top of page
Anker 1

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 01 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝ 

 ዕብ 5:1-10   1ይ፡ጴጥ 3:8-18   ግብ ሓዋ 7፡35-44   መዝ 105፡26-27  ማቴ 6፡1-16  ዮሓ 6፡25-31

 

ዕብ 5:1-10  

1 ካብ ማእከል ሰብ እተወልደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ መባእን ሕሩድን ስለ ሓጢኣት ምእንቲ ኺስውእ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ እዩ ዚሽየም፡ 2 ንርእሱ ኸኣ ድኻም ስለ ዝጠበቖ፡ ነቶም ደናቝርትን እተጋገዩን ኪድንግጸሎም ዚኽእል እዩ፡ 3 ስለዚ ድማ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ኪስውእ ተገብኦ። 4 ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ። 5 ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽብሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን። 6 ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልክጼዴቅ ንዘልኣለም ካህን ኢኻ፡ ከም ዚብል። 7 ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን፡ 8 ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ። 9-10 ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ካህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኵላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም።

 

1ይ፡ጴጥ 3:8-18  

8 መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ 9 ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። 10-12 ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። 13 ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገበረኩም፧ 14 ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን። 15 ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። 16-17 ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም። 18 ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ።

 

ግብ ሓዋ 7፡35-44

35 ነዚ፡ ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ፧ ኢሎም ዝነቐፍዎ ሙሴ፡ ንእኡ ኣምላኽ፡ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዂ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፡ ሓለቓን መድሓንን ምእንቲ ኪኸውን ለኣኾ። 36 ንሱ ኸኣ ኣብ ግብጽን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ኣብ በረኻን ኣርብዓ ዓመት ትእምርትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውጽኦም። 37 እቲ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ካብ ኣሕዋትኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልኩም እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝበሎም፡ እዚ ሙሴ እዚ እዩ። 38 ኣብ ማሕበር ኣብ በረኻ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፡ ምእንቲ ንኣና ኺህቦ ኸኣ ነቲ ህያው ቃል እተቐበለ፡ ንሱ እዩ። 39 ንእኡ ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፡ ኪእዘዝዎ ኣይደለዩን፡ ብልቦምውን ናብ ግብጺ ተመልሱ። 40 ንኣሮን ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በልዎ። 41 በቲ ቕነቲ ምራኽ ገበሩ፡ መስዋእቲ ድማ ነቲ ምስሊ ጣኦት ሰውኡ፡ ብግብሪ ኣእዳዎም ከኣ ደስ በሎም። 42-43 ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ፡ ኣብ መጽሓፍ ነብያት፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በተን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻኸ ሕሩድን ካልእ መስዋእትንሲ ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧ ምንም፡ ምእንቲ ኽትሰግዱሎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት፡ ድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽኩም ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ ኣነ ኽንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ፡ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሰራዊት ሰማይ ኬምልኹ ፈንዩ ሐደጎም። 44 እቲ ንሙሴ ዝነገሮ፡ ከምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኺሰርሓ ዝኣዘዞ ድንኳን ምስክር ኣብ በረኻ ምስ ኣቦታትና ነበረት።

መዝ 105፡26-27 

26 ንሙሴ ባርያኡን ንኣሮን ሕሩዩን ለአኸ። 27 አብ ማእከሎም ትእምርትታቱ፣ አብ ሃገር ካም ድማ ተኣምራት ገበሩ።

 

ማቴ 6፡1-16 

1 ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። 2 እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንኣዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባብያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እበለኩም አሎኹ። 3-4 ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። 5 ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 6 ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ 7 ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። 8 እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። 9 ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። 10 መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 11 ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። 12 ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። 13 ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ እሜን። 14 ንሰብ በደሎም እንተ ሓደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ። 15 ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሐደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሐድገልኩምን እዩ። 16 ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

 

16  ዮሓ 6፡25-31

25 ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፥ ረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካ፡ በልዎ። 26 የሱስ ድማ፥ እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 27 ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትግበሩ’ ኢሉ መለሰሎም። 28 ስለዚ ንሳቶም፥ ግብሪ ኣምላክ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፡ በልዎ። 29 የሱስ ከኣ። ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም። 30 ስለዚ፥ ርኢና ክንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር፧ እንታይከ ትገብር አሎኻ፧ 31 ኣቦታትና፡ ከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም፡ ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ።

Anker 2

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 02 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝ 

ሮሜ 11፡13-25  ያዕ 3፡1-13   ግብ ሓዋ 14፡11-19   መዝ 101፡27-28  ማቴ 15፦21-29

 

ሮሜ 11፡13-25

13-14 ንኣኻትኩም ኣህዛብ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ምናልባሽ ነቶም ስጋይ ዝዀኑ እንተ ኣቕናእኩዎም ካባታቶም ውን ገለ እንተኣድሓንኩስ፡ ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ፡ መልእኽተይ ኤኽብር ኣሎኹ። 15 እቲ ምድርባዮም ንዓለም ዕርቂ ካብ ኮነላስ፡ ምቕባሎም ደኣ ዘይ ህይወት ካብ ምውታት፡ እንታይ ካልእ ኪኸውን ኢሉ፧ 16 እቲ ቀዳማዩ ቅዱስ እንተዀነ፡ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቕዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨነፍሩ ውን ቅዱስ እዩ። 17 ካብቶም ጨነፍር ሓያሎ እንተተሰብሩ እሞ ንስኻ፡ ኣውልዕ በረኻ ክነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተተኸልካ፡ ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ድማ ተማቓሊ እንተዀንካ፡ 18 ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበር። እንተተኸበርካ ግና፡ እቲ ሱር እዩ ንዓኻ ጾይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱር ንስኻ ኣይኮንካን ጾይርካዮ ዘሎኻ። 19 ምናልባሽ ንስካ፡ ግና ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩ፡ ትብል ትኸውን። 20 ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣሎኻ። ፍራህ ደኣ እምበር ብልብኻ ኣይትተዓበ። 21 ኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ካብዘይነሓፎም፡ ንዓኻውን ኣይኪንሕፈካን እዩ። 22 እምብኣርሲ ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት፡ ኣብቶም ዝወደቑ ጭከናኡ፡ ንኣኻ ግና፡ ኣብቲ ለውሃቱ እንተጸናዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ። እንተዘይኮነስ ንስኻውን ክትቁረጽ ኢኻ። 23 ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኺትከሉ እዮም። 24 ንስኻ ካብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቖሪጽካ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ከመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉ። 25 ኣሕዋተየ፡ ብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ከይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ንሓያሎ ካብ እስራኤል ትሪ ልቢ ከምዝበጽሖም፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ክትኮኑ፡ ኣይፈቱን እየ።

 

ያዕ 3፡1-13  

1 ኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ። 2 ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ። 3 እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ክእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም አሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ። 4 እንሆ፡ መራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኽነሰንሲ፡ ብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዚደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዝቃንዓ። 5 ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ። 6 ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ ኣላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ። 7 ኵሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን አሎ። 8 ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይተዐርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ። 9 ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም። 10 ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። 11 ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧ 12 ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ። 13 ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ።

 

ግብ ሓዋ 14፡11-19 

11 ሽዑ እቶም ህዝቢ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብዘረባ ሊቃኦንያ፡ ኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶም፡ በሉ። 12 ንበርናባስ፡ ድያ፡ በልዎ፡ ንጳውሎስ ድማ፡ መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ፡ ሄርሜስ። በልዎ። 13 ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኺስውኣሎም ደለየ። 14 ግናኸ ጳውሎስን በርናባስን፡ እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ፡ 15 እናበሉ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም ኣሎና። 16 ንሱ ብዝሐለፈ ወለዶ ንዂሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሐደጎም። 17 ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን። 18 እዚ ኢሎም ከኣ፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብሓይለ ገደል ከልከልዎም። 19 ኣይሁድ ከኣ ካብ ኣንጾክያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ነቶም ህዝቢ ሐባቢሎም ንጳውሎስ ድማ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጓተትዎ።

 

መዝ 101፡7-8 

7 ተንኰል ዚገብር አብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፣ ሓሶት ዚዛረብ አብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ። 8 ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፣ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ።

 

ማቴ 15፦21-29

21 የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። 22 እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸት። እናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት። 23 ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ድድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ፡ ኢሎም ለመንዎ። 24 ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ። 25 ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ርድኣኒ፡ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። 26 ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ። 27 ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጎይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት። 28 ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት። 29 የሱስ ካብኡ ሓሊፉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ። ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ ተቐመጠ።

Anker 3

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 03 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

ገላ 1፡6-20  1ይ፡ጴጥ 2፡3-11   ግብ ሓዋ 17፡22-28   መዝ 134፡   ማቴ 16:5-13

 

ገላ 1፡6-20 

 6 ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ። 7 እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። 8 ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። 9 ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል አሎኹ። 10 ሕጂኸ ንስብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ። 11-12 እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሃርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከም ቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም አሎኹ። 13 ቀደም ብኣይሁድነት ክነብር ከሎኹስ፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጕክዋን ዘዕኖኽዋን፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። 14 ነቲ ሰርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ እናቐናእኩ ኸኣ፡ ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ። 15 እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጻጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና 16-17 ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ ምስ ፈተወ፡ ሽዑ ብኡብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ፡ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ናብ የሩሳሌም እኳ ኸይደየብኩ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ። 18 ካብኡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንኬፋ ኽላለዮ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ እሞ ምስኡ ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቐኔኹ። 19 ካብ ሃዋርያ ግና ብዘይ ያእቆብ ሓው ጐይታና ሓደ ኻልእ እኳ ኣይርኤኹን። 20 እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ድማ፡ እንሆ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይሕሱን እየ።

 

1ይ፡ጴጥ 2፡3-11

2-3 እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ። 4 ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ 5 ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ። 6 ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ አሎ። 7 ስለዚ ንኣኻትኩም እትአምኑ፡ ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ 8 እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባት እዮም። 9 ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። 10 ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም። 11 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ።

 

ግብ ሓዋ 17፡22-28

22 ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዂሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም ኣሎኹ። 23 እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም ኣሎኹ። 24 እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። 25 ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። 26-28 ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።

መዝ 134፡

1 እንሆ፣ ኣቱም ብለይቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እትቘሙ ኵሉኹም ባሮት እግዚኣብሄር፣ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። 2 ኣእዳውኩም ናብ መቕደሱ ኣልዕሉ፣ ንእግዚኣብሄር ከኣ ባርኽዎ። 3 ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባርኽካ።

 

ማቴ 16:5-13

5 ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹ፡ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ። 6 የሱስ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን፡ በሎም። 7 ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሐሰቡ። 8 የሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልቡኹም ትሐስቡ፧ 9 እቲ ሓሙሽተ እንጌራን ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዕልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን፧ 10 ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም፧ 11 እቲ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧ 12 ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ ኸም ዘይብሎም፡ ሽዑ ኣስተውዐሉ። 13 የሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ መጸ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧ኢሉ ሐተቶም።

Anker 4

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 04 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

 

2ይ፡ጢሞ 2፡3-10   1ይ፡ጴጥ 3፡18-ፍም   ግብ ሓዋ 17፡23-30   መዝ 86 7-8  ማቴ 19፡1-16

 

2ይ፡ጢሞ 2፡3-10  

3 ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። 4 ዓቀይታይ ናብ ኵናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን። 5 ከምእውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ። 6 እቲ ዚዓዪ ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቕድም ግዲኡ ኺወስድ ይግባኦ እዩ። 7 እግዚኣብሄር ብዅሉ ኣእምሮ ኺህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ። 8 ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ካብ ምዉታትውን ዝተንስኤ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ። 9 ብዛዕባኡ ኸም ገባር ክፉእ ተቘጺረ ኽሳዕ መቝሕ ሓሳረ መከራ እጸግብ አሎኹ፡ ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ። 10 ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ምድሓን ምስ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ንዅሉ እዕገስ አሎኹ።

 

1ይ፡ጴጥ 3፡18-ፍም

3-4 ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። 5 ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። 6 ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን። 7 ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ። 8 መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ 9 ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። 10-12 ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። 13 ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገበረኩም፧ 14 ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን። 15 ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። 16-17 ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም። 18 ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። 19 ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡ 20 ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። 21 እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። 22 ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።

 

ግብ ሓዋ 17፡23-30  

23 እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም ኣሎኹ። 24 እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። 25 ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። 26-28 ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። 29 እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። 30-31 ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ።

 

መዝ 86 7-8 

7 ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ፣ ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ። 8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን፣ ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን።

 

ማቴ 19፡1-16

1 ኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ገሊላ ነቒሉ፡ ብስግር ዮርዳዮስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ። 2 ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም። 3 ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ። 4 መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ 5 ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ 6 ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። 7 ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም፡ ኪፈትሕዋ ኣዘዘ፧ በልዎ። 8 ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም። 9 ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙ፡ እብለኩም አሎኹ። 10 እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በልዎ። 11 ንሱ ግና በሎም፡ እዚ ነገርዚ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን። 12 ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወለዱ ኣለዉ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን ኣለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን ኣለዉ እሞ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ። 13 ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም። 14 የሱስ ግና፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም፡ በለ። 15 ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ። 16 እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ፡ ዎ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር፧ በለ።

Anker 5

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 05 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

 

ዕብ 4፡1-14  1ይ፡ጴጥ 1፡17-ፍም   ግብ ሓዋ 13፡26-32   መዝ 94 7-8  ሉቃ 11፡45-ፍም

 

ዕብ 4፡1-14 

1 እምብኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዚተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ካባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ። 2 ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተኒጊሩልና አሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሐበረ ግና፡ ኣይጠቐሞምን። 3 ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቝጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሐልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንእምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። 4 ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዓረፈ፡ ኢሉ አሎ። 5 ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ በለ። 6 እምብኣርሲ ገለ ሰባት ዚኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም ብስራት እተነግረሎም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም ካብ ዘይኣተውዋ፡ 7 ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ ከም እተባህለ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎሚ ብምባል ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ አሎ። 8 እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዚኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ። 9-10 እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ አሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋቶም ኣላ። 11 ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል። 12 ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ። 13 እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን። 14-15 ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ።

 

1ይ፡ጴጥ 1፡17-ፍም  

17 ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። 18-19 ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 20 ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። 21 ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም አሎኹም። 22-23 ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ 24 ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምበባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ፡ 25 ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።

 

ግብ ሓዋ 13፡26-32  

26 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ንኣምላኽ ዚፈርሁን፡ እዚ ቓል ምድሓን እዚ ናባታትና እዩ እተላእከ። 27 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ምስ መኳንንቶም ንእኡ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ነቲ በብሰንበት ዜንብብዎ ቓል ነብያት ብፍርዶም ፈጸምዎ። 28 ንሞት እትኸውን ምኽንያት ሓንቲ እኳ ምስ ሰኣኑሉ፡ ኪቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ። 29 ነቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ዕጨይቲ ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣእተውዎ። 30 ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። 31 ነቶም ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ምስክሩ ዀይኖም ዘለዉ፡ ብዙሕ መዓልቲ ተራእዮም። 32-33 ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ እቲ ነቦታትና እተዋህበ ተስፋ ንኣና፡ ንደቆም፡ ከም ዝፈጸሞ፡ ንሕና ድማ ነበስረኩም ኣሎና።

