top of page

"ህይወት ካብ ልቢ እያ እትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኩሉ ንልብኻ ሓልዎ።" መጽሓፍ ምሳሌ  4፡23

መንፍሳዊ ህይወት መሰረቱ ኣብ ልቢ እዩ። ልቢ እቲ ዝረቐቐ ክፋል ናይ መንነትና ይውኽል። ኣእምሮ፡ ፍቓድን ስምዒትን ድማ የጠቓልል። በእምሮ ፍልጠት ንእክብን ንማምን፡ ብፍቕድ ንውስን፡ ብስምዒት ድማ ኩነታትና ነንጸባርቕ። መንፍሳዊ ህይወት፡ ውጽኢት ምጥባቕ ምስ ኣምላኽ ምዃኑ ንርድኦ ነገር እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ጉንዲ ኣነ እየ ከም ዝበለ ጎይታ፡ ንሕና ድማ ጨነፍር። ጨንፈር ኣብቲ ጉንዲ እንተ ዘይጠበቀ ካብ ርእሱ ህይወት ክህልዎ ከም ዘይኽእል፡ ንሕና ድማ ኣብቲ ጉንዲ ዝኾነ ጎይታ እንተዘይጠቢቅና ብርእስና ህይወት ሃልዩና ክንፈሪ ኣይንክእልን።

 ዮሃ 15፡1-8

1 ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። 2 ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። 3 ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም። 4 ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። 5 እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዘፈሪ። 6 ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። 7 ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። 8 ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም

እዚ ናይ ምትባቕ ጉዳይ ግና ፍቃድ ይሓትት። ማለት ኣምላኽ ንሰብ ኩሉ እቲ ሰናይ ምስ ብረኸቱ፡ ከምኡውን እቲ እከይ ምስ ሳዕቤኑ የፍልጦ። 

 ዘፍ 2፡16-17

16 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ 17 ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ።

ዘዳ 30፡19

19 ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ።

ማቴ 7፡14።

13-14 እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።

  ካብኡ ሓሊፉ ግና እዚ ምረጽ ኢሉ ኣየገድዶን። ፍቃድ ናይ ምጥቃም ባህርይ ኣምላኽ ንሰብ ካብ ዝሃቦ እቲ ዝኸበረ ባህርይ ምዃኑ እዩ።

ሞት ይኹን ህይወት ኣብ ናይ ፍቃድና ውሳኔ ዝምርኾስ ካብ ኾነ፡ ልቢ መፈልፈሊ ህይወት ክትብሃል ቅኑዕ እዩ። ስለዚ ድማ እዛ ልቢ መፈልፈሊ ሞት ዘይኾነስ መፈልፈሊ ህይወት ክትክውን፡ ልብና ክሕሎ ክድልዮ ናይ ግድነት እዩ። ምሕላው ዘድሊ፡ ከበላሹ ዝኽእል ነገር ኣብ ዝህልወሉ ኩነታት እዩ። ድያብሎስ ካብ ዝወደቀሉ ግዜ ኣትሒዙ ድማ እዚ ነገር ካልኣይ ባህርይ ኾይኑ ንርእዮ ኣሎና። ንምሕላው ልብና ድማ ዘየላቡ ጉዳይ ገይርዎ ኣሎ። ንምዃኑ ካብ ምንታይ ኢና ክንሕልዎ፡ እቲ ዘበላሹከ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ክንምልስ ይድልየና። ፍቃድ፡ ኣብ ፍልጠት ዝምርኾስ ውሳኔ ካብ ኾነ፡ ሓለዋ ልብና ኣብቲ ብፍቃድና ንኣምላኽ ንከይንግዝኦ ዝገብር ፍልጠት ኩሉ ዘተኾረ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሓሳባት ዓለማዊ ወይ ስጋዊ ሓሳብ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ናብ ቅኑዕ ፍቃድ ዝመርሓና ሓሳባት፡ አቲ ኣምላኻዊ ወይ መንፈሳዊ ሓሳብ እዩ። "ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዝሓስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ። ናይ ስጋ ነገር ጥራይ ምሕሳብ ሞት የምጽእ፡ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና ህይወትን ሰላምን የምጽእ። ምክንያቱ እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ስለ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፡ ክግዝኦውን ኣይክእልን,

 ሮሜ 8፡5-7።

5 ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ። 6-7 እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ።

ስለዚ ካብዚ ኣስዒብና ብብእዋኑ ቁዱስ መጽሓፍ ክንጥንቀቀሎም ዘመልክትና ስጋውን ዓልማውን ሓሳባት፡ በቲ ሓድ ወገን ድማ ንልብና ክገዝኡ ዘለዎም ኣምላኻውን መንፍሳውን ሓሳባት ክንምልኸት ኢና።

ካብ ልብና ዓለማውን ስጋውን ሓሳብ ኣውጺእና ናይ ኣምላኽ ዝኾነ መንፈሳዊ ሓሳብ ብምሕሳብ ንክርስቶስ መድሓኒና ክንመስል ኣምላኽ ይርድኣና። ኣሜን።

bottom of page