top of page

ኦ ጎይታ ንኣኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሐፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሐፍሩ እዮም።
 ዎ እግዚኣብሄር፣ ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ።ኢልና ንጸሊ ኣምላክ ምሕረቱ ክሰደልና በደል ሓውና ከኣ ኣይንጸብጽብ ድኽመት ሓውና ኣብ ንዝክረሉ ኣምላኽ ከኣ ድኻምና ይዝክር፣ስለዚ ክርስትያን ማለት ሓጥያት ሓዉ ዝሽፍን ሙኻኑ ፈሊጥና ብጾሎት ስለ ሓጥያት ብጻይና ገዲፍና ስለ ሓጥያትና ብብኽያትን ብቑዘማን ናብ እግዚኣብሄር ንለምን።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ። ብሓደ ኣምላኽ ብኣብ ብወልድ ብመንፈስቅዱስ ስም፡ ብቅድስት ስላሴ እናኣመንኩን እናተማህጸንኩን ኣብ ቅድሚ እዛ ኣደይ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሰይጣን እኽሕደካ ኣሎኹ። ንሳውን ናይ ዘለዓለም ጸግዐይ ምስክረይ ዝኾነት ማርያም እያ።

ኦ ጎይታ ነመስግነካን ነኽብረካን ኣሎና፡ ኦ ጎይታ ኣሚና ንግዝኣካ ኣሎና፡ ንቕዱስ ስምካውን ንግዛእ ኣሎና፡ ናይ ኵሉ ብርኪ ዝሰግደልካ፡ ናይ ኩሉ ልሳን ዚግዝኣልካ ጎይታ ንሰግደልካ ኣሎና፡ ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፡ ናይ ጎይቶት ጎይታ፡ናይ ነገስታት ንጉስ ንስኻ ኢኻ፡ ክቡር ምስጉን ወድኻ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ከም ዝመሃረና ከምዚ ኢልና ንጽውዓካ ኣሎና።

ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፡ መንግስትኻ ትምጻእ፡ ፈቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፡ ናይ ዕለት መግብና ሎሚ ሃበና፡ ንሕና ንዝበደሉና ከምእንሓድሎም በደልናን ጌጋናን ሕደገልና፡ ኦ ጎይታ፡ ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና፡ ከመይ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘልዓለመዓለም ናትካ እዩ’ሞ ኣሜን።

ኦ እግዝእትየ ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ ሰላም እብለኪ፡ ብሕሊናኺ ድንግል ኢኺ፡ ብስጋኺ’ውን ድንግል ኢኺ። ኣደ እግዚኣብሄር ጸባኦት (ጎይታ ሰራዊት) ሰላም እብለኪ ኣለኹ። ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፤ፍረ ከርስኺ’ውን ቡሩኽ እዩ። ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ። ኦ ፍስሕቲ ደስ ይበልኪ፤ ሓጥያትና ይቕረ ንኽብለልና ናብ ፍቑር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምህረት ለምንልና።

መጽሓፈ ግጻዌ✝ 19 የካቲት ወንጌል ማቴ  6፥16-24 መልእክት1ይ ተሰ 4፥1-12 1ይ ጴጥ 1፥13-ፍጻመ  ግሓ  10፥17-29 መዝሙር  96

ኣብ ጸሎትኩም ዘክሩኒ።

ማቴ  6፥16-24

ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 6 8 እብለኩም አሎኹ። 17-18 ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። 19-21 መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። 22 ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። 23 ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።24 ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሐደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሐደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሐደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሐደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።

1ይ ተሰ 4፥1-12
 ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝሃብናኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጕሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩምን ንምዕደኩምን አሎና። 3 ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ 4-5 ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። 6-7 ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኹምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። 8 ስለዚ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ። 9 ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ። 10 እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅላቶም ኣሕዋት ትገብርዎ ኣሎኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣዚኹም እናወስኽኩም ክትከዱ፡ ንምዕደኩም አሎና። 11-12 ከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ኸይደሌኩም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሃድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን፡ በእዳውኩምውን ክትዓዩንሲ ክብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም አሎና።

1ይ ጴጥ 1፥13-ፍጻመ

ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። 14 ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ 15-16 ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። 17 ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። 18-19 ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 20 ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። 21 ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም አሎኹም። 22-23 ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ 24 ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምበባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ፡ 25 ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።

ግሓ  10፥17-29

17 ጴጥሮስ እቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢሉ ብልቡ ኺግረም ከሎ፡ እንሆ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት፡ ቤት ስምኦን እናሐተቱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ፡ 18 ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ እንተሎ፡ ሐተቱ። 19-20 ጴጥሮስ በቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡ እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፡ ስለዚ፡ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሲእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ፡ በሎ። 21 ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፡ እንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘሎኹም ኣነ እየ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ኣብዚ ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ በሎም። 22 ንሳቶም ከኣ፡ ንቆርኔሌዎስ፡ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ብዂሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ኪሰምዕ፡ ብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ ኣሎ፡ በሉ። 23 ሽዑ ኣእትዩ ኣሕደሮም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፡ ካብ ዮጴ ኸኣ ሓያሎ ኣሕዋት ሰዐብዎ። 24 ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዚቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። 25 ኰነ ድማ፡ ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ። 26 ጴጥሮስ ግና፡ ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ፡ ተንስእ፡ ኢሉ ኣተንስኦ። 27 ምስኡ እናተዛራረበ ኣተወ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ረኸበ እሞ፡ 28 ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኺኣቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ። 29 ምእንትዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ፡ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም።

መዝሙር  96

1 ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ። 2 ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፣ ንስሙ ባርኹ፣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ አበስሩ። 3 ክብሩ አብ ማእከል አህዛብ፣ ተአምራቱ አብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት አዘንትዉ። 4 እግዚኣብሄር ዓብዪ፣ ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፣ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ። 5 ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ። 6 ግርማን ክብረትን አብ ቅድሚኡ፣ ሓይልን ጽባቐን አብ መቕደሱ እዩ። 7 አቱም ዓሌታት አህዛብ፣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። 8 ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡ፣ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ አጸዱ እተዉ። 9 ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ አብ ቅድሚኡ አንቀጥቅጢ። 10 አብ ማእከል አህዛብ፣ እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ ኣላ፣ ነህዛብ ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ፣ ኢልኩም ንገሩ። 11 ሰማያት ይተሐጐሱ፣ ምድሪውን ባህ ይበላ፣ ባሕርን ምልአቱን ይናወጽ። 12-13 ይመጽእ፣ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፣ ንዓለም ብጽድቂ፣ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፣ መሮርን አብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፣ ሽዑ ዅላቶም አእዋም ዱር አብ ቅድሚ እግዚአብሄር እልል ኪብሉ እዮም።

ማቴ    21፥8-12 ሉቃ   6፥20-36 መልእክት 2ይ ጢሞ 3፥1-ፍጻመ ያዕ  2፥14-20 ግሓ 18:24-ፍጻመ መዝሙር  37

ኣብ ጸሎትኩም ዘክሩኒ።      መጽሓፈ ግጻዌ✝ 20 የካቲት

ማቴ 21:8-12

ካብቶም ህዝቢ ዚበዝሑ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ። 9 ቀቅድሚኡ ዚኸዱ፡ ደድሕሪኡውን ዚስዕቡ ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 10 ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተዉ እታ ኸተማ ብዘላ፡ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተበዐደት። 11 እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዚ ነብዪ የሱስ፡ በዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ፡ በሉ። 12 የሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዅሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ።