መዝ 94 7-8 

 7 እግዚኣብሄር ኣይርእዮን፣ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፣ ይብሉ ኣለዉ። 8 ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፣ ኣስተውዕሉ፣ ኣቱም ዓያሱ፣ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ፧

 

ሉቃ 11፡45-ፍም

45 ካብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ሓደ መሊሱ፥ መምህር፡ እዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና አሎኻ፡ በሎ። 46 ነሱ ኸኣ በለ፥ ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎ፡ ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 47 ንስኻትኩምውን መቓብር ነብያት ትሰርሑ አሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም። 48 ንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስካትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ አሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስካትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ አሎኹም። 49 ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለት፥ ነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ አሎኹ፡ ንሓያል ካባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጕዎምን ኣለዉ። 50-51 ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኪደለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኪድለ እዩ፡ እብለኹም አሎኹ። 52 ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዝደለዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 53 እዚ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ኪቕየምዎ ጀመሩ። 54 ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ቘጠፋ ደልዮም እናተጻናተዉ ብብዙሕ ዘረባ ይሐትዎ ነበሩ።

Anker 6

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 06 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

1ይ፣ጢሞ 2፡9-ፍም   1ይ፡ጴጥ3፡4-10   ግብ ሓዋ 17፡13-19   መዝ 115፡6-7   ማቴ 18፡12-15

 

1ይ፣ጢሞ 2፡9-ፍም  

9-10 ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ። 11 ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። 12-13 ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። 14 ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። 15 ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

 

 

1ይ፡ጴጥ3፡4-10  

3-4 ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። 5 ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። 6 ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን። 7 ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ። 8 መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ 9 ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። 10-12 ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።

 

ግብ ሓዋ 17፡13-19 

 13 ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም ዝነገረ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኺዘርጉን ኬናዕቡን ናብኣውን መጹ። 14 ሽዑ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ኪኸይድ፡ ቀልጢፎም ሰደድዎ። ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ። 15 እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ እሞ፡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ናብኡ ይስዓብዎ፡ ዚብል ትእዛዝ ሒዞም ናባታቶም ተመልሱ። 16 ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ፡ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረኣየ፡ ብመንፈሱ ተቓጸለ። 17 ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ፈራህቲ ኣምላኽን፡ ኲሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይዛራረብ ነበረ። 18 ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል ኰን እዩ ዚደሊ ዘሎ፧ በሉ። ገሊኦም ድማ፡ ብናይ የሱስን ትንሳኤን ስለ ዝሰበኸሎም፡ ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ ደኣ ይመስል፡ በሉ። 19-20 ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና ኣሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ።

 

 

መዝ 115፡6-7  

6 እዝኒ ኣለዎም፣ ኣይሰምዑን፣ ኣፍንጫ ኣለዎም፣ ኣየጨንዉን፣ 7 ኢድ ኣለዎም፣ ኣይድህስሱን፣ እግሪ ኣለዎም፣ ኣይከዱን፣ ብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን።

 

ማቴ 18፡12-15

12 እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧ 13 እንተ ረኸባ ድማ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጎስ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 14 ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን። 15 ሓውኻ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውኻ ረባሕካዮ።

Anker 7

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 07 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

 

 

ዕብ 13:1-6     1ይ፡ጴጥ 2፡3-11  ግብ ሓዋ 13፡21-28  መዝ 86፡1-2   ማቴ 1፡1-18

 

ዕብ 13:1-6

 1 ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። 2 ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ። 3 ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። 4 ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን። 5 ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ። 6 ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል።

 

1ይ፡ጴጥ 2፡3-11

2-3 እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ። 4 ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ 5 ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ። 6 ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ አሎ። 7 ስለዚ ንኣኻትኩም እትአምኑ፡ ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ 8 እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባት እዮም። 9 ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። 10 ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም። 11 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ።

 

ግብ ሓዋ 13፡21-28 

21 ድሕርዚ ንጉስ ለመኑ፡ ኣምላኽ ከኣ ነርብዓ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፡ ሳኦል ወዲ ቂስ ሀቦም። 22 ምስ ሰዐሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ኪኸውን፡ ኣተንስኣሎም፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ኲሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ፡ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ። 23 ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ኻብ ዘርኡ ንእስራኤል መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ኣተንስኤ፡ 24 ቅድሚ ምምጻኡውን ዮሃንስ ንዂሉ ህዝቢ እስራኤል ጥምቀት ንስሓ ሰበኸ። 25 ዮሃንስ ከኣ ጒያኡ ኺፍጽም ከሎ፡ ኣነ መን ምዃነይ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣነስ ንሱ ኣይኰንኩን። እንሆ ደኣ፡ ኣነ ኣሳእኑ ኻብ ኣእጋሩ ንምውጻእ ዘይበቅዕ፡ ንሱ ብድሕረይ ይመጽእ ኣሎ፡ በለ። 26 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ንኣምላኽ ዚፈርሁን፡ እዚ ቓል ምድሓን እዚ ናባታትና እዩ እተላእከ። 27 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ምስ መኳንንቶም ንእኡ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ነቲ በብሰንበት ዜንብብዎ ቓል ነብያት ብፍርዶም ፈጸምዎ። 28 ንሞት እትኸውን ምኽንያት ሓንቲ እኳ ምስ ሰኣኑሉ፡ ኪቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ።

 

መዝ 86፡1-2

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ እዝንኻ ኣድንን፣ ምለሰለይውን። 2 ሄር እየ እሞ፣ ንነፍሰይ ሐልዋ፣ ኣታ ኣምላኸየ፣ ነቲ ኣባኻ ዚውከል ባርያኻ ኣድሕኖ።

 

ማቴ 1፡1-18

1 መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም። 2 ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፡ 3 ይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፡ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፡ 4 ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፡ 5 ሰለሙን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደ፡ ቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደ፡ እዮቤድ ንእሴይ ወለደ። 6 እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ። 7 ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ። ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፡ ኣብያ ንኣሳ ወለደ፡ 8 ኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደ፡ እዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደ፡ እዮራም ንኦዝያ ወለደ፡ 9 ኦዝያ ንእዮኣታም ወለደ፡ እዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፡ ኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደ፡ 10 ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፡ ምናሴ ንኣሞን ወለደ፡ ኣሞን ንእዮስያስ ወለደ፡ 11 እዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደ። 12 ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደ፡ ሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ፡ 13 ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፡ ኣብድዩድ ንኤልያቄም ወለደ፡ ኢልያቄም ንኣዛር ወለደ፡ 14 ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፡ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፡ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፡ 15 ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፡ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፡ ማታን ንያእቆብ ወለደ፡ 16 ያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዚበሀል ዘሎ የሱስ ተወለደ። 17 እምበኣርሲ ዅሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ። 18 ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት።

Anker 8

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 08 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

 

1ይ፡ጢሞ 2፡8-ፍም   1ይ፡ጴጥ 2፡11-13     ግብ ሓዋ 13፡44-ፍም     መዝ 78፡10-11     ሉቃ 12፡1-13

 

 

1ይ፡ጢሞ 2፡8-ፍም  

8 እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ። 9-10 ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ። 11 ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። 12-13 ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። 14 ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። 15 ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

 

1ይ፡ጴጥ 2፡11-13    

11 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ። 12 እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ። 13-15 ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ።

 

 

ግብ ሓዋ 13፡44-ፍም    

 

44 በታ እትስዕብ ሰንበት ከኣ ዳርጋ ዂላ እታ ኸተማ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዕ ተኣከበት። 45 ኣይሁድ ነቲ እኩብ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅንኣት መልኦም፡ እናተኸራኸሩን እናተጻረፉን ከኣ በቲ ጳውሎስ ዝበሎ ቓል ተኻትዑ። 46-47 ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣሎና። 48 ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሐጐሱ፡ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን ኣመኑ። 49 ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኲላ እታ ሃገር በጽሔ። 50 ኣይሁድ ግና ነተን እግዚኣብሄር ዚፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣነዐብዎም። ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን ድማ ስደት ኣለዐሉ፡ ካብ ወሰን ሃገሮምውን ሰጐጒዎም። 51 ንሳቶም ከኣ ተጐጓ ኣእጋሮም ነገፉሎም እሞ ናብ ኢቆንዮም ከዱ። 52 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሓጐስን መንፈስ ቅዱስን መልኡ።

 

 

መዝ 78፡10-11 

10 ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉን፣ ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ፣ 11 ንግብርታቱን ነቲ ዘርአዮም ተአምራቱን ረስዕዎ።

ሉቃ 12፡1-13

1 ኣእላፋት ህዝቢ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚራገጹ፡ ምስ ተኣከቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺብሎም ጀመረ፥ ቅድሚ ዅሉ ኻብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሐልዉ። 2 ግናኸ ስዉር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን። 3 ስለዚ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ፡ ኣብ ውሻጠ ብሕሽዅሽዅ ኣብ እዝኒ እተዛረብኩምዎም ድማ ኣብ ናሕስታት ኪስበክ ኣዩ። 4 ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም አሎኹ፥ ስጋ ንዚቐትሉ፡ ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ብዜብሎም ኣይትፍርህዎም። 5 ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፥ ነቲ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ኪድርቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍርሁ። እወ፡ ንእኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም አሎኹ። 6 ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። 7 ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጉሪ ርእስኹም እኳ ቝጽራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ። 8 ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዅሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ። 9 እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚክሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሐድ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። 10 ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዅሉ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ። 11-12 ናብ ኣባይቲ ጸሎት ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። 13 ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፥ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ።

Anker 9

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 09 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

2ይ፡ቆሮ  12፡1-7    1ይ፡ዮሓ 2፡20-ፍም    ግብ ሓዋ 14፡1-20     መዝ 60፡     ማቴ 18፡1-12

 

2ይ፡ቆሮ  12፡1-7   

1 ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእይን ናብ ምግላጽ ጐይታን እሐልፍ ኣሎኹ። 2 ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። 3 ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ 4 ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ። 5 በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብኣይ ክምካሕ እየ፡ ብናይ ርእሰይ ግና፡ ብድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ። 6 ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ምተዛረብኩ እሞ፡ ኣይምዓሾኹን ነይረ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ሓለፋ እቲ ዚርእየለይ ዘሎን ወይስ ሓለፋ እቲ ኻባይ ዚስምዖን ከይሐስበኒ፡ ሸለል ኢለ እሐድጎ ኣሎኹ። 7 ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ።

 

 

1ይ፡ዮሓ 2፡20-ፍም   

20 ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። 21 ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዋስ ኣይኰንኩን፡ ኵሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነን። 22 እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ። 23 ነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን፡ ነቲ ወዲ እተኣመነ ግና፡ እቲ ኣቦ አለዎ። 24 ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩምዎ ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። 25 እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ። 26 ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩም። 27 ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣት ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። 28 ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። 29 ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።

 

 

ግብ ሓዋ 14፡1-20

1 ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሃንጽ፡ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ። 2 ብቕንዕናኡ ዚመላለስ ንእግዚኣብሄር ይፈርሆ፡ መገዱ ዜጐብጥ ግና ይንዕቆ። 3 ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት ኣሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልውዎ። 4 ብዕራይ ኣብ ዜብሉ መብልዕ ማል ጥራዩ እዩ፡ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ። 5 እሙን ምስክር ኣይሕሱን፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእ። 6 መላገጺ ንገንዘብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን፡ ነእምሮኛ ግና ፍልጠት ኣይሽግሮን። 7 ካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይትርረክብን ኢኻ። 8 ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ። 9 እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ፡ ኣብ ማእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ ኣሎ። 10 ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፡ ኣብ ሓጐሱ ኸኣ ጓና ኣይሕወስን። 11 ቤት ረሲኣን ይዐኑ፡ ድንኳን ቅኑዓት ግና ይዕምብብ። 12 ንሰብ ቅንዕቲ ትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ። 13 ልቢ እናሰሐቕካውን ይጉሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ። 14 እቲ ብልቡ ዚዐሉ ብመገዱ ይጸግብ፡ ደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ። 15 ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፡ ለባም ግን ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን። 16 ጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕ፡ ዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ። 17 ኰራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብር፡ ተንኰለኛ ኸኣ ይጽላእ። 18 እቶም ደናቝርቲ ዕሽነት ይርስተዩ፡ ለባማት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ። 19 እቶም እኩያት ኣብ ቅድሚ ሰናያት፡ ረሲኣን ከኣ ኣብ ደጌታት ጻድቃን ይደኑ። 20 ንድኻ ብጻዩ እኳ ይጸልኦ፡ ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።

 

መዝ 60፡

1 ዎ ኣምላኽ፣ ደርቤኻና፣ ፋሕ ኣበልካና፣ ኰሬኻ። ምለሰና። 2 ንምድሪ ኣንቀጥቀጥካያ፣ ተርተርካያ፣ ትናወጽ ኣላ እሞ፣ ጭዳዳ ጸግን። 3 ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርኤኻዮ፣ ሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቴኻና። 4 ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም። 5 ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ። ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና። 6 ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፣ ኣነ ኽዕወት፣ ንሴኬም ክመቕሎ፣ ንለሰ ሱኮትውን ብመስፈሪ ኽሰፍሮ እየ። 7 ጊልኣድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ ኸኣ ናተይ እዩ። ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፣ ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ። 8 ሞአብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ፣ ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ። ዎ ፍልስጥኤም፣ እልል በልለይ። 9 ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፧ ናብ ኤዶምሲ መን ኰን ይመርሓኒ፧ 10 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና፧ ንስኻ ዎ ኣምላኽ፣ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፧ 11 ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፣ ካብቲ ተጻራሪ ርድአና። 12 ብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።

 

 

ማቴ 18፡1-12

1 በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ፧ እናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ። 2 ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። 3 በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 4 እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ። 5 ንኸምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል። 6 ካብዞም ብኣይ ዚእምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ። 7 መዓንቀፉ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ። 8 ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኳንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 9 ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ዃንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። 10 ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ኣለዉ፡ እብለኩም አሎኹ። 11 ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ አሎ እሞ፡ 12 እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧

Anker 10

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 10 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

2ይ፡ተስ 2፡3-ፍም         1ይ፡ዮሓ 3፡13-ፍም         ግብ ሓዋ 15፡30-36    መዝ 131፡9-10     ማቴ 6፡16-24  

 

