ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ Eritrean Orthodox Tewahdo
ደብረ ሰላም መድሓኔዓለም ቤተክርስትያን MedhanieAlem kerk
ኣምስተልፌን- ኣምስተልላንድ Amstelveen -Amstelland Holland.
ሆላንድ ።
1 ጥሪ 2010 ዓ.ም.ግ.
9 ጥሪ 2018
ደ/ሰ/መ/ኣ/ኣ2010-38
በስመ ኣብ፡ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ትብጻሕ ናብ ኩልኹም ኣብ’ዚ ሓጺር ዓመታት ናብ ሃገር ሆላንድ ዝመጻእኩም ኤርትራውያንን፡ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያንን፣
ብመጀመርታ መንፈሳዊን ሕውነታዊን ሰላምታና ከነምሓላልፈልኩም ንፈቱ።
ቀጺልና ከኣ እዚ ዝስዕብ ኣገዳስሲ ሓበሬታ ከነመሓላልፈልኩም ንደሊ፥
እቶም ኣብ ሓጺር ዓመታት ናብ’ዚ ሃገር ሆላንድ ዝመጻእኩም ኤርትራውያን፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ነዚ ሃገር ኣጋይሽ ስለ ዝዀንኩም፡ ብዙሕ ዝጠቕመኩምን ዝጐድኣኩምን ነገራት ኣጸቢቕኩም ዘይትፈልጡዎ ክህሉ ከም ዝኽእል ርጉጽ ኢዩ። ስለ ዝዀነ ከኣ ብሓልዮት መንግስቲ ነዘርላንድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣከባቢታትን (regio’s) ምምሕዳር ከተማ ኣምስተርዳምን፡ ብምትሕብባር GGD & Pharos ዝተዳለወን ዝካየድን ዘሎ መደብ “ጥዕና ንኤርትራውያን”፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ሓበሬታን ትምህርቲን ክዋሃብ ምዃኑ፡ ከነፍልጠኩም ንደሊ። እዚ መደብ’ዚ ኣቐዲሙ “ጥዕና ንሶርያውያን” ብዝብል ተኻይዱ ብዙሕ ጥቕሚ ዝተረኽቦ ስለ ዝዀነ፣ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ከኣ፡ ካብ መስከረም 2017 ጀሚሩ ንኤርትራውያን ክውሃብ ጀሚሩ ዘሎ ኢዩ። ነዚ መደብ እዚ ዕዉት ንምግባር ክልቲአን ትካላት ምስ ሰበኻ ጉባኤ ብዝገበርኦ ተደጋጋሚ ርክብ፡ ኣብ ናይ ሓባር ኣስራሒ ነጥቢ በጺሐን፣ ንዕለት 27 ጥሪ 2018 ኣብ ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ድሕሪ ቅዳሴ ክካየድ ተምዲቡ ኣሎ።
ጥቕሚ ናይ’ዚ ትምህርቲን ሓበሬታ ንምጥቃስ ዝኣክል፥
- ብቋንቋ ትግሪኛ ዝገልጹ ተርጐምቲ ኤርትራውያን ዝካየድ ስለ ዝዀነ፡ ንምርድኡ ዝቐለለ ምዃኑ
- ክንክን ጥዕና ንዓበይቲን ንሕጻናትን ዝምልከት ትምህርቲን፡ ኣገዳሲ ሓበሬታን (ሕማም ካብ ‘ቫይረስን ባክተርያን’ ጥራሕ ኣይኰነን ዝመጽእ)
- ካብ ዝለመድካዮ ኣመጋግባ ወጻኢ፡ ምስ ዘሎኻዮ ኣከባቢ ዘሎ ትሕዝቶ መግቢ ምልላይን ጥቕሙን ጉድኣቱን ምፍላጥ
- ጥቕሚ ትምህርቲ ቋንቋ ነዘርላንድ፣ ሞያዊ ትምህርቲን ማሕበራዊ ጉዳያትን ዝምልከት
- ነፍሲወከፍኩም ክሓቶ ዝደሊ ነገራት፡ ብኣካል ነቶም ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ክሓቶም ይከኣል
-…ወዘተረፈ
እዚ መደብ’ዚ፡ ብፍላይ ነቶም ፊደል ዘይቈጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከም ኢንተርነትን ወብሳይታትን ኣትዮም ከንብቡ ዘይክእሉ፣ ብኣፍ ስለ ዝግለጸሎም ብዙሕ ጠቕሚ ዘለዎ ምዃኑ GGD & Pharos ኣስሚረናሉ ኣለዋ። ግን ከኣ ንኹሉኹም ክትሳተፍዎ እትደልዩ፡ ኣብ ነዘርላንድ ነባራት ተቐማጦ ዝዀንኩም እውን፡ ብብዙሕ መንገዲ ክግለጽ ዝኽእል ጠቕሚ ስለ ዘለዎ፣ ንካልኦት ክትሕግዙ እውን ስለ ዝጠቅም፡ ተሳታፍነትኩም፡ ኣገዳሲ ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ።
ንዘይሰምዑ ከም ዝሰምዑ ብምግባር (ብምሕባር) ሓደራ ንተሓባበር።
ሰበኻ ጉባኤ ደብረ ሰላም መድሓኔዓለም
Email:
debreselammedhaniealem@gmail.com
Amstelveenseweg-965
1081JG Amsterdam
Nederland