ሉቃ 6፡20-36

ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 21 ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 22 ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኩም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጹእልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። 23 እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን። 24 ኣቱም ሃብታማት ግን፡ ሐጐስኩም ወዲእኩም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም’ 25 ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩ ክትሐዝኑን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 26 ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፡ ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም። 27 ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ። 28 ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ። 29 መልትሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ። 30 ንዝለመንካ ዘበለ ሃብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ። 31 ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም። 32 ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ 33 ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም። 34 ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። 35 ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። 36 ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ።

 2ይ ጢሞ 3፡1 ፍጹም

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። 2 ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ 3 ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ 4 ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ 5-7 እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ። 8 ከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እቶም ኣእምሮኦም ዝጠፍኤ፡ ብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ አለዉ። 9 ግናኸ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዝዀነ ኸኣ፡ እቲ ዕሽነቶም ንዅሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ካብኡ ሐሊፎም ኣየስልጡን እዮም። 10 ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንንብረተይ፡ ንፍቓደይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዓብካ። 11 ኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን 2ይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3 234 ልስጥራን ብዝበጽሓኒ ስደተይ፡ መከራይ፡ ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ፡ ጐይታ ግና ካብ ኵሉ ኣድሐነኒ። 12 ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም። 13 እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም። 14-15 ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። 16- 17 እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

ያዕ  2፥14-20
ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። 15 ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። 16 ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሐቱ። 17 ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ። 18 በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና። 19-20 ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ይኹን።

ግሓ 18:24-ፍጻመ

24 ሓደ ሊቅ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ብዓል እስክንድርያ፡ ብጽሑፋት ከኣ ስልጡን ሰብኣይ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ። 25 መገዲ እግዚኣብሄር ምሁር ነበረ፡ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዚፈልጥሲ፡ ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናይ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ፡ 26 ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ። 27 ናብ ኣካይያ ኺሐልፍ እንተ ደለየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣጸናንዕዎ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኪቕበልዎ ጸሐፉሎም። ኣብኣ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም። 28 የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።

 

መዝሙር  37

1-2 ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ። 3 ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ። 4 ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። 5 መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ። 6 ንሱ ንጽድቅኻ ኸም ብርሃን፣ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኼውጽኦ እዩ። 7 ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ። 8-9 እኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፣ ኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ። 10 ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፣ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፣ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። 11 ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። 12 ረሲእ ንጻድቕ ይፍሕሰሉ፣ ኣስናኑውን ይሕርቅመሉ። 13 እግዚኣብሄር ዕለቱ ኸም እትመጽእ ይርኢ እዩ እሞ ይስሕቆ። 14 ረሲኣንሲ ንጥቑዕን ድኻን ኬውድቕዎ፣ ነቶም ብቕኑዕ መገዲ ዚኸዱ ኸኣ ኪሐርድዎም፣ ሰይፎም መሰቱ ቀስቶምውን ገተሩ። 15 ሰይፎም ናብ ልቦም እዩ ዚአቱ፣ ቀስቶምውን ኪስበር እዩ። 16-17 ቀላጽም ረሲኣን ኪስበር እዩ፣ ንጻድቃን መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 37 580 ግና እግዚኣብሄር ይድግፎም እዩ እሞ፣ ካብ ሃብቲ ብዙሓት ረሲኣንሲ ሒደት ናይ ጻድቕ ይበልጽ። 18 እግዚኣብሄር ንመዓልትታት ንጹሃት ይፈልጠን፣ ርስቶም ከኣ ንዘለአለም ኪነብር እዩ። 19 ብኽፉእ ዘመን ኣይኪሐፍሩን፣ ብመዓልትታት ጥሜትውን ኪጸግቡ እዮም። 20 ረሲአን ግና ኪጠፍኡ እዮም፣ ጸላእቲ እግዚኣብሄር ድማ ከም ጌጽ ሸኻ እዮም፣ ኪበኑ፣ እወ፣ ከም ትኪ ኺበኑ እዮም። 21-22 እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ። 23 ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፣ መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ። 24 እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፣ እንተ ተዐንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ። 25 ንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፣ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን። 26 ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕ፣ ዘርኡውን ብሩኽ እዩ። 27-28 እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ፣ ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን፣ ንዘለአለም ይሕለዉ፣ ዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ፣ ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንዘለአለምውን ክትነብር ኢኻ። 29 ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። 30 ኣፍ ጻድቕ ጥበብ ይዛረብ፣ ልሳኑ ኸኣ ፍርዲ ይነግር። 31 ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ። 32 ረሲእ ንጻድቕ ይጸናተዎ ኪቐትሎምውን ይደሊ። 33 እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣይኪሐድጎን፣ ኪፍረድ ከሎውን ኣይኪዅንኖን እዩ። 34 ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፣ ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ፣ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ። 35 ንረሲእ፣ ከም ኣብ ቦታኣ ኣስፋሕፊሓ ዝለምለመት ኦም፣ ብስልጣኑ ርኤኽዎ። 36 ምልስ እንተ በልኩ ግና፣ ሰአንክዎ፣ ደሌኽዎ እሞ ኣይረኸብክዎን። 37 ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ፣ እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ፣ ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። 38 በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቚረጽ እዩ። 39 ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ። 40 እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን፣ ናብኡ ተጸጊዖም እዮም እሞ፣ ካብ ረሲኣን የናግፎምን የድሕኖምን እዩ።

✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 21 የካቲት

✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝    ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝        21 የካቲት

ወንጌል ሉቃ    20፥41-ፍጻመ  ሉቃ  22፥44-30 መልእክት ፊሊ  1፥10-ፍጻመ  1ጴጥ  5፥5-ፍጻመ   ግሓ13፥1-6  መዝሙር  89

ሉቃ 20፥41-ፍጻመ

ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፥ ጐይታ ንጐይታይ፥ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማንይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢሎም ደኣ እዮም፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዚብሉ፧ 44 እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፥ ከመይ ኢሎ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም። 45 ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኺሰምዕ ከሎ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ 46 ወለል ብዚብል ክዳውንቲ ምዝዋር ካብ ዚደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ምስላም፡ ኣብ ቤት ጸሎትውን ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ምሳሕ ከኣ ኣውራ ስፍራ ኻብ ዚፈትዉ ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ። 47 እቶም ኣባይቲ መበለታት ዚውሕጡ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ዜንውሑ፡ ንሳቶም ዝገደደ ፍርዲ ኺረኽቡ እዮም፡ በሎም።

 

ሉቃ 22፥30-44

ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም። 31 ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። 32 ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም። 33 ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ አሎኹ፡ በሎ። 34 ንሱ ኸኣ፥ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለሰተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒ፡ ሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ እብለካ አሎኹ፡ በሎ። 35 ደሓር ከኣ፥ እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ሓንቲ እኳ በሉ። 36 በሎም፥ ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእ፡ ከምእዉን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡ 37 ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣባይ ኪፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም አሎ። 38 ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ አሎ፡ በሉ። ንሱውን፥ ይኣክል፡ በሎም። 39 ወጺኡ ኸኣ ከምታ ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ሰዓብዎ። 40 ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሔ ኸኣ፥ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ጸልዩ፡ በሎም። 41 ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፥ 42 ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ። 43 ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ። 44 ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኻኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።