2ይ፡ተስ 2፡3-ፍም

3-4 ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናኣርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዚቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዚብሃል ዘበለ ዚትንስእን ዚዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ጥፍኣት፡ ከይተገለጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኰነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። 5 ኣነ ገና ምሳካትኩም ከሎኹ፡ እዚ ኸም ዝነገርኹምከ፡ ኣይትዝክርዎን ዲኹም፧ 6 ንሱ በቲ ግዝያቱ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ አሎኹም። 7 ምስጢር ምፍራስ ሕግስ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ጥራይ ካብ ማእከል ክሳዕ ዚጽረግ ድሮ እኳ ይዓዪ አሎ፡ 8 እቲ መፍረስ ሕጊ ድማ ሽዑ ኺግለጽ እዩ። ንእኡ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ገይሩ ኼጥፍኦ፡ ብምግላጽ ምጽኣቱውን ከንቱ ኺገብሮ እዩ። 9-10 እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይተስ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን እዩ ዚኸውን። 11-12 ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚኣምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም። 13 ግናኸ፡ ኣቱም ብጐይታ ፍቁራት ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብናይ መንፈስ ቅድስናን ብእምነት ሓቅን ንምድሓን ስለ ዝሐረየኩም፡ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ክነመስግኖ ግቡእና እዩ። 14 ነቲ ኽብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ እዩ ንሱ ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም። 15 ደጊም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርትታት ሐዝዎ። 16 ግናኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረናን ብጸጋ ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦናን፡ 17 ብሰናይ ግብርን ቃልን ዘበለ ልብኹም የጻናንዕን የበርትዕን።

 

1ይ፡ዮሓ 3፡13-ፍም

13 ኣሕዋተየ፡ ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ኣይትገረሙ። 14 ንሕና፡ ነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና፡ ንፈልጥ አሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር። 15 ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም። 16 ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ። 17 ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ 18 ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር። 19-20 ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። 21 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና። 22 ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። 23 ከምቲ ንሱ ዝሀበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ። 24 እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሀበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።

 

ግብ ሓዋ 15፡30-36   

30 ንሳቶም ምስ ተላእኩ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረዱ፡ ነታ ማሕበር ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ወፈይዋ። 31 ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ። 32 ይሁዳን ሲላስን ግና፡ ንሳቶም ድማ ነብያት እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዐድዎምን ኣበርትዕዎምን። 33 ሓያሎ መዓልቲ ምሳታቶም ምስ ቀነዩ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም ተመልሱ። 34 ሲላስ ግና ኣብኡ ኺተርፍ ደለየ። 35 ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ኣብ ኣንጾክያ ደንጐዩ፡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖምውን ቃል ጐይታ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ። 36 ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ጳውሎስ ንበርናባስ፡ ንዓ፡ ንመለስ እሞ ኣብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ዘበላ ኸተማታት ነቶም ኣሕዋት ንብጽሓዮም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮም፡ በሎ።

 

መዝ 131፡9-10

 

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ልበይ ኣይተዐበየን፣ ኣዒንተይ ከኣ ልዕል ኣይበላን፣ ኣብ ዓብይን ዘየስተውዕሎን ነገር ኣይመላለስን። 2 ንነፍሰይ ኣህዳእክዋ፣ ስቕ ኣበልክዋ፣ ከም ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣብ ሕቚፊ ኣዲኡ፣ ነፍሰይ ከምቲ ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣባይ ከምኡ እያ። 3 ኣታ እስራኤል፣ ካብ ሕጂ ንዘለአለም ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

 

ማቴ 6፡16-24 

16 ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 17-18 ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። 19-21 መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። 22 ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። 23 ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። 24 ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሐደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሐደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሐደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሐደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ። 25 ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። 26 ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧

Anker 11

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 11 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

 

ሮሜ 16፡1-3    ያዕ 1፡19-ፍም    ግብ ሓዋ 13፡16-21    መዝ 44፡    ማቴ 17፡14-24

ሮሜ 16፡1-3   

1 ንፌቤን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም ኣሎኹ። 2 ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ።

 

ያዕ 1፡19-ፍም  

19-20 ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ይኹን። 21 ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። 22 ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። 23 ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። 24 ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ። 25 እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። 26 ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። 27 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

 

 

ግብ ሓዋ 13፡16-21   

16 ሽዑ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ በለ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ፡ 17 ናይ እዚ ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ነቦታትና ሐረዮም፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ስደቱ ኣብ ምድሪ ግብጺ ልዕል ኣበሎ፡ በታ ልዕልቲ ኢዱ ድማ ካብኣ ኣውጽኦም። 18 ኣስታት ኣርብዓ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ ኣብ በረኻ ኸም ኣቦ ዀይኑ ጾሮም። 19 ሾብዓተ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ከነኣን ኣጥፊኡ፡ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም። 20 ድሕርዚ ኸኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኣቢሉ ኽሳዕ ነብዪ ሳሙኤል መሳፍንቲ ሀቦም። 21 ድሕርዚ ንጉስ ለመኑ፡ ኣምላኽ ከኣ ነርብዓ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፡ ሳኦል ወዲ ቂስ ሀቦም።

 

መዝ 44፡

9 ሕጂ ግና ደርቢኻና ኣሕፊርካናውን፣ ምስ ሰራዊትና ድማ ኣይትወጽእን ኣሎኻ። 10 ካብ ተጻራሪ ኣምለስካና፣ ጸላእትናውን ዘመቱና። 11 ከም ኣባጊዕ ክንብላዕ ኣሕሊፍካ ሀብካና፣ ኣብ ኣህዛብውን ፋሕ ኣበልካና፣ 12 ንህዝብኻ ብኸምኡ ሸጥካ፣ ብዋጋኡ ኣይረባሕካን። 13 ንጐረባብትና መጻረፊ፣ ኣብ ዙርያና ንዚነብሩ ኸኣ መባለቲኦምን መላገጺኦምን ገበርካና። 14 ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ርእሶም መነቕነቒ ገበርካና። 15-16 ሓሳረይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸራፍን ሐማይን፣ ብሰሪ ጻላእን ፈዳይ ሕነን ሕፍረት ገጸይ ሸፊኑኒ ኣሎ። 17 እዚ ዅሉ በጽሓና፣ግናኸ ኣይረሳዕናካን፣ ኪዳንካውን ኣይጠለምናን። 18-19 ኣብ ቦታ ገበላት ቀጥቂጥካና፣ ብጽላሎት ሞትውን ኣጐልቢብካና ኽነስኻስ፣ ልብና ንድሕሪት ኣይተመልሰን፣ ስጕምትናውን ካብ መገድኻ ኣየግለሰን። 20 ስም ኣምላኽና ረሲዕና፣ ኣእዳውና ናብ ጓና ኣምላኽ ዘርጊሕና እንተ ንኸውንሲ፣ 21 ኣምላኽ ንምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ነዚዶ ኣይምመርመሮን ነይሩ፧ 22 ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና። 23 ጐይታየ፣ ተበራበር እባ፣ ንምንታይከ ትድቅስ፧ ኤረ ንቓሕ፣ ንሓዋሩ ኣይትደርብየና። 24 ንምንታይከ ገጽካ እትኽውል፧ መከራናን ጸበባናን እትርስዕ፧ 25 ነፍስና ናብ ሓመድ ደኒና፣ ስጋና ኣብ ምድሪ ጠቢቑ እዩ እሞ፣ 26 ንረዲኤትና ተንስእ፣ ምእንቲ ሳህልኻውን ኣድሕነና።

 

ማቴ 17፡14-24

14 ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢድ ነስኣሉ፡ 15 በሎውን፡ ጐይታን፡ ንወደይ ምሐረለይ። ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ፡ 16 ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስ፡ ምሕዋዩ ሰኣኑ። 17 የሱስ ግና መለሰ በለውን፡ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፡ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ። 18 የሱስ ገንሖ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብቲ ሰዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ። 19 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም፡ ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ በልዎ። 20 የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩምውን የልቦን። 21 እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም። 22 ኣብ ገሊላ ኺመላለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪትሐዝ ኣለዎ። 23 ኪቐትልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። ብዙሕ ከኣ ጐሀዩ። 24 ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ፡ ግብሪ ዜውጽኡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም፡ መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብሪዶ ኣይፈድን እዩ፧ በልዎ።

 

ሮሜ 16፡1-3   

1 ንፌቤን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም ኣሎኹ። 2 ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ። 3 ነቶም ብክርስቶስ የሱስ

Anker 12

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 12 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

መዝ 33፡6-8  ማቴ 24፡30-37  ፩ይጢሞ 4፡9-ፍም     ፩ይጴጥ 2፡13-17    ግብ ሓዋ 24፡14-22    መዝ 141፡6-7    ማቴ 24:8-20

 

መዝ 33፡6-8

6 ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፣ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ። 7 ንማያት ባሕሪ ኸም ኵልስስቲ ይዅምሮ፣ ንመዓሙቚ ኣብ መዛግብቲ ይእክቦ። 8-9 ንሱ በለ፣ ኰነ ድማ፣ ንሱ ኣዘዘ፣ ቈመ ኸኣ እሞ፣ ምድሪ ብመልኣ ንእግዚኣብሄር ትፍርሃዮ፣ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዅሎም ብእኡ ይሸበሩ።

ማቴ 24፡30-37          

30 ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። 31 ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። 32 ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። 33 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። 34 እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 35 ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን እዩ። 36 ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። 37 ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።

 

፩ይጢሞ 4፡9-ፍም    

9 እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ። 10 በቲ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዓይን እንጽዕርን ዘሎና። 11 እዚ ኣዝዝን ምሃርን። 12 ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ። 13 ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። 14 ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ። 15 እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰክካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። 16 ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።

 

፩ይጴጥ 2፡13-17

13-15 ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። 16 ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑ። 17 ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።

 

ግብ ሓዋ 24፡14-22   

14 ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ እናኣመንኩ፡ በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዚብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ፡ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ። 15 ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን ዚጽበይዎ፡ ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ። 16 ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዜብሉ ሕሊና ኺህልወኒ፡ ኲሉ ጊዜ እጽዕር ኣሎኹ። 17 ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ከቕርብን መጻእኩ። 18 ሽዑውን ካብ እስያ ዝመጹ ሓያሎ ኣይሁድ ብዘይ ኣኼባ ህዝብን ብዘይ ምንዓብን ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሄ ረኸቡኒ። 19 ንሳቶም ኣባይ ገለ እንተ ዚህልዎምሲ፡ ናባኻ መጺኦም ኪኸሱኒ ምተገብኤ ነይሩ። 20-21 ወይስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቘይመ ኸሎኹ፡ ብዘይ እዛ ኣብ ማእከልኩም ብደወይ ዓው ኢለ፡ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘረባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ዀይኖም፡ እዚኣቶም ይንገሩ። 22 ፌሊክስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናይዛ መገዲ እዚኣ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጠ፡ ሊስያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ምስ ወረደ፡ ሽዑ ነገርኩም ኣጸቢቐ ኽምርምር እየ፡ ኢሉ እቲ ነገሮም ይጽናሕ ሐደጎ።

 

መዝ 141፡6-7     

6 ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉ፣ ቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኺሰምዑ እዮም። 7 ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚትልሞን ዚሐርሶን፣ ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ።

 

ማቴ 24:8-20

8 እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9 ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። 10 ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። 11 ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። 12 ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። 13 እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። 14 እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። 15 እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ 16 ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። 17 ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። 18 ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 19 በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። 20-21 ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።

Anker 13

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 13  ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፩ይጢሞ 5:9-11    ፩ይጴጥ 2:20-ፍም     ግብ ሓዋ 13:1-7    መዝ 45፡1-2   ማቴ 16፡13-15

 

፩ይጢሞ 5:9-11   

9-10 ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሃወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዓበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር። 11 ሓያማት ግና ንክርስቶስ ተጻሪረን ፍትወት ስጋ ምስ ተላዕለን፡ ኪምርዓዋ እየን ዚደልያ እሞ፡ ንኣታተን ኣርሕቀን።

 

፩ይጴጥ 2:20-ፍም    

20 ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ ኣለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21 ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። 22 ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ 23 ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፈራርሄ። 24 ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም። 25 ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም።

 

ግብ ሓዋ 13:1-7

1 ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ማሕበር ከኣ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፡ በርናባስን ኔጌር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቄሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ዝዐበየ ማናይንን ሳውልን። 2 እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም። 3 ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም። 4 ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። 5 ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ። ንዮሃንስ ከኣ ኬገልግሎም ወሲዶምዎ ነበሩ። 6 ነታ ደሴት ብዘላ ኽሳዕ ጳፎስ ምስ ዞርዋ ኸኣ፡ ሓደ ጠንቋሊ፡ ነብዪ ሓሶት፡ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ። 7 ንሱ ምስቲ ምስለኔ፡ ስርግዮስ ጳውሎስ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ፡ ይነብር ነበረ። ንሱውን ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ደልዩ፡ ንሳውልን ንበርናባስን ናብኡ ጸውዖም።

 

መዝ 45፡1-2  

1 ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፣ ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ፣ እብል፣ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ። 2 ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ፣ ውቃበ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፣ ስለዚ ኣምላኽ ንዘለአለም ባረኸካ።

 

 

ማቴ 16፡13-15

13 የሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ መጸ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧ኢሉ ሐተቶም። 14 ንሳቶም ከኣ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥመቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለስሉ። 15 ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧ በሎም።

Anker 14

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 14  ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፪ይተስሎ 2፡1-11    ፩ይዮሓ 4፡1-9    ግብ ሓዋ 5፡35-ፍም    መዝ 77፡6-7   ማቴ 24፡8-15    መዝ 50፡12-13

 

፪ይተስሎ 2፡1-11

1-2 ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ናብኡ ምእካብናን፡ መዓልቲ ጐይታ ሕጂ ቕርብቲ ኸም ዘላስ፡ ብመንፈስ ወይስ ብቓል ወይስ ከምታ ኻባና ዝመጸትኩም ደብዳበ፡ ካብቲ ኣእምሮኹም ቀልጢፍኩም ከይትናቓነቑን ከይትስምብዱን፡ ንልምነኩም አሎና። 3-4 ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናኣርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዚቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዚብሃል ዘበለ ዚትንስእን ዚዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ጥፍኣት፡ ከይተገለጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኰነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። 5 ኣነ ገና ምሳካትኩም ከሎኹ፡ እዚ ኸም ዝነገርኹምከ፡ ኣይትዝክርዎን ዲኹም፧ 6 ንሱ በቲ ግዝያቱ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ አሎኹም። 7 ምስጢር ምፍራስ ሕግስ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ ዘሎ ጥራይ ካብ ማእከል ክሳዕ ዚጽረግ ድሮ እኳ ይዓዪ አሎ፡ 8 እቲ መፍረስ ሕጊ ድማ ሽዑ ኺግለጽ እዩ። ንእኡ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ገይሩ ኼጥፍኦ፡ ብምግላጽ ምጽኣቱውን ከንቱ ኺገብሮ እዩ። 9-10 እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን እዩ ዚኸውን። 11-12 ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚኣምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም።

 

፩ይዮሓ 4፡1-9   

1 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ። 2 ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ 3 የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ። 4 ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም። 5 ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6 ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8 ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9 ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና።

 

