክንቅይርን ከነተግብርን ንኽእል፥

--- ዲያቆናትናን ኣባላት ትምህርቲ ሰንበትን፣ ተመሃሮ ቆልዑ ትሕቲ ዕድመን፣ መንእሰያትን ብመንፈሳዊ ትምህርቲ ክንሃንጸሉን ከነማዕብለሉን የኽእለና፥

--- ጥምቀት፣ መርዓን፣ ፍትሓትን ኣብ መዓልቱ ከነካይደሉ ንኽእል ............. ወዘተ፣

 

ስለዚ ሃነጽትን፣ ተሳተፍትን ናይ ቤተክርስትያን መድሓኔዓለም ኣብ ምዃን፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ እንዳ ኣተሓሳሰብና፣ ብዓቢዪኡ ከኣ ተጓናጸፍቲ ናይ እቲ ዝዓበየ ጸጋ ናይ መድሓኔ ዓለም ከም ዝኾንኩም ምፍላጥ የድሊ።

ስለዚ እቲ እነበርክቶ ወፈያ፣ ባዕልና እነወፍዮ ፋይናንሳዊ፣ ጉልበታዊ፣ መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ካለኦት ሰባት እውን ናብ ቤተክርስትያንና ክመጹን፡ ንጡፋት ተሳተፍቲ ክኾኑን ምግባር እንተላይ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ዕላማና ብሓጺሩ ኣብ'ታ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነት ናይ ሃዋርያት ጉባኤ፣ ቤት ሰላምን ፍቕርን ዝኾነት ቅድስቲ ቤተክርስትያን ክንተኣኻከብ ኢዩ።

ነዚ ቅዱስ ተግባር ክንፍጽምን ከነተግብርን መድሓኔ ዓለም ንኹልና ይሓግዘና። ኣሜን።

 

ዋና ጻሓፊ፥ ኣቶ ታረቀ ትኳቦ።

bottom of page