ፊሊ  1፥10-ፍጻመ

ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ። 12 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። 13 እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዔኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ። 14 ዚበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላክ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ። 15 ገሊኦም ብቕንእን ባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። 16 እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡ 17 እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ኬምጹኡለይ ሐሲቦም፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ ፡ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ አለዉ። 18 እንታይ ደኣ እዩ ፧ እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ አሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ ኣሎኹ ኽሕጐስውን እየ። 19 እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን ንምድሓነይ ከም ዚኸውን፡ እፈልጥ አሎኹ። 20-21 ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማተይውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍር፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ። 22 እቲ ብስጋ ምንባረይ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እንተ ዀይኑ፡ ኣየናይ ከም ዝሐሪ፡ ኣይፈልጥን እየ። 23 በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ አሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዚሐይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ አሎኒ። 24 ግናኸ እቲ ብስጋ ምጽናሕ ምእንታኻትኩም ኣዝዩ ዜድሊ እዩ። 25-26 ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኩም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ኺዓዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐስን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኵላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልጥ አሎኹ። 27-28 ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺኤ ኽርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹ፡ ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን። 29-30 እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ 214 እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግቡ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተውሂብኩም ዘሎ።

ግሓ13፥1-6

1 ኣብታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ማሕበር ከኣ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፡ በርናባስን ኔጌር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቄሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ዝዐበየ ማናይንን ሳውልን። 2 እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም። 3 ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም። 4 ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። 5 ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ። ንዮሃንስ ከኣ ኬገልግሎም ወሲዶምዎ ነበሩ። 6 ነታ ደሴት ብዘላ ኽሳዕ ጳፎስ ምስ ዞርዋ ኸኣ፡ ሓደ ጠንቋሊ፡ ነብዪ ሓሶት፡ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ።​

 

1ጴጥ  5፥5-ፍጻመ

ኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዚዐብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ። 6 ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። 7 ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። 8 ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። 9 እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘልዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ። 10 እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ። 11 ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን። 12 ብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓዉና ገይረ፡ እናመኸርኩኹም፡ እዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩ፡ ቅሩብ ጽሒፈልኩም አሎኹ። 13 እታ 1ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ ምዕራፍ 5 257 መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ። 14 ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሀልኹም። ኣሜን።

መዝሙር  89

ግብርታት ጸጋ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ክዝምር፣ ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ እምነትካ ኸፍልጥ እየ። 2 ጸጋ ንዘለአለም ኪህነጽ፣ እምነትካ አብ ሰማያት ከተጽንዕ ኢኻ፣ በልኩ እሞ፣ 3 ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣቶኹ፣ ንዳዊት ባርያይ መሐልኩሉ፣ 4 ዘርእኻ ንዘለአለም ከጽንዕ፣ ዝፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሀንጽ እየ። 5 ጐይታየ፣ ሰማያት ከኣ ንተኣምራትካ፣ ንእምነትካ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ኪውድሱ እዮም። 6 አብ ጠፈር ንእግዚኣብሄር ዚመዓራረዮስ መን እዩ፧ ካብ ውሉድ ስልጡናትከ መን እዩ ንእግዚኣብሄር ዚመስሎ፧ 7 ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ፣ ካብቶም አብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅላቶም ዜሸብርን ኣምላኽ እዩ። 8 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ዎ ጐይታይ፣ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ ኣሎ። 9 ንትዕቢት ባሕሪ ትገዝኦ፣ ማዕበላቱ እንተ ተንስኤ፣ ንስኻ ተህድኦ። 10 ከም እተወግኤ ጌርካ፣ ንረሃብ ቀጥቂጥካዮ፣ ብሓይሊ ቕልጽምካ ንጸላእትኻ በቲንካዮም ኢኻ። 11 ሰማያት ናትካ እዩ፣ ምድሪውን ናትካ እያ፣ ንዓለም ምስ ምልኣታ ሰሪትካያ። 12 ንሰሜንን ደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮ፣ ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብላ። 13 ሓያል ቅልጽም ኣሎካ፣ ኢድካ ብርትዕቲ፣ የማነይትኻ ልዕልቲ እያ። 14 መሰረት ዝፋንካ ጽድቅን ቅንዕናን እዩ፣ ሳህልን ሓቅን ቀቅድሚ ገጽካ ይኸዳ አለዋ። 15 እቲ እልልታ ዚፈልጥ ህዝቢ ብጹእ እዩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ። 16 ብስምካ ምሉእ መዓልቲ ይሕጐሱ፣ ብጽድቅኻውን ልዕል ይብሉ። 17 ክብሪ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ብሞገስካ ቐርንና ልዕል ኪብል እዩ። 18 ዋልታና ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፣ ንጉስና ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ። 19 በቲ ዘመን እቲ ብራእይ ንቅዱሳንካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረብካዮም፣ ረዲኤት አብ ልዕሊ ጅግና አንቢረ፣ ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ኣልዒለ። 20 ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ፣ ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ፣ 21 ኢደይ ኵሉ ጊዜ ምስኡ ኽትከውን እያ፣ ቅልጽመይ ከኣ ኬበርትዖ እዩ። 22 ጸላኢ ኣይኪወድቆን፣ ዓማጺ ኸኣ ኣይኪጠቕዖን እዩ። 23 ንጸላእቱ ድማ አብ ቅድሚኡ ኽቕጥቅጦም፣ ነቶም ዚጸልእዎውን ክወቕዖም እየ። 24 እምነተይን ጸጋይን ድማ ምስኡ ኪዀና፣ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ኪብል እዩ። 25 ኢዱ ድማ ኣብ ባሕሪ፣ የማነይቱውን ኣብ ርባታት ከንብር እየ። 26 ንሱ፣ ኣቦይ፣ ኣምላኸይ፣ ከውሒ ምድሓነይ ንስኻ ኢኻ፣ ኢሉ ኺሰምየኒ እዩ። 27 ኣነውን በዅሪ፣ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። 28 ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፣ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ። 29 ዘርኡ ድማ ንዘለአለም፣ ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ።

✝በስመ ኣብ ወወልድ ወምውንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።✝
      
     
✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 22 የካቲት  (ቅዱስ ዑራኤል)


መልእክት

1ይ ቆሮ 8፥7-ፍጻመ  3ይ ዮሓ    1፥1-8  ግሓ 16፥25-32  ዝሙር 143 ወንጌል ሉቃስ፡14፡1-6 ማቴ፡8፡14-18

 

1ይ ቆሮ 8፥7-ፍጻመ 

 

 እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ። 8 ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና። 9 ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀፊ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ። 10 ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረኣየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውኤ ንምብላዕዶ ሕልናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧ 11 ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። 12 ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣሎኹም። 13 ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።

3ይ ዮሓ  

 ካብቲ ሽማግለ ናብቲ ፍቁር፡ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ጋይዮስ። 2 ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ። 3 ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሐጐስኩ። 4 ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን። 5 ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይስን እትገብሮ ዘሎኻ ዘበለ ተኣሚንካ ትገብሮ አሎኻ። 6 እዚኣቶም ብናይ ፍቅርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም አለዉ። ንኣምላክ ከም ዚበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር አሎኻ። 7 ንሳቶም ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ ኸይወሰዱ ምእንቲ እቲ ስም እቲ እዮም ዝወጹ። 8 እምብኣርስኸ፡ ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ።

ግሓ 16፥25-32 

25 ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26 ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ። 27 እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየ። 28 ጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ ኣሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። 29 ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሃቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፡ ራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም። 30 ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም። 31 ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። 32​​​

ዝሙር 143

 ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንምህለላይ ጽን በሎ፣ ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ። 2 ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፣ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ። 3 ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ፣ ንህይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፣ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ። 4 መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ ኣሎ። 5 ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፣ ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን፣ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ። 6 ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፣ ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ ኣላ። 7 ዎ እግዚኣብሄር፣ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፣ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፣ ገጽካ ኣይትኸውለለይ። 8 ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፣ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ። 9 ዎ እግዚኣብሄር፣ ዕቑባኻ እየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ። 10 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፣ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ፣ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ። 11 ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለ ስምካ ኢልካ ብህይወት ኣንብረኒ፣ ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ። 12 ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፣ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፣ ነቶም ንነፍሰይ ዜጽብቡላ ዅሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም።