ግብ ሓዋ 5፡35-ፍም

35 በሎም ድማ፡ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኸም ተጠንቀቑሉ። 36 ቅድሚ እዚ ወርሓት እዚ ቴዎዳስ፡ ኣነ ዓብዪ እየ፡ ኢሉ ተንስኤ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዚኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዐብዎ። ንሱ ጠፍኤ፡ እቶም ዝሰዐብዎ ዘበሉ ድማ ተበተኑ፡ ከም ዘይነበሩውን ኰኑ። 37 ብድሕሪኡ ይሁዳ፡ እቲ ገሊላዊ፡ በተን ቅነ ጽሕፈት ግብሪ ተንስኤ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ኣስድዔ። ንሱውን ጠፍኤ፡ እቶም እተኣዘዝዎ ዘበሉ ዂሎም ድማ ተዘርዉ። 38-39 ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ። 40 ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሐደግዎም። 41 ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። 42 ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።

 

መዝ 77፡6-7

6 ብለይቲ ንበገናይ እሐስብ፣ ምስ ልበይ ኤስተንትን ኣሎኹ፣ መንፈሰይውን ይምርምር ኣሎ፣ 7 እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለምዶ ይድርቢ፧ ድሕርዚኸ ጸጋኡዶ ኣየርእን እዩ  

 

ማቴ 24፡8-15   

8 እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9 ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። 10 ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። 11 ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። 12 ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። 13 እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። 14 እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። 15 እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡

መዝ 50፡12-13

12 ምድርን ምልኣታን ናተይ እያ እሞ፣ እንተ ዝጠሚ እኳ ኣይምነገርኩኻን። 13 ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ፧ ደም ዲቤላታትሲ እሰቲ እየ

 

ማቴ 12፡22-38

22 ድሕርዚ ኸኣ ጋኔን ዝሐደሮ ዕዉር ዓባስ ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ነቲ ዕዉር ዓባስ ዚርእን ዚዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ። 23 እቶም ህዝቢ ዅሎም ከኣ፡ እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን እዩ፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። 24 ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤልዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ። 25 የሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ። 26 ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ፡ ንሓድሕዱ ተፋላለየ፡ እታ መንግስቲ ደኣኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ 27 ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። 28 ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት። 29 ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን አሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። 30 ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ። 31 ስለዚ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን። 32 ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። 33 ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ። 34 ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ 35 እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። 36-37 ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ። 38 ሽዑ ሓይሎ ኻብ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ አሎና ኢሎም መለሱ።

Anker 15

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 15  ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፪ይቆሮ 8፡1-10     ፪ይጴጥ 3፡1-4     ግብ ሓዋ 11፡27-ፍም     መዝ 30፡4-5     ማቴ 14፡1-13

 

፪ይቆሮ 8፡1-10

1 ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም ኣሎና፡ 2-3 ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሃቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓላፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዓዘዘ። 4 ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡ 5 ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡ 6 ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባካትኩምውን ኪፍጽም፡ ምዒድናዮ ኣሎና። 7 ግናኸ ብዅሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ። 8 እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን። 9 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ። 10 እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም ኣሎኹ፡ ንስካትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር፡ ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም።

 

፪ይጴጥ 3፡1-4 

   1-2 ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ አሎኹ። 3 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። 4 ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም።

 

ግብ ሓዋ 11፡27-ፍም    

27 በታ ቕነ እቲኣ ነብያት ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ ወረዱ። 28 ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኲላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፡ ብመንፈስ ተዛረበ። እዚ ብዘመን ቄሳር ቅላውዴዎስ ኰነ። 29 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ። 30 ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ።

 

መዝ 30፡4-5    

4-5 ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።

 

ማቴ 14፡1-13

1 በቲ ጊዜ እቲ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት፡ ወረ የሱስ ሰምዔ። 2 ንገላዉኡ ድማ፡ እዚ ዮሃንስ መጥመቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ አሎ፡ ስልዚ ኸኣ እዚ ሓይልታትዚ ብእኡ ይግበር አሎ፡ በሎም። 3-4 ዮሃንስ ንሄሮድስ ብዛዕባ እታ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ንሳ ንኣኻ ኽትከውን ኣይተፈቕደልካን፡ ኢልዎ ነበረ እሞ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሰራ ሒዙ ኣሲሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ። 5 ኪቐትሎውን ይደሊ ነበረ፡ ግናኸ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ፈርሆም። 6 ሄሮድስ እተወለደላ መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ። 7 ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ። 8 ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒ፡ በለቶ። 9 እቲ ንጉስ ጐሀየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪሀብዋ ኣዘዘ። 10 ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰሪ ኣሰየፈ። 11 እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። 12 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንየሱስ ነገርዎ። 13 የሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ካብኣ ብጃልባ ኣግሊሱ ናብ ጽምዊ በረኻ ኸደ። እቶም እኩባት ህዝቢ ሰሚዖም ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዐብዎ።

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 15  ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፪ይቆሮ 8፡1-10     ፪ይጴጥ 3፡1-4     ግብ ሓዋ 11፡27-ፍም     መዝ 30፡4-5     ማቴ 14፡1-13

 

፪ይቆሮ 8፡1-10

1 ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም ኣሎና፡ 2-3 ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሃቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓላፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዓዘዘ። 4 ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡ 5 ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡ 6 ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባካትኩምውን ኪፍጽም፡ ምዒድናዮ ኣሎና። 7 ግናኸ ብዅሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ። 8 እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን። 9 ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ። 10 እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም ኣሎኹ፡ ንስካትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር፡ ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም።

 

፪ይጴጥ 3፡1-4 

   1-2 ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ አሎኹ። 3 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። 4 ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም።

 

ግብ ሓዋ 11፡27-ፍም    

27 በታ ቕነ እቲኣ ነብያት ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ ወረዱ። 28 ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኲላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዚኸውን፡ ብመንፈስ ተዛረበ። እዚ ብዘመን ቄሳር ቅላውዴዎስ ኰነ። 29 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረድኤት ኪሰዱሎም መደቡ። 30 ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ።

 

መዝ 30፡4-5    

4-5 ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።

 

ማቴ 14፡1-13

1 በቲ ጊዜ እቲ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት፡ ወረ የሱስ ሰምዔ። 2 ንገላዉኡ ድማ፡ እዚ ዮሃንስ መጥመቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ አሎ፡ ስልዚ ኸኣ እዚ ሓይልታትዚ ብእኡ ይግበር አሎ፡ በሎም። 3-4 ዮሃንስ ንሄሮድስ ብዛዕባ እታ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ንሳ ንኣኻ ኽትከውን ኣይተፈቕደልካን፡ ኢልዎ ነበረ እሞ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሰራ ሒዙ ኣሲሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ። 5 ኪቐትሎውን ይደሊ ነበረ፡ ግናኸ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ፈርሆም። 6 ሄሮድስ እተወለደላ መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ። 7 ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ። 8 ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒ፡ በለቶ። 9 እቲ ንጉስ ጐሀየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪሀብዋ ኣዘዘ። 10 ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰሪ ኣሰየፈ። 11 እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። 12 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንየሱስ ነገርዎ። 13 የሱስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ካብኣ ብጃልባ ኣግሊሱ ናብ ጽምዊ በረኻ ኸደ። እቶም እኩባት ህዝቢ ሰሚዖም ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዐብዎ።

Anker 16

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 16  ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፩ይቆሮ 15፡20-ፍም     ፫ይዩሓ 1፡1-9    ግብ ሓዋ 5፡35-ፍም    መዝ113፡3-4     

ዮሓ 15፡17-26

 

፩ይቆሮ 15፡20-ፍም    

20 ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። 21 ስለዚ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። 22 ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም። 23 ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ። 24-25 ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን። 26 እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዓር ጸላኢውን ሞት እዩ። 27 ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኹሉ ኣግዝኦ እሞ፡ ኩሉ ተገዝኤ፡ ኪብል ከሎ፡ ብዘይ እቲ ኹሉ ንእኡ ዘግዝኦ ኸም ዝኾነ፡ ግሁድ እዩ። 28 ኩሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኩሉ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ኹሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ። 29 እንተ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምውታት ዚጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ብሱሩ ምውታት ዘይትንስኡ እንተ ኾይኖምሲ፡ ንምንታይ ደኣ ዚጥመቑሎም፡ 30 ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ኹሉ ጊዜ ኣብ ፍርሃት እንኣቱ፡ 31 ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት ኣሎኹ። 32 ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን። 33 ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ። 34 ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሐፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ። 35 ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዚመጹ፧ ዚብል ይህሉ። 36 ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። 37 እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዚኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። 38 ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዚህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ። 39 ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ እንስሳ በይኑ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። 40 ሰማያዊ ስጋ ድማ ኣሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ። 41 ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡ ክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ። 42 ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዚሐልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሐልፍ ከኣ ይትንስእ። 43 ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። 44 ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳዊ ስጋ ኻብ ዚህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን ኣሎ። 45 ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። 46 ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። 47 እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። 48 ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። 49 ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና። 50 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሐልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 51 እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ 52 ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። 53 ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። 54 እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ። 55 ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ 56 ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። 57 ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። 58 ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።

 

 ፫ይዩሓ 1፡1-9 

 

  1 ካብቲ ሽማግለ ናብቲ ፍቁር፡ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ጋይዮስ። 2 ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ። 3 ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሐጐስኩ። 4 ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን። 5 ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይስን እትገብሮ ዘሎኻ ዘበለ ተኣሚንካ ትገብሮ አሎኻ። 6 እዚኣቶም ብናይ ፍቅርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም አለዉ። ንኣምላክ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር አሎኻ። 7 ንሳቶም ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ ኸይወሰዱ ምእንቲ እቲ ስም እቲ እዮም ዝወጹ። 8 እምብኣርስኸ፡ ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ። 9 ኣነ ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ አሎኹ፡ እቲ ኣውራኦም ኪኸውን ዚደሊ ድዮትሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ።

 

ግብ ሓዋ 5፡35-ፍም   

35 በሎም ድማ፡ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኸም ተጠንቀቑሉ። 36 ቅድሚ እዚ ወርሓት እዚ ቴዎዳስ፡ ኣነ ዓብዪ እየ፡ ኢሉ ተንስኤ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዚኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዐብዎ። ንሱ ጠፍኤ፡ እቶም ዝሰዐብዎ ዘበሉ ድማ ተበተኑ፡ ከም ዘይነበሩውን ኰኑ። 37 ብድሕሪኡ ይሁዳ፡ እቲ ገሊላዊ፡ በተን ቅነ ጽሕፈት ግብሪ ተንስኤ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ኣስድዔ። ንሱውን ጠፍኤ፡ እቶም እተኣዘዝዎ ዘበሉ ዂሎም ድማ ተዘርዉ። 38-39 ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ። 40 ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሐደግዎም። 41 ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። 42 ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።

 

መዝ 113፡3-4 

   

3 ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ስም እግዚኣብሄር ይመስገን። 4 እግዚኣብሄር አብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፣ ክብሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት እዩ።

 

ዮሓ 15፡17-26

17 ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ። 18 ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። 19 ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። 20 ነቲ፥ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም።ቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም። 21 ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም። 22 ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን። 23 እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ። 24 ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። 25 እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፥ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነ። 26 እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ።

Anker 17

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 17  ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፩ይቆሮ 12፡1-12   ያዕ 1፡1-17    ግብ ሓዋ 12፦1-12  መዝ 72   ማር 1፡19-23

 

፩ይቆሮ 12፡1-12  

 

1 ብምስላ ድማ ኪብሎም ጀመረ፡ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኰዓተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ድማ ገሸ። 2 ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቶም ዓየይቲ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ፡ ናብቶም ዓየይቲ ባርያኡ ለኣኸ። 3 ንሳቶም ግና ሒዞም ገሪፎም፡ ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 4 ከም ብሓድሽ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ። ንእኡ ኸኣ ርእሱ ብእምኒ ፈግእዎ፡ ኣሕሲሮምውን ሰደድዎ። 5 ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኦም ገረፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ ቐተልዎም። 6 ገና ዜፍቅሮ ሓደ ወዲ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ ፥ እስኪ ንወደይ እንተ ሐፈርዎ፡ ኢሉ ንእኡ ናባታቶም ለኣኾ። 7 እቶም ዓየይቲ ግና፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ ንዑ ንቕተሎ እሞ እቲ ርስቱ ንኣና ኪኸውን፡ ተበሃሃሉ። 8 ሒዞም ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ናብ ወጻኢ ደርበይዎ። 9 እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ሕጂ ደኣ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ንኻልኦት ኪህቦም እዩ። 10-11 እታ ፥ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ እትብል ጽሕፈትሲ ከቶዶ ኣየንበብኩምዋን ኢኹም፧ 12 ነዚ ምስላ እዚ ብዛዕባኦም ከም ዝበሎ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሆም ግና፡ ሐዲጎምዎ ኸዱ።

 

ያዕ 1፡1-17   

1 ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም ኣሎ። 2 ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። 3 እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ 4 ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ። 5 ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ። 6 እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። 7-8 ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። 9 እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። 10 እቲ ሃብታምውን፡ ከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። 11 ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፡ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። 12 ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። 13 ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል። 14 ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። 15 ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። 16 ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሐቱ። 17 ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።

 

ግብ ሓዋ 12፦1-12 

1 በቲ ዘመንቲ ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ሓያሎ ኻብታ ማሕበር ክፉእ ኪገብሮም ኢዱ ዘርግሔ። 2 ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ ኣሰየፎ። 3 እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ ድማ፡ ወሲኹ ንጴጥሮስ ሐዞ። ቅነ በዓል ቅጫ ኸኣ ነበረ። 4 ምስ ሐዞ ኸኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ ድልዩ፡ በበርባዕተ ዀይኖም ኪሕልውዎ ነርባዕተ መደብ ዓቀይቲ ኣሕሊፉ ሀቦ። 5 ጴጥሮስ ከምዚ ዀይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፡ እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት። 6 ሄሮድስ ኬቕርቦ ምስ ሐሰበ፡ በታ ቕድሚኣ ዘላ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሞቚሕ ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓቀይቲ ደቂሱ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ይሕልዉ ነበሩ። 7 እንሆ ኸኣ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብርሃን በርሄ፡ ንጴጥሮስውን መሰንገሊኡ ተንክዩ፡ ቀልጢፍካ ተንስእ፡ ኢሉ ኣበራበሮ። እቲ መቓውሕ ድማ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ። 8 እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ተዐጠቕ፡ ኣሳእንካውን ኣእቱ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዐበኒ፡ በሎ። 9 ንሱውን ወጺኡ ሰዐቦ። ግናኸ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ ብመልኣኽ ዝዀነ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣየስተውዐለን። 10 ነቶም ቀዳማይን ካልኣይን በሪ ዚሕልዉ ምስ ሐለፈ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዜእቱ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፡ ባዕሉውን ተኸፍተሎም። ወጺኦም ከኣ ሓደ ኣደባባይ ምስ ሐለፉ፡ ሽዑ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተሰወረ። 11 ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ፡ እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ዂሉን ከም ዘድሐነኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። 12 ነቲ ነገር ምስ ኣስተውዐለ፡ ናብ ቤት ማርያም፡ ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ።

