top of page

✝ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ  ኣሜን✝
✝እንታይ ኮይና ንዝክትም✝


እቲ ካ ቀደም ኣብ ጥራሕ እግርና
እሾክ ዝተከበ እንከሎ ምድሪ ቤትና

ምልኣት ነይርዎ ጽሩይ ልብና

ንረጋግጾ ንሓልፎ ንክፍኣት ጸላኢና

 

 

እናጸለወና ሃፈጽታ ናይ ምድሪ

ብጸሎት ክንጽመድ ከይፈራሕና በትሪ

ካብዚ ኣውጽኣና ምህለላ ክነዕርግ

ንኩሉ ሰጊርና'ስ ሕጂ ነግ ፈረግ

 

 

ሎሚ እውን ከም ቀደም ኣብ እምነትና ንትባዕ

ብጥበራ ቃላት ኣይንበል ዘርባዕባዕ

ቃላቱ ንመገብ ብትምህርቱ ንጽናዕ

ብዙሕ እዩ ውዕለቱ ብሚዛን ዘይልካዕ

 

 

እንተ ተፈላለየ ትምኒትን ክውንን

እንተ ገጠመና ኣብ ትሕቲ ሰብ ምድናን

ተስፋ ኣይንቆርጽን ኢድና ኣይንህብን

ምሳና'ዩ ዘሎ  ኣቦ ሰላምን ፍቅርን

 

 

ንሱ'ዶ ኣይኮነን እቲ ናይ እስራኤል ኣምላክ

በቶም ኣቦታትና ዝእመን ዝምለክ

ዘይውዳእ ምሕረቱ ፍጹም ዘይሃልክ

ኣብ ቤቱ ንሰግድ ንስሙ ነምልክ

 

 

ንኣርብዓ ዓመት መና ዝመገበ

ምስ ክፉእ ተግባሮም ፍጹም ዘይረብረበ

ንድሕነት ህይወትና ህይወቱ ዝሃበ

ብስቅያት ናቱ ናጽነት ተረክበ

 

 

ንሰብ ዘይብሉ ኣምላክ ኣለዉ ድዮም ዝበሉ

እቶም ሰብ ጽኑዕ እምነት እቶም ዘይታለሉ

ንውዕለት ኣምላክ ብቃሎም ዝምስሉ

ንሱ'ዩ እቲ ሓቂ ነስተውዕሎ በሉ

 

ሰብ እወ እዚ ሰብ መዋቲ ሓማሚ

ኣብ ግዜ ሽግርካ ብቅልጡፍ ጠላሚ

ናይ ሎሚ ዝጥምት ዘይዝክር ናይ ዓሚ

ምስ ክርስቶስ ይኩን እቲ ናትና ትልሚ

 

 

ኣይሓድገናን እዩ ክንተርፍ  ዘክቲምና

ንሕና ክነዕርፍ ንሱ ይደክመልና

ብደሙ ደምሲሱ ንሓጢኣትና

ካባ ዓወት ሰላም ብርሃን ኣልቢስና
 

 

ነስተውዕሎ ኣሕዋት እዚ ናትና ውህብቶ

ይኩሕኩሓና'ሎ ማዕጾና ንክፈቶ

ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ቤትና ይእቶ

ኣብቲ መወዳእታ ከይከብደና ሕቶ


 

ኣቦ ከይንስእን በጃ ሓሊፍልና

ኣደ ከይንስእን ንድንግል ሂብና

ገዛ ከይንስእን ባዕሉ ሰሪትና

ስሙ ከነመስግን  መን  ይክልክለና

 

 

ሰንከልከል እንተበልና ብቃሉ ንድልድል

እንተ ጠመና ውን ኣብ ቤቱ ንዕንገል

ውዕለቱ ክነግር ከምኡ ውን ናይ ድንግል

ክነመስግኖ’ና እናበልና ዕልል (2)

 

 

✝ስብሃት ለእግዚኣብሄርለም

 

ውለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ  ክቡር

ኣሜን

ክፍሊ ስነ ጥበብ
ቤ/ት/ሰ/ደ/ሰላም/መድሃኔዓለም ቤ/ክ
Amsterdam

bottom of page