ወንጌል ሉቃስ፡14፡1-6

ኰነ ድማ፡ ብሰንበት ኣብ ቤት ሓደ ኻብ ሓለቑ ፈሪሳውያን እንጌራ ኪበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይጸናጸንዎ ነበሩ። 2 እንሆ፡ ከብዱ እተነፍሔ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 3 የሱስ ንፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ኢሉ ተዛረቦም። 4 ንሳቶም ከኣ ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ወሲዱ ኣሕወዮን ሰደዶን። 5 መሊሱ ድማ በሎም፥ ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቖ፡ ብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየጽኦ መን አሎ፧ 6 ነዚ ነገርዚ ኸኣ ምላሽ ሰኣኑሉ።

ማቴ፡8፡14-18

የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ። 15 ኢዳ ተንከያ፡ ዓሶኣውን ሐደገታ። ተንሲኣ ኸኣ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 8 10 ኣገልገለቶ። 16-17 ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተበሀለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም። 18 የሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ንማዕዶ ኺሳገሩ ኣዘዘ።

መዝሙር፡ 143

 ጐይታየ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንምህለላይ ጽን በሎ፣ ብሓቅኻን ብጽድቅኻን ምለሰለይ። 2 ህያው ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን እሞ፣ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእቶ። 3 ጸላኢ ንነፍሰይ ይሰጓ፣ ንህይወተይ ናብ ምድሪ ይድርብያ፣ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት የንብረኒ ኣሎ። 4 መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ ኣሎ። 5 ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፣ ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን፣ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ። 6 ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፣ ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ ኣላ። 7 ዎ እግዚኣብሄር፣ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፣ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፣ ገጽካ ኣይትኸውለለይ። 8 ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፣ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ እሞ፣ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ። 9 ዎ እግዚኣብሄር፣ ዕቑባኻ እየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ። 10 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፣ ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ፣ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ። 11 ዎ እግዚኣብሄር፣ ስለ ስምካ ኢልካ ብህይወት ኣንብረኒ፣ ብጽድቅኻ ንነፍሰይ ካብ ጸበባ ኣውጽኣያ። 12 ኣነ ባርያኻ እየ እሞ፣ ብሳህልኻ ንጸላእተይ ኣጽንቶም፣ ነቶም ንነፍሰይ ዜጽብቡላ ዅሎም ከኣ ኣጥፍኣዮም።

✝መጽሓፈ ግጻዌ✝22 የካቲት  (ቅዱስ ዑራኤል)

✝በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላክ ✝
     
✝መጽሓፈ ግጻዌ✝ 23   ሰማእት ቅዱስ ጊዮርግስ  መልእክት 2ቆሮ  4፥ 7-ፍጻሜ 2ይጴጥ  2፥ 15 -21ግብ ሓዋ  21፡   15 -21 መዝ 68 ንጌል ማቴ፡15፡10-21    ✝✝✝

2ቆሮ  4፥ 7-ፍጻሜ

ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና። 8 ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ 9 ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። 10 ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኵሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር አሎና። 11 ማለት፥ እታ ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና ኣለዉ። 12 እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዓዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ ኣላ። 13-14 ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዜተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዜቝመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዚህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ ኣሎና። 15 እቲ በቶም ብዙሓት እምብዛ ዝበዝሔ ጸጋ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ምእንቲ ኼዕዝዝ፡ ኵሉ ዚኸውን ዘሎ ምእንታኹም እዩ። 16-17 እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። 18 እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።

2ይጴጥ  2፥ 15 -21

ግናኸ ድሕሪ ስንብታይ ከኣ ኵሉ ጊዜ ነዚ ኽትዝክርዎ ኢለ እጽዕር አሎኹ። 16 ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን። 17 ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ምስ መጸ፡ ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። 18 ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና። 19 ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም። 20 ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። 21 ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።

ግብ ሓዋ  21፡   15 -21

ድሕርዚ ቕነዚ ተዳሊና ናብ የሩሳሌም ደየብና። 16 ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ካብ ቂሳርያ ምሳና መጹ፡ ናብ ምናሶን፡ ብዓል ቆጵሮስ ናይ ቀደም ወደ መዝሙር፡ ክንኣቱውን መርሑና። 17 ናብ የሩሳሌም ምስ መጻእና ኸኣ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። 18 ንጽብሒቱ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያእቆብ በጽሔ፡ ኲላቶም እቶም ሽማግሌታት ከኣ ኣብኡ ተኣከቡ። 19 ሰላም ምስ በሎም ከኣ፡ በገልግሎቱስ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ በብሓደ ተር ኣቢሉ ነገሮም። 20 እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም በልዎ፡ ዎ ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣሎኻ፡ ኲላቶም ከኣ ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ኣለዎም። 21 ኣብ ማእከል ኣህዛብ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ከኣ ካብ ሙሴ ኺርሕቁ ደቆም ከይግዘሩ ብስርዓቶምውን ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፡ ሰሚዖምልካ ኣለው።

ማቴ፡15፡10-21

ነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ፡ ኣስተውዕሉ፡ 11 ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚእቱስ ንሰብ ኣየርክሶን። 12 ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧ በልዎ። 13 ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ። 14 ሕደግዎም፡ ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ። 15 ጴጥሮስ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ዀታ ተርጕመልና፡ ኢሉ መለሰሉ። 16 የሱስ በለ፡ ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን፧ 17 ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 18 እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። 19 ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡ 20 እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን። 21 የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ።​