መዝ 72፡   

1 ዎ ኣምላኽ፣ ንንጉስ ፍርድኻ፣ ንወዲ ንጉስውን ጽድቅኻ ሀቦም። 2 ንሱ ኸኣ ንህዝብኻ ብጽድቂ፣ ንጥቑዓትካውን ብቅንዕና ኺፈርዶም እዩ። 3 ኣኽራንን ኰረቢትንሲ ብጽድቂ ንህዝቢ ሰላም ኬምጽኡሉ እዮም። 4 ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፣ ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ። 5 ጸሓይን ወርሕን ክሳዕ ዘለዋ፣ ንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም። 6 ከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድ። 7 ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ፣ ወርሒ ኽሳዕ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 72 597 እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። 8 ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ። 9 ኣብ በረኻ ዚነብሩ ኢድ ኪነስኡሉ፣ ጸላእቱውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም። 10 ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ገጸ በረኸት ኬቕርቡሉ፣ ነገስታት ሸባን ሳባን ድማ ውህበታት ኬምጽኡሉ እዮም። 11 ኵሎም ነገስታት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኺፍገሙ፣ ብዘለዉ ኣህዛብ ኬገልግልዎ እዮም። 12 ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። 13 ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም፣ ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። 14 ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣ 15 ብህይወት ኪነብር፣ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎ፣ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩ፣ ምሉእ መዓልቲ ኺባርኽዎ እዮም። 16 ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን፣ ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖስ ዘዘው ኪብል፣ ሰብ ከተማውን ከም ሳዕሪ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም። 17 ስሙ ንዘለአለም ኪነብር፣ ስሙ ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ኺዝውተር እዩ፣ ብእኡውን ሰብ ኪባረኹ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹእ ኪብልዎ እዮም። 18 እቲ በይኑ ተአምራት ዚገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ። 19 ክቡር ስሙ ንዘለአለም ይባረኽ፣ ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን፣ ኣሜን፣ 20 ጸሎት ዳዊት ወዲ እሰይ ተፈጸመ።

 

ማር 1፡19-23

19 ካብኡ ንእሽቶ ሕልፍ ኢሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን ኣብ ጃልባ መርበቦም ኬዕርዩ ኸለዉ ረኣዮም። 20 ብኡብኡ ጸውዖም። ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሐዲጎም ሰዓብዎ። 21 ኣብ ቅፍርናሆም ኣተዉ፡ ብኡብኡ ኸኣ ብሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሃረ። 22 ከምቶም ጻሓፍቲ ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ በቲ ምህሮኡ ተገረሙ። 23 ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፡

Anker 18

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 18  ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፪ይቆሮ 6፡3-12    ፩ይጲጥ 5።12-ፍም    ግብ ሓዋ 14፡19-ፍም   መዝ 43፡     ሉቃ 17፡7-11

 

፪ይቆሮ 6፡3-12 

3 ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከመይ ግዳ ነቲ ነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዘይንፈርዶ፧ 4 እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዚፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧ 5-6 ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን፧ 7 ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧ 8 ምሓልፎ ንስኻትኩም ትዕምጹን ትገፍዑን ኣሎኹም፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣሕዋት። 9 ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ 10 ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። 11 ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም። 12 ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ።

 

፩ይጲጥ 5።12-ፍም

12 ብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓዉና ገይረ፡ እናመኸርኩኹም፡ እዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩ፡ ቅሩብ ጽሒፈልኩም አሎኹ። 13 እታ 1ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ  መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ። 14 ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሀልኹም። ኣሜን

 

ግብ ሓዋ 14፡19-ፍም  

19 ኣይሁድ ከኣ ካብ ኣንጾክያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ነቶም ህዝቢ ሐባቢሎም ንጳውሎስ ድማ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጓተትዎ። 20 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸቢቦምዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ኸኣ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ። 21 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ወንጌል እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ። 22 ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ። 23 ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም። 24 ብጲስድያ ሐሊፎም ናብ ጳምፍልያ መጹ። 25 ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ነገሩ፡ ናብ ኣጣልያ ወረዱ። 26 ካብኣ ኸኣ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ኣብኣ ንጸጋ ኣምላኽ ዘማሕጸንዎም ኣንጾክያ ብመርከብ ተሳገሩ። 27 ናብኣ ምስ በጽሑ፡ ንማሕበር ኣኪቦም፡ ኣምላኽ ዝገበረሎም ኲሉን ነህዛብ ከኣ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን፡ ኣዘንተዉሎም። 28 ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ጸንሑ።

 

መዝ 43

1 ዎ ኣምላኽ፣ በይነለይ፣ ምስቲ ምሕረት ዜብሉ ህዝቢ ተማጐተለይ፣ ካብ ሓሳውን ዓማጽን ሰብ ኣድሕነኒ። 2 ኣምላኽ ሓይለይ ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለምንታይ ደርቤኻኒ፧ ስለምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ እኸይድ ኣሎኹ፧ 3 ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። 4 ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፣ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሳይን ክአቱ እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኸየ፣ ብበገና ኸመስግነካ እየ። 5 ነፍሰይ፣ ስለምንታይ ትጕህዪ፧ ስለምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።

 ሉቃ 17፡7-11

7 ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመጥ፡ ዚብሎ መን አሎ፧ 8 ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ፥ 9 ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን። 10 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ። 11 ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሐለፈ።

Anker 19

1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 19 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

ሮሜ 8፡12-18    ፩ይዮሓ 4፡3-9    ግብ ሓዋ 5፡33-37    መዝ 65፡10-11      ማቴ 10፡16-23

 

ሮሜ 8፡12-18

 12-13 እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። 14-15 ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። 16 ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። 17 ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና። 18-19 ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ።  

 

፩ይዮሓ 4፡3-9   

3 የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ። 4 ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም። 5 ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6 ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8 ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9 ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና።

 

ግብ ሓዋ 5፡33-37   

33 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሐረቑ ኪቐትልዎም ድማ ተማኸሩ። 34 ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዂሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ንሃዋርያት ሓንሳእ ኬግልስዎም ኣዘዘ፡ 35 በሎም ድማ፡ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኸም ተጠንቀቑሉ። 36 ቅድሚ እዚ ወርሓት እዚ ቴዎዳስ፡ ኣነ ዓብዪ እየ፡ ኢሉ ተንስኤ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዚኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዐብዎ። ንሱ ጠፍኤ፡ እቶም ዝሰዐብዎ ዘበሉ ድማ ተበተኑ፡ ከም ዘይነበሩውን ኰኑ። 37 ብድሕሪኡ ይሁዳ፡ እቲ ገሊላዊ፡ በተን ቅነ ጽሕፈት ግብሪ ተንስኤ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ኣስድዔ። ንሱውን ጠፍኤ፡ እቶም እተኣዘዝዎ ዘበሉ ዂሎም ድማ ተዘርዉ።

 

መዝ 65፡10-11

1 ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ጽዮን ብህድኣት የመስግኑኻ፣ መብጽዓውን ንኣኻ ኺፍጸም እዩ። 2 ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፣ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ። 3 ኣበሳ በርቲዑኒ፣ ንስኻ ንምግሃስና ይቕረ ኽትብል ኢኻ። 4 ኣብ ቦታኻ ኺሐድር ዝሐሬኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ። ብበረኸት ቤትካ፣ ብቕዱስ መቕደስካ ኽንጸግብ ኢና። 5-7 ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ። 8 ኣብ ወሰን ምድሪ ዚነብሩ ኸኣ ብትእምርትኻ ይፈርሁ፣ ንምብራቕን ምዕራብን እልል ተብለን። 9 ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማ፣ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፣ እኽሊ ተዳልወሎም። 10 ንነግሕታታ ተስትዮ፣ ንድንኵላታ ትምድምዶ፣ ብዝናም ተለምልማ፣ ንብቚላ ትባርኾ። 11 ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፣ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ። 12 ኣብ ሰውሒ በረኻ የንጠብጥብ፣ ኰረቢትውን ብታሕጓስ ይዕጠቓ። 13 ኣሳውሕ ብመጓሴታት ይኽደን፣ ለሴታትውን እኽሊ ይጒልበብ፣ እልል ይብሉን ይዝምሩን ኣለዉ።

 

ማቴ 10፡16-23

16 እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። 17- 18 ናብ ዋዕላ ኺወስድኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፍኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስተታን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቐቁ። 19 ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። 20 መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ። 21 ሓው ንሓው፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዮም። 22 ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። 23 ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ከተማታት እስራኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Anker 20

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 20 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፪ይቆሮ 3፡7-12    ያዕ 3፡13-ፍም    ግብ ሓዋ 5፡38-ፍም    መዝ 78፡10-11    ማቴ 25፡14-31

 

፪ይቆሮ 3፡7-12

7 እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን። 8 እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። 9 ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። 10-11 ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። 12 ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ 13 እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ።

 

ያዕ 3፡13-ፍም

13 ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ። 14 መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን። 15-16 ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። 17 እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። 18 ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።

 

ግብ ሓዋ 5፡38-ፍም   

38-39 ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ። 40 ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሐደግዎም። 41 ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። 42 ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።

 

መዝ 78፡10-11   

10 ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉን፣ ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ፣ 11 ንግብርታቱን ነቲ ዘርአዮም ተአምራቱን ረስዕዎ።

 

ማቴ 25፡14-31

14 መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። 15 ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። 16 እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። 17 እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። 18 እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። 19 ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። 20 እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። 21 እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን በርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። 22 እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታኡ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። 23 ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። 24 እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ 25 ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። 26 እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። 27 እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። 28 ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። 29 ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። 30 ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 31 ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ።

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 20 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፪ይቆሮ 3፡7-12    ያዕ 3፡13-ፍም    ግብ ሓዋ 5፡38-ፍም    መዝ 78፡10-11    ማቴ 25፡14-31

 

፪ይቆሮ 3፡7-12

7 እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን። 8 እቲ ዚተክልን እቲ ዜስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ። 9 ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም። 10-11 ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ። 12 ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ 13 እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ።

 

ያዕ 3፡13-ፍም

13 ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ። 14 መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን። 15-16 ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። 17 እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። 18 ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።

 

ግብ ሓዋ 5፡38-ፍም   

38-39 ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ። 40 ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሐደግዎም። 41 ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። 42 ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።

 

መዝ 78፡10-11   

10 ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉን፣ ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ፣ 11 ንግብርታቱን ነቲ ዘርአዮም ተአምራቱን ረስዕዎ።

 

ማቴ 25፡14-31

14 መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። 15 ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። 16 እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። 17 እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። 18 እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። 19 ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። 20 እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። 21 እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን በርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። 22 እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታኡ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። 23 ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። 24 እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ 25 ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። 26 እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። 27 እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። 28 ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። 29 ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። 30 ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 31 ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ።

Anker 21

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 21 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

መዝ 41፡9-10    ሉቃ 1፡39-57    ፩ይኤፌ 5፡15-21   ፩ይጴጥ 2፡4-11    ግብ ሓዋ 17፡30፡ፍም    መዝ 44፡12-13   ሉቃ 17፡1-11

 

መዝ 41፡9-10   

9 እወ፣ እቲ ዝእመኖ፣ እንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀናኡ ኣልዐለለይ። 10 ንስኻ ግና፣ ጐይታየ፣ ምሐረኒ፣ ክፈድዮም ከኣ ኣተንስአኒ።

ሉቃ 1፡39-57   

39 በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። 40 ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። 41 ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ 42 ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ። 43 ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ 44 እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ተሰራሰረ። 45 እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ። 46 ማርያም ድማ በለት ንፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ 47-49 መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም። 50 ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። 51 ሓያሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዅሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም። 52 ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። 53 ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። 54-55 ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረት እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ። 56 ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስኣ ወርሔት፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት። 57 ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሓ በጽሔ ወዲውን ወለደት። 58 ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፡ ምስኣ ተሐጐሱ። 59 ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ነቲ ሕጻን ኪገርዝዎ መጹ፡ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ሰመይዎ።

፩ይኤፌ 5፡15-21 

15-16 እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። 17 ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ። 18-19 ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። 20 ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ 21 ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ።

 

፩ይጴጥ 2፡4-11   

4 ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ 5 ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ። 6 ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ አሎ። 7 ስለዚ ንኣኻትኩም እትአምኑ፡ ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ 8 እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባት እዮም። 9 ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። 10 ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም። 11 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ።

 

ግብ ሓዋ 17፡30፡ፍም

30-31 ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ። 32 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉ፡ ገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ። 33 ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ። 34 ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ ኣመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።

 

መዝ 44፡12-13  

12 ንህዝብኻ ብኸምኡ ሸጥካ፣ ብዋጋኡ ኣይረባሕካን። 13 ንጐረባብትና መጻረፊ፣ ኣብ ዙርያና ንዚነብሩ ኸኣ መባለቲኦምን መላገጺኦምን ገበርካና።

 

ሉቃ 17፡1-11

1 ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፥ መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዚመጽእ ግና ወይለኡ። 2 ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዜስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኺድርበ ምሔሾ ነይሩ። 3 ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሐዮ፡ እንተ ተጣዕሰ፡ ሕደገሉ። 4 ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ። 5 ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፥ እምነት ወስኸና፡ በልዎ። 6 ጐይታ ኸኣ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ሳግላ፡ ተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል፡ ምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ። 7 ካባኻትኩምከ ዚሐርስ ወይስ ዚጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመጥ፡ ዚብሎ መን አሎ፧ 8 ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዚብሎ፥ 9 ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን። 10 ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ። 11 ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሐለፈ።

Anker 22

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 22 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፩ይጢሞ 1፡1-12      ፩ይዮሓ 22-ፍም      ግሓ 12፡12-18      መዝ 131       ማቴ 18፡15-21    

 

፩ይጢሞ 1፡1-12

 1 ጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ተስፋናን፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ፡ 2 ናብ ጢሞቴዎስ፡ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን። 3-4 እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መወዳእታ ናብ ዜብሉ ቝጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዓድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል አሎኹ። 5 እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ። 6 ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም፡ 7 ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ዜረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ። 8 ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 9 ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ 10 ነመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ። 11 እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ። 12 ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ ኤመስግኖ አሎኹ።

 

፩ይዮሓ 22-ፍም     

22 እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ። 23 ነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን፡ ነቲ ወዲ እተኣመነ ግና፡ እቲ ኣቦ አለዎ። 24 ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩምዎ ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። 25 እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ። 26 ብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩም። 27 ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣት ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። 28 ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። 29 ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።

 

ግሓ 12፡12-18

12 ነቲ ነገር ምስ ኣስተውዐለ፡ ናብ ቤት ማርያም፡ ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ። 13 ጴጥሮስ ነቲ ማዕጾ ደገ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ሮዳ እትብሀል ግዝእቲ ኽትሰምዕ መጸት። 14 ንሳ ኸኣ ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ነገረት እምበር፡ ነቲ ማዕጾ ኣይከፈተቶን። 15 ንሳቶም ግና፡ ተጸሊልኪ ኢኺ፡ በልዋ። ንሳ ኸኣ ከምኡ ምዃኑ ኣርገጸት። ሽዑ መልኣኹ ዀን ይኸውን፡ በሉ። 16 ጴጥሮስ ግና ኳሕኳሕ የብል ነበረ። ምስ ከፈቱ ኸኣ ረኣይዎ እሞ ተገረሙ። 17 ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ፡ ኣዘንተወሎም እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም፡ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ስፍራ ኸደ። 18 ምስ ወግሔ፡ እቶም ዓቀይቲ፡ ንጴጥሮስሲ ኣንታይ ኰን ረኺብዎ ይኸውን፧ ኢሎም ብዙሕ ተጨነቑ።

