top of page

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስቅዱስን ሓደ ኣምላክ ኣሜን።

 

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡

ካብ እዚ ቀጺልና ሕጽር ዝበለ ኣገዳሲ ዜና ነቕርበልኩም፥

ብዕለት 19  ለካቲት 2017 (ብግዕዝ 12 ለካቲት 2009 ዓ/ም) ደብረገነት ኪዳነ ምሕረት ሮተርዳም ኣብ ዓመቱ፡ ብድሙቕን ዉዕዉዕን መንፈስ ተኸቢሩ ውዒሉ። ቅዱስ ኣምላኽ ፍቓዱ ኮይኑ ኣብ እዚ ቅዱስ መዓልቲ እዚ፡ ብዙሓት ምእመናን ጻዕዳ ክዳውንቶም /ክዳውንተን ተኸዲኖም/ተኸዲነን፡ ንቅድስቲ ማርያም ምስ ኣገልገልታ ዝኾኑ፡ ካህናትን ዲያቆናትን ከመስግኑዋን ክልምኑዋን ሓዲሮምን ኣርፊዶምን።

ኣብ እዚ ቅዱስ መዓልቲ እዚ፡ ብዙሓት ህዝበ ክርስትያን ዝተሳተፉዎ ኢዩ ነይሩ። ቅዳሴ / ጉባኤ ምስ ተወደአ፡ ታቦት ናብ ኣደባባይ ኣብ ዝወጸሉ ጊዜ ኩሎም ምእመናን ሰንዮሞ። ኣብ እቲ ኣደባባይ ካህናትን ዲያቆናትን ምስ ኩሉ ህዝቢ ጸሎት ኣብጺሖም ምስ ወድኡ፡ ታቦተ ማርያም ብኹሎም  ምእመናን ተሰንዩ ናብ መቕደስ ኣትዩ። ብድሕሪ'ዚ ንምእመናን ተሳተፍቲ ኣውደ ዓመት ዝተዳለወ ሺሻይ /መኽፈልቲ ተባሪኹ ተዓዲሉ። 

ማርያም ጥዕምቲን ርህርህቲን  ስለ ዝኾነት፡ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ከም ደቂ ሰባት መጠን ክንፍጽሞ እንኽእል ጉድለት ከይጸብጸበት፡ እቲ ቅዱስ ኣውደ ዓመታ ብጽቡቕ ከም ዝዛዘም ገይራቶ ኣላ እሞ ንዓመታ ከኣ ከም እዚ እዋን ከይሸረፈ፡ ከይጎረፈ ከይፈላለየ ከጽንሓና ኣምላኽና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ኣሜን።

bottom of page