መዝ 68

ኣምላኽ ይተንስእ፣ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣ እቶም ዚጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ። 2 ትኪ ኸም ዚብተን፣ ከምኡ ትብትኖም፣ ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፣ ከምኡውን ረሲአን ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጠፍኡ። 3 ጻድቃን ግና ይሕጐሱ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደስ ይብሎም፣ ባህ ኢልዎም ድማ እልል ይብሉ። 4 ንኣምላኽ ቃንዩሉ፣ ንስሙ ኣመስግኑ፣ ነቲ ብበረኻ ዚሐልፍ መገዲ ጽረጉሉ፣ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ። 5 ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ። 6 ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎ፣ ንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦም፣ ተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ። 7 ዎ ኣምላኽ፣ ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 68 594 ከሎኻ፣ ብበረኻ ኽትሐልፍ ከሎኻ 8 ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፣ ሰማያት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣንጠብጠበ፣ ሲና እኳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣንቀጥቀጠት። 9 ዎ ኣምላኽ፣ ዝናም ውህበትካ ኣዝነምካ፣ ነታ ዝሓመቐት ርስትኻ ኣደልደልካያ። 10 ህያዋንካ ኣብኡ ሐደሩ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብለውሃትካ ንመሳኺን ኣዳሎኻሎም። 11 እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን። 12 ናይ ሰራዊት ነገስታት ይሀድሙ፣ ይሀድሙ፣ ኣብ ገዛ ዝወዐለትውን ምርኮ ትማቐል። 13 ኣብ ማእከል መጓሰ እንተ ሐደርኩም፣ ከም ኣኽናፍ ርግቢ ብብሩር፣ ክንቲታውን ብዜንጸባርቕ ወርቂ እተለበጠ ትዀኑ። 14 እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፣ ኣብ ሰልሞን በረድ ዘነመ። 15 ከረን ባሳን ናይ ኣምላኽ ከረን እዩ፣ ከረን ባሳን ኣርእስቱ ዝብዙሕ ከረን እዩ። 16 ኣቱም ብዙሕ ዘርእስትኩም ኣኽራን፣ ነቲ ኣምላኽ ንማሕደሩ ኪዅኖ እተመነዮ ኸረን ስለምንታይ ኢኹም ቀኒእኩም እትጥምትዎ፧ እወ፣ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ኣብኡ ኺነብር እዩ። 17 ሰረገላታት ኣምላኽ ክልተ እልፊ፣ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ሲና፣ ኣብ መቕደሱ፣ ኣብ ማእከሎም እዩ። 18 ናብ ላዕሊ ደየብካ፣ ምርኮ ማረኽካ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪነብሩስ፣ ካብ ሰብ፣ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ። 19 እግዚኣብሄር ይባረኽ፣ ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር ኣሎ፣ ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ። 20 ኣምላኽሲ ንኣና ኣምላኽ ምንጋፍ እዩ፣ ካብ ሞት ምውጻእ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ። 21 ኣምላኽ ግና ርእሲ ጸላእቱ፣ ኤረ ነቲ ብበደሉ ዚመላለስ ጐታን፣ መንበስበስታኡ ኺጭፍልቖ እዩ። 22-23 እግዚኣብሄር፣ ኣእጋርካ ኣብ ደም ኪረግጻ፣ መልሓስ ኣኽላባትካ ኸኣ ካብ ጸላኢ ግዲኡ ኺረክብሲ፣ ካብ ባሳን ክመልሶም፣ ካብ መዓሙቚ ባሕሪ ኽመልሶም እየ፣ በለ። 24 ዎ ኣምላኽ፣ ኡደትካ፣ ናይ ኣምላኸይ፣ ናይ ንጉሰይ ኡደት ናብ መቕደስ ረአዩ። 25 ቅድም ዘመርቲ፣ ደሓር ቃነይቲ በገና ሰዐቡ፣ ከበሮ ዚወቕዓ ደናግል ኣብ ማእከል ነበራ። 26 ኣቱም ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ዝዀንኩም፣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማሕበራት ኣመስግንዎ። 27 ኣብኡ ብንያም፣ እቲ ምንኣስ ኵሎም፣ ገዛኢኦም፣ መሳንፍቲ ይሁዳን ጭፍራኦምን፣ መሳፍንቲ ዛብሎን፣ መሳፍንቲ ንፍታሌም ኣለዉ። 28 ኣምላኽካ ንሓይልኻ ኣዘዞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ። 29 ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ የሩሳሌም ነገስታት ውህበት ኬምጽኡልካ እዮም። 30 ብሩሮም ጾይሮም ምእንቲ ኺመጹኻ፣ ንኣራዊት ሰልሰላ፣ ንኣኼባ ኣብዑር ምስ ምራኹት ኣህዛብ ገስጾም። ነቶም ብውግእ ዚሕጐሱ ኣህዛብ ፋሕ ኣብሎም። 31 መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ። 32-33 አቱም መንግስትታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ እንሆ፣ ንሱ ንድምጹ፣ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፣ የስምዕ ኣሎ። 34 ንኣምላኽ ምልኪ ሀቡ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፣ ምልኩ ኣብ ደበናታት እዩ። 35 ዎ ኣምላኽ፣ ካብ መቕደስካ እተፍርህ ኢኻ። ንህዝቡ ሓይልን ስልጣንን ዚህብ ኣምላኽ እስራኤል እዩ። ኣምላኽ ይባረኽ።

                                                                                    24 የካቲት ኣቡነ ተኽለሃይማኖት

 

💠ኮነ ቅዱስ ኣጋሊጦስ ኤጲስ ቆጶስ ዘይሴሰይ ሐመደ ምስለ ሐሰረ  ተርሙስ  ወሚናስ  ዘቆጵሮስ  ወጢሞቴዎስ  ዘሃገረ ጋዛ።💠

     መልእክት ሮሜ 13፥ 1-11

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። 2 ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። 3-4 እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። 5 ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። 6 ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ ኣለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። 7 እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። 8 እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። 9 እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። 10 ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። 11 ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ።

1ጴጥ 2፥ 16

ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑ። 17 ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ። 18 ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ህያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎም። 19 ሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። 20 ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ ኣለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21 ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። 22 ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ 23 ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፈራርሄ። 24 ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም። 25 ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም።

ግብ ሓዋ  19፥ 11- 21

ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ፡ 12 መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ። 13 ካብቶም ኣስማት እናገበሩ ዚዞሩ ኣይሁድ ከኣ ሓያሎ ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም፡ በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ የሱስ ነምሕለኩም ኣሎና፡ ኢሎም ስም ጐይታና የሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ። 14 እቶም እዚ ዝገበሩውን ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት እዮም። 15 እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ፡ ንየሱስ እፈልጦ፡ ንጳውሎስውን ኣይስሕቶን እየ፡ ንስኻትኩምከ እንታዎት ኢኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 16 እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ከኣ ጐየዮም፡ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዚሀድሙ ንኽልተ ኻባታቶም ተባራቲዑ ኣሕመቖም። 17 እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠ። ንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቖም፡ ስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ። 18 ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተኣመኑን እናነገሩን መጹ። 19 ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 19 147 ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ። 20 ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን። 21 እዚ ነገርዚ ምስ ተወድኤ፡ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሐሊፉ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ብመንፈስ ሐሰበ እሞ፡ ኣብኣ ምስ በጻሕኩውን፡ ንሮሜ ድማ ክርእያ የድልየኒ እዩ፡ በለ።

መዝ 118

 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ። 2 ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ እስራኤል ይበል። 3 ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ ቤት ኣሮን ይበል። 4 ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርህዎ ይበሉ። 5 አብ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፣ እግዚኣብሄር መለሰለይ ኣርሐበለይ ድማ። 6 እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን፣ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ 7 እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ረዳእየይ እዩ፣ ኣብ ጸላእተይ ትምኒተይ ክርኢ እየ። 8 ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ አብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። 9 ካብ ኣብ መሳፍንቲ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። 10 ኵሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። 11 ከበቡኒ፣ እወ ኸበቡኒ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። 12 ከም ንህቢ ከበቡኒ፣ ከም ሓዊ ቘጥቋጥ ጠፍኡ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። 13 ከተውድቐኒ ኢልካ ኣዚኻ ደፋእካኒ፣ እግዚኣብሄር ግና ረድኣኒ። 14 ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱውን ምድሓነይ ኰነ። 15 ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ድምጺ እልልታን ምድሓንን ኣሎ፣ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር። 16 የማነይቲ እግዚኣብሄር ልዕል ትብል፣ የማነይቲ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር ኣላ። 17 ብህይወት ክነብር እየ እምበር፣ ኣይክመውትን፣ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ። 18 እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፣ ንሞት ግና ኣይወፈየንን። 19 ብእኤን አትየ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖስ፣ ደጌታት ጽድቂ ኽፈቱለይ። 20 ደገ እግዚኣብሄር እዚኣ እያ፣ ጻድቃን ብእኣ ኺአትዉ እዮም። 21 ሰሚዕካኒ ምድሓነይውን ኴንካ ኢኻ እሞ፣ ከመስግነካ እየ። 22 ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ። 23 እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፣ ነዒንትናውን ግሩም እዩ። 24 እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 118 622 መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። 25 ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣድሕን ኰታ፣ ኣታ እግዚኣብሄር፣ ኣሰልጥን ኰታ። 26 እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። 27 እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱውን ኣብረሀልና፣ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ። 28 ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ ኤመስግነካ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ልዕል ኤብለካ ኣሎኹ። 29 እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ።