 

መዝ 131

1 ዎ እግዚኣብሄር፣ ልበይ ኣይተዐበየን፣ ኣዒንተይ ከኣ ልዕል ኣይበላን፣ ኣብ ዓብይን ዘየስተውዕሎን ነገር ኣይመላለስን። 2 ንነፍሰይ ኣህዳእክዋ፣ ስቕ ኣበልክዋ፣ ከም ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣብ ሕቚፊ ኣዲኡ፣ ነፍሰይ ከምቲ ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣባይ ከምኡ እያ። 3 ኣታ እስራኤል፣ ካብ ሕጂ ንዘለአለም ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።

 

ማቴ 18፡15-21    

15 ሓውኻ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውኻ ረባሕካዮ። 16 እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። 17 ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። 18 ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 19-20 ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። 21 ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧ በሎ።

Anker 23

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 23 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

መዝ 109፡5-6      ሉቃ 12፡1-13      ፪ይቆሮ 1፡1-12      ፩ይጴጥ 1፡6-10      ግሓ 14፡1-23      መዝ 78፡10-11      ማቴ 10፡16-34

 

መዝ 109፡5-6

5 አብ ክንዲ ሰናይ እከይ፣ አብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ። 6 ረሲእ አብ ልዕሊኡ ኣቝመሉ፣ ተጻራሪ አብ የማኑ ይቑም።

 

ሉቃ 12፡1-13     

1 ኣእላፋት ህዝቢ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚራገጹ፡ ምስ ተኣከቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺብሎም ጀመረ፥ ቅድሚ ዅሉ ኻብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሐልዉ። 2 ግናኸ ስዉር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን። 3 ስለዚ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ፡ ኣብ ውሻጠ ብሕሽዅሽዅ ኣብ እዝኒ እተዛረብኩምዎም ድማ ኣብ ናሕስታት ኪስበክ ኣዩ። 4 ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም አሎኹ፥ ስጋ ንዚቐትሉ፡ ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ብዜብሎም ኣይትፍርህዎም። 5 ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፥ ነቲ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ኪድርቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍርሁ። እወ፡ ንእኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም አሎኹ። 6 ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። 7 ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጉሪ ርእስኹም እኳ ቝጽራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ። 8 ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዅሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ። 9 እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚክሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሐድ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። 10 ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዅሉ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ። 11-12 ናብ ኣባይቲ ጸሎት ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። 13 ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፥ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ።

 

 

፪ይቆሮ 1፡1-12     

1 ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ 2 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። 3 ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ 4 በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ። 5 ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ። 6 ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንስቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ። 7 ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ፡ ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀንኩም ፈሊጥና፡ ተስፋና ኣባካትኩም ጽንዕቲ እያ። 8 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሐብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና። 9 ኣብቲ ንምዉታት ዜተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። 10 ንሱ ኻብ ክንድዚ ዚአክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ አሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዜድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣሎና። 11 ንስካትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና ኣሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኼመስግኑ እዮም። 12 ትምክሕትና፡ ብጥበብ ስጋ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከም እተመራሕና፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኣባካትኩም፡ ብቕድስና ኣምላኽን ንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕሊናና ምስክር እዩ።

 

፩ይጴጥ 1፡6-10     

6-7 እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። 8-9 ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ንፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም። 10 እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡

 

ግሓ 14፡1-23     

1 ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዩም ኰነ፡ ሐቢሮም ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም፡ ካብ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ዚኣምኑ፡ ተዛረቡ። 2 እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ልቢ እቶም ኣህዛብ ናብቶም ኣሕዋት ኣናቓነቑን ኣኽፍኡን። 3 ኣብኡ ነዊሕ ወርሓት ተቐመጡ። በቲ ትእምርትን ተኣምራትን በእዳዎም እናገበሩ፡ ንቓል ጸጋኡ ምስክር ዝሀበ ጐይታ ተኣሚኖም፡ ብትብዓት ተዛረቡ። 4 ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ክልተ ተመቕሉ፡ ገሊኦም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኦም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ። 5 ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ መኳንንቶም ሓሳር ኬጽግብዎምን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡ 6 ንሳቶም ድማ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን፡ ኣብ ከባቢኤን ናብ ዘላ ሃገርን ሀደሙ፡ 7 ኣብኡውን ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። 8 ሓደ ሰብኣይ፡ ኣእጋሩ ዝሞተ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ዝማህመነ፡ ተዛዊሩ እኳ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ልስጥራ ተቐሚጡ ነበረ። 9 ንሱ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ ሰምዔ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ ኪሐዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረኣየ፡ 10 ድምጹ ዓው ኣቢሉ፡ ትኽ ኢልካ በእጋርካ ደው በል፡ በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ። 11 ሽዑ እቶም ህዝቢ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብዘረባ ሊቃኦንያ፡ ኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶም፡ በሉ። 12 ንበርናባስ፡ ድያ፡ በልዎ፡ ንጳውሎስ ድማ፡ መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ፡ ሄርሜስ። በልዎ። 13 ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኺስውኣሎም ደለየ። 14 ግናኸ ጳውሎስን በርናባስን፡ እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ፡ 15 እናበሉ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም ኣሎና። 16 ንሱ ብዝሐለፈ ወለዶ ንዂሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሐደጎም። 17 ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን። 18 እዚ ኢሎም ከኣ፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብሓይለ ገደል ከልከልዎም። 19 ኣይሁድ ከኣ ካብ ኣንጾክያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ነቶም ህዝቢ ሐባቢሎም ንጳውሎስ ድማ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጓተትዎ። 20 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸቢቦምዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ኸኣ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ። 21 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ወንጌል እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ። 22 ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ። 23 ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም።

 

መዝ 78፡10-11

10 ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉን፣ ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ፣ 11 ንግብርታቱን ነቲ ዘርአዮም ተአምራቱን ረስዕዎ።

 

ማቴ 10፡16-34

16 እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። 17- 18 ናብ ዋዕላ ኺወስድኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፍኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስተታን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቐቁ። 19 ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። 20 መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ። 21 ሓው ንሓው፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዮም። 22 ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። 23 ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ከተማታት እስራኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 24 ተመሃሪ ኻብ መምህሩ፡ ጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን። 25 ተመሃሪ ኸም መምህሩ፡ ጊልያውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀነ፡ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤልዜቡል ካብ በልዎ፡ ንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎ። 26 እምበኣርስኸ፡ ዘይቕላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። 27 ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። 28 ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይክአሎም ኣይትፍርህዎም። 29 ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። 30 ጸጉሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። 31 እምበኣርሲ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 32 ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። 33 ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ድማ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። 34 ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን።

Anker 24

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 24 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

ዕብ 12፡1-12       ፩ይጴጥ 3፡16-ፍም      ግብ 17፡27፦ፍም      መዝ 54፡3-5      ማቴ 21፡28-33

 

ዕብ 12፡1-12      

ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። 2 ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። 3 ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ። 4 ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን። 5-6 እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዚቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዚዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ አሎኹም። 7 ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧ 8 ብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። 9 ኣብ ርእሲ እዚውን ዚቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዚነብሩና እሞ ካብ እንሐፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ 10 እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዚቐጽዓና። 11 ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ። 12 ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን፡

 

፩ይጴጥ 3፡16-ፍም     

16-17 ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሔሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዚኸውን ሰናይ ኣኻይዳኹም ዚጸርፉ በቲ ዚሐምዩኹም ምእንቲ ኺሐፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም። 18 ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። 19 ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡ 20 ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። 21 እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። 22 ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።

 

ግብ 17፡27፦ፍም

26-28 ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። 29 እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። 30-31 ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ። 32 ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉ፡ ገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ። 33 ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ። 34 ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ ኣመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።

 

መዝ 54፡3-5

3 ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፣ ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን። 4 እንሆ፣ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣ ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ። 5 ንእከይ ናብ ጸላእተይ ኪመልሶ እዩ፣ ብሓቅኻ ኣጥፍኣዮም።

 

ማቴ 21፡28-33

28 ግናኸ እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ወደይ፡ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ፡ በሎ። 29 ንሱ፡ እምቢ፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጥዒሱ ወፈረ። 30 ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕራይ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። 31 ካብ ክልቲኦም ኣያናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ ተገውትን ኣመናዝርን ናብታ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዚኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 32 ዮሃንስ ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ተገውትን ኣመናዝርን ደኣ ኣመንዎ እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹም፡ ክትኣምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዐስኩምን። 33 ካልእ ምስላ ስምዑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረ። ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ድማ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዐየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ናብ ካእል ሃገር ገሸ።

Anker 25

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 25 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፩ይቆሮ 10፡12-22      ፩ይዮሓ 4፦4-18      ግብ ሓዋ 8፡1-13      መዝ 114 5፡6      ሉቃ 18-፡1-9

 

፩ይቆሮ 10፡12-22 

12 ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። 13 ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። 14 ፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ። 15 ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16 እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ 17 ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። 18 ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዚበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧ 19 እንታይከ እብል ኣሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧ 20 ኣይፋሉ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። 21 ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ። 22 ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ፧

፩ይዮሓ 4፦4-18     

4 ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም። 5 ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6 ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8 ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9 ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። 10 ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። 11 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። 12 ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። 13 ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 14 እቲ ኣቦ ንወዱ ምድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ፡ ንሕና ርኢና ንምስክርውን አሎና። 15 የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። 16 ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። 17 ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመት። 18 ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን።

 

ግብ ሓዋ 8፡1-13     

1 ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 8 132 ምስጓጒ ኰነ። ብዘይ ሃዋርያት ከኣ ኲሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ። 2 እግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት ድማ ንእስጢፋኖስ ቀበርዎ፡ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸዩሉ። 3 ሳውል ግና ነታ ማሕበር የጥፍኣ፡ ናብ ኣባይቲ እናኣተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ። 4 እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ። 5 ፊልጶስ ከኣ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ክርስቶስ ሰበኸሎም። 6-7 ካብቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ሰብ ድማ እቶም መናፍስቲ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደሩ ወጹ። ብዙሓት ድኑሳትን ሓንካሳትን ከኣ ሐወዩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ሐቢሮም ናብቲ ንሱ ዚዛረቦ ዘሎ ኣቕለቡ። 8 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ። 9 ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። 10 ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዚብሀል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ። 11 ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ። 12 ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ። 13 ስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበ። ትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ኪግበር ምስ ረኣየውን፡ ተገረመ።

 

መዝ 114 5፡6

5 ኣቲ ባሕሪ፣ እንታይ ኴንኪ ዝሀደምኪ፧ ኣታ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ ዮርዳኖስከ፣ ንድሕሪት እተመለስካ፧ 6 ኣቱም ኣኽራን፣ ከም ደዓውል፣ ኣቱም ኰረቢትሲ፣ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም፣ እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧

 

ሉቃ 18-፡1-9

1 ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡ 2 ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ። 3 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት። 4 እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፥ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ፡ 5 እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ። 6 ጐይታ በለ፥ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። 7 ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧ 8 ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎም፡ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧ 9 ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፥

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 25 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

፩ይቆሮ 10፡12-22      ፩ይዮሓ 4፦4-18      ግብ ሓዋ 8፡1-13      መዝ 114 5፡6      ሉቃ 18-፡1-9

 

፩ይቆሮ 10፡12-22 

12 ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። 13 ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። 14 ፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ። 15 ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16 እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ 17 ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። 18 ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዚበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧ 19 እንታይከ እብል ኣሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧ 20 ኣይፋሉ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። 21 ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ። 22 ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ፧

፩ይዮሓ 4፦4-18     

4 ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም። 5 ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ አለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6 ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ። 7 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8 ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9 ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። 10 ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። 11 ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። 12 ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። 13 ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 14 እቲ ኣቦ ንወዱ ምድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ፡ ንሕና ርኢና ንምስክርውን አሎና። 15 የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። 16 ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። 17 ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመት። 18 ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን።

 

ግብ ሓዋ 8፡1-13     

1 ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 8 132 ምስጓጒ ኰነ። ብዘይ ሃዋርያት ከኣ ኲሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ። 2 እግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት ድማ ንእስጢፋኖስ ቀበርዎ፡ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸዩሉ። 3 ሳውል ግና ነታ ማሕበር የጥፍኣ፡ ናብ ኣባይቲ እናኣተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ። 4 እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ። 5 ፊልጶስ ከኣ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ክርስቶስ ሰበኸሎም። 6-7 ካብቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ሰብ ድማ እቶም መናፍስቲ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደሩ ወጹ። ብዙሓት ድኑሳትን ሓንካሳትን ከኣ ሐወዩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ሐቢሮም ናብቲ ንሱ ዚዛረቦ ዘሎ ኣቕለቡ። 8 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ። 9 ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። 10 ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዚብሀል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ። 11 ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ። 12 ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ። 13 ስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበ። ትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ኪግበር ምስ ረኣየውን፡ ተገረመ።

 

መዝ 114 5፡6

5 ኣቲ ባሕሪ፣ እንታይ ኴንኪ ዝሀደምኪ፧ ኣታ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ ዮርዳኖስከ፣ ንድሕሪት እተመለስካ፧ 6 ኣቱም ኣኽራን፣ ከም ደዓውል፣ ኣቱም ኰረቢትሲ፣ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም፣ እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧

 

ሉቃ 18-፡1-9

1 ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡ 2 ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ። 3 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት። 4 እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፥ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ፡ 5 እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ። 6 ጐይታ በለ፥ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። 7 ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧ 8 ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎም፡ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧ 9 ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፥

Anker 26

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 26 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

ኤፌ 5፡1-15      ፩ይዮሓ 3፡7-13      ግብ ሓዋ 17፡16-30      መዝ 72 23-24      ማር 13፡9-14

 

ኤፌ 5፡1-15     

1 ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። 2 ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ። 3 ከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም። 4 ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። 5 ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም። 6 ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። 7 እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም። 8-10 ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። 11 ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ። 12 እቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዚግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ። 13 ግናኸ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ ዚግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሃድ እዩ። 14 ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካ እዩ፡ ይብል። 15-16 እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ

 

፩ይዮሓ 3፡7-13     

7 ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ። 8 መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ 9 ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። 10-12 ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። 13 ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገበረኩም፧

 

