top of page

መርድእ

ብስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ ኣሜን።


ሓውናን ኣቦናን ሃለቃ ርእሶም ወልደስላሴ: ሎሚ መዓልቲ ዕለት 14 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.ፈ. (8 ሓምለ 2010 ግዕዝ) ስለ ዝዓረፈ: ንጽባሕ ረቡዕ ዕለት 15 ነሓሰ 2018 (8 ሓምለ 2010 ግዕዝ): ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ደብረሰላም መድሓኔዓለም ናይ ምፍናው ሬሳ ኣሎ።


ሰዓት ናይ ምፍናው ሬሳ፣ ልክዕ ካብ ሰዓት 17:00 ክሳብ 19:00


ድሕሪ ፍትሓት ከኣ: ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መደብ: ኣብ ቤተክርስትያን ኢዩ ዝፍጸም። ድሕሪ`ዚ ናብ ገዛ ናይ ነፍስሄር ሃለቃ ርእሶም ምኻድ የለን፣ ምኽንያቱ ስድራቤት ምድላዋት ክገብሩ ስለ ዝዀኑ። ንጽባሒቱ ሬሳ ሒዞም ናብ ኤርትራ ክኸዱ ኢዮም።


እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንነፍስሄር ሃለቃ ርእሶም ኣብ መንግሥተ ሰማያት የንብረልና።


ስድራቤት ሃለቃ ርእሶም ወልደስላሴ ።

bottom of page