ወንጌል  ማር 1፥ 23-  29 

ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፡ 24 ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ አሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። 25 የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል፡ ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። 26 እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸ። 27 ኵሎም ድማ፡ እንታይ እዩ እዚ፧ እዝስ እንታይ ሓድሽ ምህሮኡ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ ኣለዉ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚተሓታተቱ ሰምበዱ። 28 ወሪኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵላ ሃገር ገሊላ ወጸ። 29 ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ።

                    

  ✝በስመ ኣብ ወወልድ  ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን✝

                                              ✝መጽሓፈ ግጻዌ✝  25 የካቲት

     መልእክት   ፊልሞ 1፥1-12 2ይ ጴጥ  1፥7-11  ግብ ሓዋ  16፥ 4 - ፍጻመ    ምስባክ     መዝ 141   ወንጌል  ማር 7፥ 24-  31

 

ፊልሞ 1፥1-12 

ጳውሎስ እሱር ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስውን ሓውና፡ ናብቲ ፍቁርን መዓይይትናን ፊልሞን፡ 2 ናብ ኣጵያ ሓብትናውን ናብቲ ምሳና ዀይኑ ዚዋጋእ ኣርኪጶስ ከኣ፡ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ማሕበርውን። 3 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። 4-7 ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳት ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስ ንዅሎም ቅዱሳትን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዅሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ። 8 ስለዚ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ የሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲ፡ 9 ከምዛ ዘሎኽዋ ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂውን ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ አሎኹ። 10 ብዛዕባ እቲ ኣብ መቕውሔይ ኰይነ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔስሞስ እልምነካ አሎኹ። 11 ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፡ ሕጂ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ እሞ፡ ናባኻ መሊሰዮ አሎኹ። 12 ከም ልበይ ጌርካ ተቐበሎ።

2ይ ጴጥ  1፥7-11

ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። 8 እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። 9 እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ። 10 ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። 11 ከምኡውን ናይቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ።

ግብ ሓዋ  16፥ 4- ፍጻመ    

ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ ኣዘዝዎም። 5 ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ፡ ቊጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ። 6 ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሐለፉ። 7 ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢታንያ ኪኸዱ ፈተኑ፡ መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። 8 ሚስያ ምስ ሐለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱ። 9 ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፡ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና፡ እናበለ ይልምኖ ነበረ። 10 ንሱ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና። 11 ሽዑ ኻብ ጥሮኣስ ብመርከብ ምስ ከድና፡ ትኽ ኢልና ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና። ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፡ 12 ካብኣ ድማ ናብ ፊልጲ፡ ንሳ ኣብታ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን እያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና። 13 ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዚግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና፡ ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየን። 14 ልድያ እትብሃል፡ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ብዓልቲ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 16 143 ኸተማ ትያቲራ፡ ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ፡ ጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ። 15 ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና። 16 ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። 17 ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም ኣለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። 18 ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ካብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ። 19 ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረኣዩ፡ ንጳውሎስን ሲላስን ሐዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሐብዎም እሞ፡ 20 እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፡ ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ ኣለዉ፡ 21 ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎን ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ ኣለዉ፡ ኢሎም ናብቶም ሓላቑ ኣምጽእዎም። 22 እቲ እኩብ ህዝቢ ኸኣ ተላዕሎም፡ እቶም ሓላቑ ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ኪዘብጥዎም ኣዘዙ። 23 ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፡ ነቲ ሓላው እሱራት ድማ ኣጽኒዑ ኺሕልዎም ኣዘዝዎ። 24 ንሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፡ ናብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ። 25 ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26 ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ። 27 እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየ። 28 ጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ ኣሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። 29 ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሃቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፡ ራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም። 30 ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም። 31 ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። 32 ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። 33 በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። 34 ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፡ ብኣምላኽ ስለ ዝኣመነውን ምስ ኲላቶም ስድራ ቤቱ ተሐጐሰ። 35 ምድሪ ምስ ወግሔ ግና፡ እቶም ሓላቑ፡ ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም፡ ኢሎም ገላዉ ለኣኹ። 36 እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም ሓላቑ ኽትፍትሑ ልኢኾም ኣለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ውጹ ብሰላምውን ኪዱ፡ ኢሉ ንጳውሎስ እዚ ቓልዚ ነገሮ። 37 ጳውሎስ ግና፡ ንሕና ሮማውያን ክነስናስ፡ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉና፡ ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኺሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ፡ በሎም። 38 እቶም ገላዉ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነቶም ሓላቑ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ። 39 መጺኦም ከኣ ኣቃባጢሮም ኣውጽእዎም፡ ካብታ ኸተማ ኼግልሱውን ለመንዎም። 40 ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኣይዎም ከኣ፡ መዐድዎም ካብኡውን ሐለፉ።

መዝ 141

ጐይታየ፣ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፣ ቀልጢፍካ ምጸኒ፣ ክጽውዓካ ኸሎኹ ንድምጸይን ጽን በሎ። 2 ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፣ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን። 3 ጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ። 4 ምስ ገበርቲ እከይ ረሲእነት ከይገብርሲ፣ ንልበይ ናብ ክፍኣት ኣይተዘምብሎ፣ ኣነውን ካብቲ ጥዑም ብልዖም ኣይብላዕ። 5 ጻድቕ ይውቅዓኒ፣ ለውሃት እዩ፣ ይዝለፈኒ፣ ዘይቲ ርእሲ እዩ፣ ርእሰይ ኣይእበዮ፣ ጸሎተይ ገና ብእከዮም እዩ። 6 ፈረድቶም ብገደል ምስ ጸደፉ፣ ቃላተይ ጥዑም ምዃኑ ኺሰምዑ እዮም። 7 ከምቲ ሰብ ንምድሪ ዚትልሞን ዚሐርሶን፣ ኣዕጽምትና ኸምኡ ኣብ ኣፍ ሲኦል ተበተነ። 8 ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታየ፣ ኣዒንተይ ናባኻ እየን፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፣ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 141 633 ንነፍሰይ ኣይትኽዐዋ። 9 ካብቲ ዜጻውዱለይ መጻወድያን ካብ መፈንጠራ ገበርቲ እከይን ሐልወኒ። 10 ኣነ ኽሐልፍ ከሎኹስ፣ ረሲኣን ኣብ መጻወድያኦም ይውደቑ።

ማር 7፥ 24-  31

ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ሓደ እኳ ኺፈልጦ ኣይፈተወን፡ ኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። 25 ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸት፡ ኣብ እግሩውን ተደፍኤት። 26 እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ። 27 የሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡ፡ በላ። 28 ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ። 29 ንሱ ድማ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ፡ በላ። 30 ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ወጺኡላ ረኸበታ። 31

✝በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ።  ✝ ኣሜን✝

 ✝መጽሓፈ  ግጻዌ✝  26 የካቲት ዕረፍቱ ለነብይ ወቅዱስ ሳዶቅ  ወ208  ሰማእታት ።

ዘቅዳሴ  ሮሜ 9፥  24 -30  ጴጥ 2፥ 1 -ፍጻሜ  ግብ ሓዋ  3፥ 17- ፍጻሜ    መዝ 78   ምስባክ ማቴ 10፥ 36 -ፍጻሜ       

 ወይርኣዩ ኣሕዛብ  በቅድመ ኣዕይንቲነ በቀለ ደሞሙ  ለኣግብርቲከ ዘተክእወ ይባእ  ቅድሜከ  ገዐሮሙ ለሙቁሓን ።

ቅዳሴ ወልደ ነጎድጋድ (ሃቤከ)

 

ሮሜ 9፥  24 -30

24 ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። 25 ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። 26 መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። 27 እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። 28 ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። 29 ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። 30 ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም።