ግብ ሓዋ 17፡16-30     

16 ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ፡ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረኣየ፡ ብመንፈሱ ተቓጸለ። 17 ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ፈራህቲ ኣምላኽን፡ ኲሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይዛራረብ ነበረ። 18 ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል ኰን እዩ ዚደሊ ዘሎ፧ በሉ። ገሊኦም ድማ፡ ብናይ የሱስን ትንሳኤን ስለ ዝሰበኸሎም፡ ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ ደኣ ይመስል፡ በሉ። 19-20 ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና ኣሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ። 21 ኲሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚነብሩ ጓኖትን ብዘይ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእሲ ጊዜ ኣይነበሮምን። 22 ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዂሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም ኣሎኹ። 23 እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም ኣሎኹ። 24 እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። 25 ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። 26-28 ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። 29 እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። 30-31 ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለ

 

ማር 13፡9-14

9 ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህብኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 10 ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። 11 መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፡ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚውሃበኩም ደኣ ተዛረቡ። 12 ሓው ንሓው፡ ወላዲ ንውሉዱ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ። ውሉድውን ናብ ወለዶም ተንሲኦም ኪቐትልዎም እዮም። 13 ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። 14 እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።

Anker 27

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 27 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

መዝ 39 7-8     ማር 15፡1-42     1ይቆሮ 8፡4-10     ፩ይጴጥ 2፡21-ፍም      ግብ ሓዋ 5፡29-34     መዝ 55 2-5    ማቴ 10፡16-24 

 

መዝ 39 7-8   

7 ሕጂኸ እንታይ እጽበ ኣሎኹ፧ ጎይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ። 8 ካብ ኩሉ ኣበሳይ ኣናግፈኒ፣ መላገጽ ዓያሱ አይትግበረኒ።

 

ማር 15፡1-42    

1 ምስ ወግሔ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይትን ጸሓፍትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ምኽሪ መኸሩ፡ ንየሱስ ኣሲሮም ወሰድዎ፡ ኣሕሊፎም ከኣ ንጲላጦስ ሃብዎ። 2 ጲላጦስ ድማ። ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ፡ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 3 ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ ብዙሕ ከሰስዎ። 4 ጲላጦስ ከኣ ከም ብሓድሽ ፥ እንሆ፡ ክንደይ ይኸሱኻ ኣለዉ። እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፡ ኢሉ ሐተቶ። 5 የሱስ ግና፡ ጲላጦስ ክሳዕ ዚግረም፡ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን። 6 በብበዓል ድማ ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሓሎም ነበረ። 7 ምስቶም ጋሮ ዝገበሩ ኣብቲ ጋሮውን ነፍሲ ዝቐተለ፡ በርባን ዚብሃል ተኣሲሩ ነበረ። 8 እቶም ህዝቢ ድማ ደይቦም፡ ከምታ ልማዶም ኪገብረሎም፡ ኪልምንዎ ጀመሩ። 9-10 ጲላጦስ ከኣ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ ፥ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 11 እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንበርባን ኪፈትሓሎም ኪልምኑ ኣዕገርገርዎም። 12 ጲላጦስ ግና ከም ብሓድሽ ፥ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 13 ንሳቶም ግና ፥ ስቐሎ፡ ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ። 14 ጲላጦስ ከኣ ፥ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም ፥ ስቐሎ፡ በሉ። 15 ጲላጦስ ድማ፡ ፍቓድ እቶም ህዝቢ ኺገብር ስለ ዝፈተወ፡ ንበርባን ፈትሓሎም። ንየሱስ ከኣ ኪስቀል ገሪፉ ሃቦም። 16 እቶም ዓቀይቲ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ገዛ፡ ማለት ናብቲ ኣዳራሽ ፍርዲ፡ ኣእተውዎ። ንብዘሎ እቲ ጭፍራውን ኣኻኸብዎ። 17 ቀይሕ ክዳን ከደንዎ፡ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ እሞ፡ 18 ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ እናበሉ ኢድ ኪነስኡሉ ጀመሩ። 19 ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፡ ጡፍ ከኣ በሉሉ፡ ተንበርኪኾምውን ሰገድሉ። 20 ምስ ኣላገጹሉ ድማ፡ እቲ ቐይሕ ክዳን ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ። ኪሰቕልዎውን ኣውጽእዎ። 21 ንሓደ ሓላፍ መገዲ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ፡ ኣቦ እስክንድሮስን ሩፎስን፡ ካብ ወፍሪ ኺኣቱ ኸሎ፡ መስቀሉ ኺጸውር ብግዲ ወሰድዎ። 22 ናብ ቦታ ጐልጎታ፡ ትርጓሚኣ ፥ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ወሰድዎ። 23 ምስ ከርበ እተሐወሰ ወይኒ ድማ ሃብዎ፡ ንሱ ግና ኣይተቐበለን። 24 ምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዚበጽሖም ከኣ ዕጭ ኣውደቑ። 25 እታ ዝሰቐልዎ ጊዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረት። 26 ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተጽሒፉ ነበረ። 27 ምስኡ ኸኣ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ፡ ሰቐሉ። 28 እቲ ፥ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ። 29-30 እቶም ዚሐልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ ፥ ኣየ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 31 ከምኡ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጽሓፍቲ ንሓድሕዶም ፥ ንኻልኦት ኣድሐነ፡ ንርእሱ ኼድሕን ግና ኣይክእልን። 32 ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጽሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጽሉ ነበሩ። 33 ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘላ እታ ሃገር ጸልመተት። 34 ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቕታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ። 35 ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ኸኣ ሓያሎ ፥ እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ አሎ፡ በሉ። 36 ሓደ ጐይዩ ፥ ሕደጉ፡ ኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርኤ፡ ኢሉ መጺጽ ብስፍነግ መሊኡ ኣብ ዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። 37 ሽዑ የሱስ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። 38 መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 39 እቲ ኣብ መንጽር ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ነፍሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝወጸት፡ ምስ ረኣየ ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ በለ። 40 ኣንስቲ ድማ ብርሑቕ ኰይነን የማዕድዋ ነበራ። ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሳን ሰሎሜውን ነበራ። 41 ንሳተን፡ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ዝሰዓባኦን ዘገልግላኦን ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲውን ምስኡ ናብ የሩሳሌም ዝደየባ እየን። 42 ምስ መሰየ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት፡ ስለ ዝነበረት

 

1ይቆሮ 8፡4-10

4 ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦን፡ ንፈልጥ ኢና። 5 ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እንተለዉስ፡ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡ 6 ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና። 7 እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ። 8 ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና። 9 ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀፊ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ። 10 ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረኣየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውኤ ንምብላዕዶ ሕልናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧

 

፩ይጴጥ 2፡21-ፍም     

21 ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። 22 ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ 23 ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፈራርሄ። 24 ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም። 25 ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም።

 

ግብ ሓዋ 5፡29-34    

29 ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ። 30 ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ። 31 ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። 32 ንሕና ድማ ነዚ ነገርዚ ምስክር ኢና፡ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዝሀቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር ኣዩ፡ ኢሎም መለሱሎም። 33 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሐረቑ ኪቐትልዎም ድማ ተማኸሩ። 34 ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዂሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ንሃዋርያት ሓንሳእ ኬግልስዎም ኣዘዘ፡

 

መዝ 55 2-5

2-3 ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፋዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ ኣለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፣ ብቚዝማይ ህድአት ስኢነ፣ እህህ እብል ኣሎኹ። 4 ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት፣ ስምባድ ሞትውን ወደቐኒ። 5 ፍርሃትን ምንቅጥቃጥን መጸኒ፣ ረዓድውን ኣጐልበበኒ።

 

ማቴ 10፡16-24 

16 ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። 17 ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ። 18 እዚ ኺብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ መራሕ ቤት ጸሎት መጾ፡ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞተት፡ ግናኸ ንዓ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ክትሐዊ፡ እናበለ ሰገደሉ። 19 የሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐቦ። 20-21 እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት። 22 የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት። 23 የሱስ ናብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ምስ መጸ፡ ነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዚብሉ ሰብን ረአየ፡ 24 እዛ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ ኣግልሱ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሐቕዎ።

Anker 28

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 28 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

ሮሜ 4፡1-14    ያዕ 2፡19-ፍም     ግብ ሓዋ 7፡1-9     መዝ 140      ሉቃ 12፡8-17

 

ሮሜ 4፡1-14   

1 እምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብስጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና፡ 2 ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዚምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን። 3 እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ እዚ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። 4 ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ። 5 ነቲ በቲ ንሓጥእ ዜጽድቕ ዚአምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቚጸረሉ እያ። 6 ዳዊት ከኣ ነቲ፡ ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዚቘጽረሉ ሰብ ብጹእ እዩ ከም ዚበሎ፡ 7 እቶም ዓመጻኦም እተሓድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም። 8 ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቁጸረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። 9 እምበኣርከ፡ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ፡ ንብል ኣሎና እሞ፡ እዛ ብጽእና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይስ ንዘይተገዝሩውን፡ 10 ከመይ ኢላኸ እያ እተቘጽረትሉ፧ ብግዝረት ከሎ ድያ ወይስ ብዘይግዝረት፧ ብዘይግዝረት ከሎ እያ እምበር፡ ብግዝረት ከሎስ ኣይኰነትን። 11 ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ኪቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዚኣምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንማሕተም እታ ብዘይግዝረት ከሎ ዝረኸባ ጽድቂ እምነት ናይ ግዝረት መፈለጥታ ተቐበለ። 12 ኣቦ ግዙራትውን ኪኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣስኣሰራ ንዚኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን። 13 እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ምእንቲ ኪኸውን፡ እተዋሃበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን እሞ፡ 14 እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ እንተ ዚወርሱስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ እታ ተስፋውን ምተጠልመት ነይራ።

 

ያዕ 2፡19-ፍም

19 ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። 20 ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ 21 ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧ 22 እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። 23 እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ። 24 ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም። 25 ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ 26 እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

 

ግብ ሓዋ 7፡1-9

1 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ እዚ ነገር ከምኡ ድዩ፧ በሎ። 2 ንሱ ግና በለ፡ ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትና፡ ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ፡ ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፡ 3 ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፡ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ፡ በሎ። 4 ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዐዞ። 5 ኣብኡ ድማ መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሀቦን፡ ውሉድ ዜብሉ ኽነሱስ፡ እቲ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮ፡ ኣተስፈዎ። 6 ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ዘርእኻ ኣብ ካልእ ምድሪ ስደተኛ ኪኸውን እዩ፡ ኪገዝእዎ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመትውን ኬጽብቡሉ እዮም፡ 7 ነቶም ዚገዝእዎም ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶም እየ፡ በለ ኣምላኽ፡ እንድሕርዚ ኻብኡ ኺወጹ እሞ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኼገልግሉኒ እዮም። 8 ኪዳን ግዝረት ከኣ ሀቦ። ከምኡ ድማ ንይስሃቅ ወለዶ እሞ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለዶ፡ ያእቆብ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ርእሲ ኣቦታት ወለዶም። 9 እቶም ርእሲ ኣቦታት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፡ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ።

 

መዝ 140     

1-2 ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብቲ እኩይ ሰብ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ ኣናግፈኒ፣ ካብቶም ብልቦም እከይ ዚህቅኑ፣ ኵሉ መዓልቲውን ውግእ ዜልዕሉ ሐልወኒ። 3 መልሓሶም ከም ኣትማን የብልሑ፣ አብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ። 4 ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ኣእዳው ረሲእ ባልሃኒ፣ ካብ ዓመጸኛ ሰብ፣ ካብቶም ንስጒምተይ ኪሕንኵሉ ዚህቅኑ ሐልወኒ። 5 ዕቡያት መፈንጠራን ገመድን ሐብኡለይ፣ ኣብ ጥቓ መገዲ መርበብ ዘርግሑ፣ መድፈና ኣጻወዱለይ። 6 ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፣ በልክዎ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ። 7 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታይ፣ ሓይሊ ምድሓነይ፣ ብመዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ትጋርዳ። 8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ከይዕበዩስ፣ ንረሲእ ትምኒቱ ኣይትፈጽመሉ፣ ሃቐናኡ ኣይተስልጠሉ። 9 እቶም ዚኸቡንስ እከይ ከናፍሮም ኣብ ርእሶም ይምጻእ። 10 ጒሁር ፈሓም ይውደቆም፣ ናብ ሓዊ፣ ናብቲ ዘይወጹሉ ዓሚቚ ጒድጓድ ይደርበዮ። 11 ወስላታ መልሓስ ዘለዎ ኣብ ሃገር ኣይኪቐውምን፣ ንገፋዒ፣ ክሳዕ ዚወድቕ፣ እከይ ኪሀድኖ እዩ። 12 እግዚኣብሄርሲ ፍትሒ ንጭኑቓት፣ ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ከም ዚገብረሎም፣ እፈልጥ እየ። 13 ብርግጽ፣ ጻድቃን ንስምካ ኼማስዉ፣ ቅኑዓት ኣብ ቅድሜኻ ኺነብሩ እዮም።

 

ሉቃ 12፡8-17

8 ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዅሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ። 9 እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚክሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሐድ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። 10 ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዅሉ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ። 11-12 ናብ ኣባይቲ ጸሎት ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። 13 ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፥ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይ፡ በሎ። 14 ንሱ ኸኣ፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይመኒ፧ በሎ። 15 ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም። 16 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። 17 ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ እገብር እየ ኢሉ ሐሰበ።

Anker 29

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 29 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

 

መዝ 109        ሉቃ 2፡1-8    ቁላ 4፡10-14     ፩ይዮሓ 4:9-18     ግብ ሓዋ 13፡4-16   መዝ 18      ሉቃ 10፡1-12

 