ጴጥ 2፥ 1 -ፍጻሜ 

1 ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን፡ ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ብጽድቂ ኣምላኽናን ብመድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን እተመቕሉ፡ 2 ብፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታናን የሱስን ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላም ይብዛሕ። 3 እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኵሉ ኻብ ዚህበና፡ 4 ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ 5 ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ 6 ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ 7 ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። 8 እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። 9 እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ። 10 ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። 11 ከምኡውን ናይቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ። 12 ስለዚ ምንም እኳ እንተ ፈለጥኩምዎ፡ ኣብቲ ዘሎኩም ሓቂውን እንተ ጸናዕኩም፡ ነዚ ነገርዚ ኵሉ ጊዜ ኸዘክረኩም ሓሳበይ እዩ። 13-14 ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ከኣ፡ እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ኸም ዚኸውን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘሎኹ፡ ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ አሎ። 15 ግናኸ ድሕሪ ስንብታይ ከኣ ኵሉ ጊዜ ነዚ ኽትዝክርዎ ኢለ እጽዕር አሎኹ። 16 ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን። 17 ካብቲ ግኑን ግርማ ኽብሪ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቁር ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ምስ መጸ፡ ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። 18 ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና። 19 ኣዝዩ ዝጸንዔ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም። 20 ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። 21 ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።

ግብ ሓዋ  3፥ 17- ፍጻሜ    

17 ሕጂ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ከምቶም መኳንንትኹም ነዚ ብዘይ ፍልጠት ከም ዝገበርኩምዎ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 18 ግናኸ ክርስቶስ መከራ ኸም ዚረክብ፡ ኣምላኽ ቅድም ብኣፍ ኲላቶም ነብያት ዝነገሮ ኸምኡ ፈጸሞ። 19 እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ 20 ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። 21 ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ። 22 ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዂሉ ስምዑ። 23 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ፡ በለ። 24 ኲላቶም ነብያት ድማ ካብ ሳሙኤል ሒዞም ክሳዕ እቶም ድሕሪኦም እተዛረቡ ዂላቶም፡ እዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሰሩ። 25 ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ እቲ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝአተዎ ኺዳንን ኢኹም። 26 ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቕድሚ ዂሉ ናባኻትኩም ለአኾ።

መዝ 78 

1 ዎ ህዝበይ፣ ንሕገይ ጽን በሎ፣ ኣእዛንካ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን። 2 ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፣ ናይ ቀደም ምስጢራት እነግር ኣሎኹ፣ 3 እቲ ዝሰምዕናዮን ዝፈለጥናዮን፣ ኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና፣ 4 ካብ ውሉዶም ኣይንሐብኦን፣ ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተአምራቱን ደአ ንነግሮ። 5-8 እቲ ዚመጽእ ወለዶ፣ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፣ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፣ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ፣ ትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፣ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፣ ከም ኣቦታቶም፣ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፣ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፣ መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኮኑስ፣ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፣ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስ፣ ነቦታትና ኣዘዞም። 9 ውሉድ ኤፍሬም፣ ተዋጋእትን ወርወርትን፣ ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመልሱ። 10 ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉን፣ ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ፣ 11 ንግብርታቱን ነቲ ዘርአዮም ተአምራቱን ረስዕዎ። 12 ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ፣ ኣብ መሮር ጾዓን፣ ተአምራት ገበረ። 13 ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፣ ንማይ ከም ኵምሪ ኣቘሞ። 14 መዓልቲ ብደበና፣ ምሉእ ለይቲውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም። 15 ኣብ በረኻ ነኻውሕ ጨደዶ፣ ከም ካብ ዓሚቚ ባሕሪውን ብዙሕ ኣስተዮም። 16 ዓይኒ ማያት ካብ ከውሒ ኣውጽኤ፣ ንማይ ድማ ከም ውሒዝ ኣውሐዞ። 17 ግናኸ ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም፣ እናቐጸሉ በደልዎ። 18 ንትምኒቶም ዚብላዕ እናደለዩ፣ ብልቦም ንአምላኽ ፈተንዎ። 19-20 ንሳቶም፣ ኣምላኽሲ ኣብ በረኻ ደዀን መአዲ ኺሰርዕ ይኽእል እዩ፧ እንሆ፣ ማይ ክሳዕ ዚፍልፍል፣ ውሒዝ ክሳዕ ዚውሕዝሲ፣ ንኸውሒ ወቕዖ፣ ግናኸ እንጌራውን ኪህብ፣ ወይስ ንህዝቡ ስጋ ኺምህዝዶ ይከአሎ እዩ፧ ኢሎም ንአምላኽ ሐመይዎ። 21-22 ብአምላኽ ኣይአመኑን፣ ብምድሓኑውን ኣይተወከሉን እዮም እሞ፣ እግዚኣብሄር እዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፣ ኣብ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፣ ኣብ እስራኤልውን ቊጥዓ ወጸ። 23 ግናኸ ንሱስ ኣብ ላዕሊ ንደበና ኣዘዞ፣ መዓጹ ሰማይ ከኣ ከፊተ፣ 24 ምእንቲ ኺበልዑ ድማ ማና አዝነመሎም፣ እኽሊ ሰማይውን ሀቦም። 25 ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዔ፣ ንምሉእ ጽጋብ ዚኸውን ምግቢ ሰደደሎም። 26 ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማይ ኣለዓዐለ፣ ብስልጣኑ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣምጽኤ። 27 ስጋ ኣብ ልዕሊኦም ከም ሓመድ፣ ነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑጻ ባሕሪ አዝነመሎም። መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 78 601 28 ኣብ ማእከል ሰፈሮም፣ ኣብ ዙርያ ድንኳኖም ኣውረደሎም። 29 በልዑን ኣዝዮም ጸገቡን፣ ትምኒቶምውን ሀቦም። 30 ትምኒቶም ገና ኸይወድኡ፣ ብልዖምውን ገና ኣብ ኣፎም ከሎ፣ 31 መዓት ኣምላኽ ወረዶም፣ ካብ ስቡሓቶም ከኣ ቀተለ፣ ነጕባዝ እስራኤልውን ኣውደቖም። 32 ምስናይዚ እዚ ዅሉ መሊሶም በደሉ፣ ብተኣምራቱ ኸኣ ኣይአመኑን። 33 ስለዚ ንመዓልትታቶም ብኸንቱ፣ ንዓመታቶም ከኣ ብስምባድ ኣሕለፈን። 34 ኪቐትሎም ከሎ፣ ሽዑ ይደልይዎ ነበሩ፣ ተመሊሶም ከኣ፣ ኣንጊሆም ንአምላኽ ደለይዎ። 35 ኣምላኽሲ ኸውሖም፣ እቲ ልዑል ኣምላኽውን ተበጃዊኦም ምዃኑ ዘከሩ። 36 ብአፎም ኣቃባጠሩሉ፣ ብመልሓሶም ድማ ሐሰዉሉ። 37 ልቦም ናብኡ ኣይቀንዔን፣ ብኺዳኑውን እሙናት ኣይነበሩን። 38 ንሱ ግና መሓሪ ዀይኑ፣ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፣ ኣየጥፍኦምን ከኣ፣ ንዅራኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፣ ንዅሉ ቚጥዓኡ ድማ ኣይደርጐሖን። 39 ስጋ ምዃኖም፣ ሐሊፉስ ዘይትምለስ ትንፋስ ምዃኖም ዘከረ። 40 ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፣ ኣብ ጽምዋውን ዘጕሀይዎ። 41 ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፣ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ። 42-43 ንኢዱን ነታ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን፣ ትእምርቱ ኣብ ግብጺ፣ ተአምራቱ ኸኣ ኣብ መሮር ጾዓን ከም ዝገበረ፣ ኣይዘከሩን። 44 ምስታይ ምእንቲ ኺስእንዎስ፣ ንርባታቶምን ንፈሳሲ ማዮምን ናብ ደም ለወጦ። 45 ዚበልዕዎም ተናኸስቲ ጽንጽያን፣ ዜጥፍእኦም ቊርዖባትን ሰደደሎም። 46 ብቋልያኦም ንቓቔጣ፣ ፍረ ዕዮኦም ከኣ ነንበጣ ሀቦ። 47 ንወይኖም ብበረድ፣ ንዳዕሮኦም ከኣ በስሓይታ ኣጥፍኦ። 48 ከብቶም ንበረድ፣ መጓሲኦም ከኣ ንመባርቕ ኣሕሊፉ ሃበን። 49 ሓዊ ዅራኡ፣ ቊጥዓን ሓርቖትን ጸበባን፣ ጭፍራ መላእኽቲ እከይ፣ ኣውደቐሎም። 50 ንዅራኡ መገዲ ጸረገሉ፣ ህይወቶም ንፌራ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፣ ንነፍሶም ካብ ሞት ኣይነሐፋን። 51 ንብዘሎ በዅሪ ግብጺ ኸኣ፣ ነቶም በዅሪ ሓይሊ፣ ኣብ ድንኳናት ካም ወቕዖም። 52 ንህዝቡ ግና ከም ኣባጊዕ ኣንቀሎም፣ ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም። 53 ከይፈርሁስ ብደሓን መርሖም፣ ንጸላእቶም ግና ባሕሪ ደፊኖም። 54 ናብ ወሰን መቕደሱ፣ ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዘጥረየቶ ኸረን ኣብጽሖም። 55 ነህዛብ ከኣ ካብ ቅድሚኦም ሰጐጎም፣ ርስቲ ኪዀኖም ብዕጻ ኸፈሎም፣ ንነገዳት እስራኤል ኣብ ድንኳናቶም ኣሕደሮም። 56 ግናኸ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ፈተንዎን ተጻረርዎን፣ ምስክራቱውን ኣይሐለዉን። 57 ንድሕሪት ተመልሱ፣ ከም ኣቦታቶምውን ጠለሙ፣ ከም ጠላሚ ቐስቲ ተለውዩ። 58 ብዀረቢቶም ከኣ አዀረይዎ፣ ብተወቕረ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ። 59 ኣምላኽ ድማ ነዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፣ ንእስራኤልውን ኣዝዩ ነዐቖም። 60 ንማሕደሩ ኣብ ሲሎ፣ ነቲ ኣብ ማእከል ሰብ ተኺልዎ ዝነበረ ድንኳን ሐደጎ። 61 ሓይሉ ንምርኮ፣ ክብሩውን ናብ ኢድ ተጻራሪ ሀበ። 62 ንህዝቡ ድማ ኣደዳ ሰይፊ ገበሮ፣ ንርስቱውን ተቘጥዖ። 63 ነጕባዞም ሓዊ በልዖም፣ ደናግሎም ከኣ ጓይላ መርዓ ኣይረኸባን። 64 ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፣ መበለታቶምውን መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 78 602 ኣይበኸያሎምን። 65 ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። 66 ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም። 67 ንድንኳን ዮሴፍ ደርበያ፣ ንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሐረዮን፣ 68 ንነገድ ይሁዳ፣ ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ። 69 ንቤት መቕደሱ ኸም ኵርባታት፣ ከምታ ንዘለአለም ዝሰረታ ምድሪ ገይሩ፣ ሀነጻ። 70 ንዳዊት ባርያኡ ሐርዩ፣ ካብ መጓሴታት ኣባጊዕ ወሰዶ። 71 ንህዝቡ ያእቆብን ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኺሕሉስ፣ ካብ ሓራሳት ኣባጊዕ ኣምጽኦ። 72 ብቕንዕና ልቡ ጓሰዮም፣ በእምሮ ኣእዳዉውን መርሖም።