መዝ 109

1-3 ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፣ እፍ ረሲእን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፣ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፣ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፣ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ ኣለዉ እሞ፣ ስቕ ኣይትበል። 4 አብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፣ ኣነ ግና እጽሊ ኣሎኹ። 5 አብ ክንዲ ሰናይ እከይ፣ አብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒ። 6 ረሲእ አብ ልዕሊኡ ኣቝመሉ፣ ተጻራሪ አብ የማኑ ይቑም። 7 ምስ ተፈርደ፣ ተረቲዑ ይውጻእ፣ ጸሎቱውን ንሓጢኣት ይኹኖ። 8 መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፣ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ። 9 ውሉዱ ዘኽታማት ይኹኑ፣ ሰበይቱውን መበለት ትኹን። 10 ውሉዱ እናዞሩ ይለምኑ፣ ካብተን ዝዐነዋ ኣባይቶም ርሒቖም፣ እንጌራ ይድለዩ። 11 ንዘለዎ ዅሉ እቲ መሓረጺ ይሐዞ፣ ጓኖት ከኣ ንጻማኡ ይዝመትዎ። 12 ዚልውሃሉ ሓደ እኳ ኣይረኸብ፣ ንዘኽታማቱ ዚርሕርሓሎም ከኣ ሓደ እኳ ኣይሀሉ። 13 ሐድጉ ይጽነቱ፣ ስሞም አብ ካልኣይ ወለዶ ይደምሰስ። 14 በደል ኣቦታቱ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዘከር፣ ሓጢኣት ኣዲኡ ኸኣ ኣይደምሰስ። 15 ኵሉ ጊዜ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይኹኑ፣ መዘከርታኦም ካብ ምድሪ የጥፍኣዮ። 16 ንመስኪንን ንድኻን ነቲ ልቡ እተሰብረን ምእንቲ ኪቐትሎም ሰጐጎም እምበር፣ ምሕረት ኪገብር ስለ ዘይሐሰበ፣ 17 ንመርገም ፈተዋ፣ ንሳ ኸኣ መጸቶ፣ ንበረኸት ኣይበሀጋን፣ ንሳውን ረሐቐቶ። 18 ንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድና፣ ንሳ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጡ፣ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕጽምቱ ሰረጸት። 19 ከምቲ ዚጓናጸፈሉ ልብስን፣ ከምቲ ዅሉ ጊዜ ዚዕጠቖ ቕናትን ይኹኖ። 20 እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ናይ ተጻረርተይን ናይቶም አብ ነፍሰይ ክፉእ ዚዛረቡን ፍዳ ይኹን። 21 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣኒ፣ ጸጋኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣናግፈኒ። 22 ኣነ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ ልበይ አብ ውሽጠይ ቈሲሉ አሎ። 23 ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፣ ከም ኣንበጣውን እስጐጕ ኣሎኹ። 24 ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፣ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዐበረ። 25 መላገጺኦም ከኣ ዀንኩ፣ እንተ ረአዩኒ ርእሶም ይንቕንቑ። 26-27 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ርድኣኒ፣ እዚ ኢድካ ምዃኑ፣ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጠን ጸጋኻ አናግፈኒ። 28 ንሳቶም ይረግሙ፣ ንስኻ ግና መርቕ፣ እንተ ተንስኡ፣ ኪሐፍሩ እዮም። ባርያኻ ግና ኪሕጐስ እዩ። 29 ተጻረርተይ ውርደት ይከደኑ፣ ንነውሮም ከኣ ከም ነጸላ ይወንዘፍዎ። 30-31 ካብቶም ንነፍሱ ዚዀንንዋ ኼድሕኖስ፣ አብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ ኣሎ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፣ አብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።

 

ሉቃ 2፡1-8   

1 ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዅሉ ዓለም ኪጸሐፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። 2 እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ። 3 ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ኪጸሐፍ፡ ኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ። 4-5 ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤትልሄም እትብሃል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኪጸሐፍ ደየበ። 6 ኰነ ድማ፡ ኣብኡኸለዉ፡ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ። 7 በዅሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። 8 ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ።

 

ቆሎ 4፡10-14   

10 እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም አሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ፡ ወዲ ሓዉ ኣቦኡ ንበርናባስ፡ ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ፡ ተቐበልዎ። 11 ዮስጦስ ዚብሃል የሱስውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት፡ እዚኣቶም ጥራይ እዮም። 12 እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ። 13 ንሱ ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ኣብ ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዘለዎ፡ እምስክረሉ አሎኹ። 14 ሉቃስ፡ እቲ ፍቁር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም አለዉ።

፩ይዮሓ 4:9-18    

9 ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። 10 ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 11 ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን። 12 ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። 13 ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ። 14 ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 15 ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። 16 ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር፡ ኣይሕፈር። 17 እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ፡ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ 18 እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ፧

 

ግብ ሓዋ 13፡4-16  

4 ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። 5 ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ። ንዮሃንስ ከኣ ኬገልግሎም ወሲዶምዎ ነበሩ። 6 ነታ ደሴት ብዘላ ኽሳዕ ጳፎስ ምስ ዞርዋ ኸኣ፡ ሓደ ጠንቋሊ፡ ነብዪ ሓሶት፡ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ። 7 ንሱ ምስቲ ምስለኔ፡ ስርግዮስ ጳውሎስ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ፡ ይነብር ነበረ። ንሱውን ቃል ኣምላኽ ኪሰምዕ ደልዩ፡ ንሳውልን ንበርናባስን ናብኡ ጸውዖም። 8 ግናኸ ኤልማስ ጠንቋሊ፡ስሙ ኸምኡ ይትርጐም እዩ እሞ፡ነቲ ምስለኔ ኻብ ምእማን ኪመልሶ ደልዩ ተቓወሞም። 9 እቲ ጳውሎስ እተሰምየ ሳውል ግና፡ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ጠመቶ እሞ፡ 10 ኣታ፡ ኲሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ጻላእ ኲሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዐርፍን ኢኻ፧ 11 ሕጂ ኸኣ እንሃ፡ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፡ ክትዐውር፡ ክሳዕ ጊዜኡውን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፡ ኣብዝን ኣብትን እናተመላለሰ ኸኣ፡ ብኢዱ ሒዙ ዚመርሖ ደለየ። 12 ሽዑ እቲ ምስለኔ ነቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብምህሮ ጐይታ ተገሪሙ ኣመነ። 13 ድሕርዚ ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፎስ ብመርከብ ከዱ፡ ናብ ጴርጌ ናይ ጶምፍልያ ኸኣ መጹ። ዮሃንስ ከኣ ካባታቶም ተፈልዩ ናብ ዮሩሳሌም ተመልሰ። 14 ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌ ሐሊፎም ናብ ኣንጾክያ ናይ ጳሲድያ መጹ። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣትዮም ተቐመጡ። 15 ንሕግን ነብያትን ምስ ኣንበቡ፡ እቶም መራሕቲ ቤት ጸሎት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ገለ ንህዝቢ ዚንገር ቃል ምዕዶ እንተሎኩም፡ ንገሩ፡ ኢሎም ለኣኹሎም። 16 ሽዑ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ በለ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ፡

መዝ 18

1 ዎ እግዚኣብሄር ሓይለይ፣ አፍቅረካ እየ። 2 እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣ መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣ ቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ። 3 ናብቲ ሞሳ ዚግብኦ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ እሞ፣ ካብ ጸላእተይ ደሐንኩ። 4 መአሰር ሞት ከቢቡኒ፣ ወሓይዝ ብልያል ከኣ ሸቢሩኒ፣ 5 መአሰር ሲኦል ከቢቡኒ፣ መፈንጠራታት ሞት በጺሑኒ ነይሩ። 6 ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ፣ ናብ ኣምላኸይ ኣእዌኹ፣ ንድምጸይ ካብ መቕደሱ ሰምዖ፣ ኣውያተይውን ናብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ። 7 ሽዑ ምድሪ ተናወጸት ራዕራዕ ድማ በለት፣ መሰረታት ኣኽራን ከኣ ኣንደቕደቑ፣ ንሱ ነዲሩ እዩ እሞ፣ ኣንቀጥቀጡ። 8 ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ፈለል በለ፣ ካብ ኣፉ ኸኣ ሞዅ ዜብል ሓዊ ወጸ፣ ጓህሪ ኻብኡ መጸ። 9 ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ብርቱዕ ጣቓ ነበረ እሞ፣ ንሰማያት ለጠቕ ኣቢሉ ወረደ። 10 ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፣ ቀልጢፉ ብኣኽናፍ ንፋስ ሸበበ። 11 ንሱ ጸልማት ንመሰወሪኡ፣ ጸልማት ማያትን ብርቱዕ ደበናታትን ከኣ ንድንኳኑ ኣብ ዙርያኡ ገበሮ። 12 ብነጸብራቕ ገጹ ደበናታቱን በረድን ጓህሪ ሓውን ሐለፈ። 13 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጐደ። እቲ ልዑል ብበረድን ብጓህሪ ሓውን ድምጹ ኣስምዔ። 14 ፍላጻታቱ ወርዊሩ ፋሕ ኣበሎም፣ መባርቅ ኣብዚሑ ኣህደሞም። 15 ብተግሳጽካ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ መዓሙቚ ማያት ተራእዩ እሞ፣ መሰረታት ዓለም ተቐልዔ። 16 ካብ ላዕሊ ልኢኹ ሐዘኒ፣ ስሒቡ ኻብ ብርቱዕ ማያት ኣውጽኣኒ። 17 እቲ ብርቱዕ ጸላእየይን እቶም ዚጸልኡንን፣ ሐይሎሙኒ ነበሩ እሞ፣ ካብኦም ኣናገፈኒ። 18 ብመዓልቲ መከራይ ሐደጋ ወደቑኒ፣ እግዚኣብሄር ግና ደጋፍየይ ኰነ። 19 ንሱ ናብ ገፊሕ ቦታ ኣውጽአኒ፣ ብሂጉኒ እዩ እሞ፣ ኣናገፈኒ። 20-22 ንመገድታት እግዚኣብሄር ሐሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሐቕኩን፣ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፣ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈሌኽዎን እሞ፣ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ። 23 ምስኡ ኸኣ ፍጹም ነይረ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ተሐልየ። 24 ስለዚ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ፣ ብመጠን እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝዀነ ንጽህና ኣእዳወይ ፈደየኒ። 25-27 ንስኻ ነቲ ዚስቀ ሰብ ተድሕኖ፣ ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፣ ምስቲ ሄርሲ ሄር፣ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፣ ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ። 28 ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ እሞ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ እዩ። 29 ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶ እየ እሞ፣ ብኣምላኸይውን ንቐጽሪ እዘሎ። 30 መገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፣ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ፣ ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ። 31 ብዘይ እግዚኣብሄር እሞ መን እዩ ኣምላኽ፧ ብዘይ ኣምላኽናኸ መን እዩ ኸውሒ፧ 32 እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፣ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ፣ 33 ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ዚገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይ ዜቚመኒ፣ 34 ንሱ ነእዳወይ ውግእ፣ ንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን እዩ። 35 ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ፣ ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ። 36 ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፣ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ። 37 ንጸላእተይ ሰጒጐዮምን ኣርኪበዮምን፣ ከየጥፋእክዎም ከኣ ኣይተመለስኩን። 38 ወቒዔዮምሲ ኺትንስኡ ኣይተኻእሎምን፣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ወዲቖም። 39 ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፣ ንተቓወምተይ ኣብ ትሕተይ ኣድኒንካዮም። 40 ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒ፣ ንዚጸልኡኒውን ኣጥፊኤዮም። 41 ኣእውዮምሲ ዜድሕኖም ኣይነበረን፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣእውዮም፣ ኣይመለሰሎምን። 42 ከምቲ ንንፋስ ዚውፈ ሓመድ ደቚሰዮም፣ ከምቲ ጭቃ መገዲ ዀስቲረዮም። 43 ካብ ክርክር ህዝቢ ኣናጊፍካኒ፣ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካኒ፣ ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዚኡኒ፣ 44 ብምስማዕ እዝኒ ጥራይ ተአዚዞምኒ፣ ደቂ መጻእተኛታት ወስሊቶምለይ። 45 ደቂ መጻእተኛታት ጸምልዮም፣ እናንቀጥቀጡ ኻብ ከውሎም ወጺኦም። 46 እግዚኣብሄር ህያው እዩ፣ ከውሔይ ብሩኽ ይኹን፣ ኣምላኽ ምድሓነይ ልዕል ይበል። 47 እቲ ሕነ ዚፈድየለይ፣ ነህዛብውን ዜግዝአለይ፣ 48 ካብ ጸላእተይ ዜውዕለንስ ኣምላኽ እዩ። እወ፣ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ እትበልሃኒ ንስኻ ኢኻ። 49 ስለዚ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ንስምካውን ክዝምረሉ እየ። 50 ዓብዪ ድሕንነት ንንጉስ ይገብረሉ፣ ንቕቡኡ፣ ንዳዊት፣ ንዘርኡ ኸኣ ንዘለኣለም ምሕረት ይገብረሎም።

 

ሉቃ 10፡1-12

1 ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ፡ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም። 2 በሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ። 3 መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። 4 ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ። 5 ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉ። 6 ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ። 7 ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ። 8 ኣብ ዝኣቶኩምዋ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፡ ዝቐረቡልኹም ብልዑ። 9 ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም። 10 ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባይ ወጺእኩም፥ 11 እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም አሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ በሉ። 12 በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም አሎኹ።

Anker 30

                           1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 30 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

መዝ 115                               1 ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 29 ምያዝያ

               ✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝

  ሉቃ 10፡1-12        ፪ይ ጢሞ 4፡1-20    ፩ይጴጥ 5፡12-ፍም       ግብ ሓዋ 15፡36-ፍም   መዝ 83፡6-7    ዮሓ 10፡1-19

ሉቃ 10፡1-12       

1 ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ፡ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም። 2 በሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ። 3 መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። 4 ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ። 5 ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉ። 6 ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ። 7 ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ። 8 ኣብ ዝኣቶኩምዋ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፡ ዝቐረቡልኹም ብልዑ። 9 ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም። 10 ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባይ ወጺእኩም፥ 11 እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም አሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ በሉ። 12 በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም አሎኹ።

፪ይ ጢሞ 4፡1-20   

1-4 ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ። 5 ንስኻ ግና ብኵሉ ተጠንቀቕ፡ መክራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። 6 ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ 7 ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። 8 ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን። 9 ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን። 10 ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማይታ ኸዱ። 11 ሉቃስ ጥራይ ምሳይ አሎ፡ ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ። 12 ንጥኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ አሎኹ። 13 ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሐደግክዎ ባርኖስን እቲ መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ። 14 እስክንድሮስ፡ እቲ ኣንጠረኛ፡ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። 15 ንሱ፡ ነቲ ቓልና ብዙሕ ይጻረሮ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ካብኡ ተሐሎ። 16 ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡ ኣይሐዘሎም፡ ኵላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። 17 እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ፡ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቘመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ። 18 እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 19 ንጵርስኪላን ንኣኪላስን ንቤት ኦኔሲፎሮስን ሰላም በለለይ። 20 ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ፡ ንጥሮፊሞስ ግና ሐሚሙ ኣብ መሊጦስ ሐዲገዮ አሎኹ።

 

፩ይጴጥ 5፡12-ፍም      

12 ብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓዉና ገይረ፡ እናመኸርኩኹም፡ እዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩ፡ ቅሩብ ጽሒፈልኩም አሎኹ። 13 እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ። 14 ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሀልኹም። ኣሜን።

 

 

ግብ ሓዋ 15፡36-ፍም   

36 ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ጳውሎስ ንበርናባስ፡ ንዓ፡ ንመለስ እሞ ኣብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ዘበላ ኸተማታት ነቶም ኣሕዋት ንብጽሓዮም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮም፡ በሎ። 37 ሽዑ በርናባስ ነቲ ዮሃንስ ዚብሀል ማርቆስ ከኣ ምሳታቶም ኪማልእዎ ደለየ። 38 ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ፡ ምሳታቶ ከኣ ናብ ዕዮ ዘይመጸ ኺማልእዎ ኣይፈተወን። 39 ብዛዕባዚ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፋላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። 40 ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሐረየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕጸንዎ ድማ፡ ነቐሉ። 41 ነተን ማሕበር እናጽንዔውን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞረ።

 

ዮሓ 10፡1-19

1 እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 2 እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። 3 ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን። 4 ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። 5 ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን። 6 የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። 7 ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 8 እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። 9 እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኣዩ። 10 ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ። 11 እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። 12 እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። 13 ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። 14 ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። 15 ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ። 16 ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ። 17 ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። 18 ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ። 19 ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ።

bottom of page