 

ማቴ 10፥ 36 -ፍጻሜ

 

36 ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። 37 እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 38 መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። 39 እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ከኣ ኪረኽባ እዩ። 40 ንኣኻትኩም ኪቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበሎ። 41 ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። 42 ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

✝በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ። ✝ ኣሜን✝

 ✝መጽሓፈ  ግጻዌ✝ 27 የካቲት  መድሓኔዓለም ዘቅዳሴ  ሮሜ 6፥5-11 1ይጴጥ  4፥1-8 ግብ ሓዋ  4፥5-12 መዝ 69

  ወንጌል ዮሓ 19፥16፥24

ሮሜ 6፥5-11

5 በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ። 6 ገና ድኹማት ከሎና፡ ክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። 7 ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፡ እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዚደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ 8 ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ። 9 እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን። 10 ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን። 11 ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን።

1ይጴጥ  4፥1-8

1-2 ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ። 3 እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይኣክል እዩ። 4 ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ አለዉ። 5 ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም። 6 ከምቲ ናይ ሰብ ብስጋ ዀይኖም ኪፍረዱ፡ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ 1ይ መልእኽቲ ጴጥሮስ ምዕራፍ 4 256 ኴይኖም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ። 7 ግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። 8 ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም። 9 ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። 10 ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 11 ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን። 12 ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። 13 ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ። 14 ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 15 ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። 16 ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር፡ ኣይሕፈር። 17 እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ፡ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ 18 እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ፧

ግብ ሓዋ  4፥5-12

5-6 ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ መኳንንቶምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ምስኦም ድማ ሃና ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን ካብ ዓሌት ሊቃውንቲ ኻህናት ዘበሉ ዅሎምን ኣብ የሩሳሌም ተአከቡ። 7 ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም ድማ፡ በየናይ ሓይሊ ወይስ በየናይ ስም ኢኹም ነዚ ዝገበርኩምዎ፡ ኢሎም ሐተትዎም። 8 ሽዑ ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ በሎም፡ ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ዓበይትን፡ 9 ሎሚ ንሕና ንሓደ ሕሙም ሰብኣይ ብዝዀነ ጽቡቕ ግብሪ ንሱውን ብዝሐወየሉ ኻብ እንምርመር፡ 10 ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ፡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኲላትኩምን ኣብ ኲሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። 11 እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዐቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ እዩ። 12 ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

 

መዝ 69

 

1 ማያት ክሳዕ ነፍሰይ በጺሑ እዩ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣድሕነኒ። 2 ናብቲ መርገጺ ዜብሉ ዓሚቚ ሰልሚ ሰጢመ፣ ኣብ ጥልቂ ማያት አትየ፣ ማዕበላት ከኣ የጥሕለኒ አሎ። 3 ብምእዋየይ ደኺመ፣ ጐረሮይ ነቒጹ፣ ኣዒንተይ ንአምላኸይ ብምጽባይ ፈዚዘን። 4 ብኸንቱ ዚጸልኡኒ ኻብ ጸጒሪ ርእሰይ ይበዝሑ፣ ብዘይ ምኽንያት ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ ጸላእተይ ሓያላት እዮም፣ ኤረ ዘይከተርክዎ ኽመልስ እኳ ግዲ ዀነኒ። 5 ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ዕሽነተይ ትፈልጥ ኢኻ፣ በደለይውን ካባኻ ኣይተሐብኤን። 6-7 ኣታ እግዚኣብሄር መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 69 595 ጐይታ ሰራዊት፣ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር ኣሎኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፣ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፣ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፣ እቶም ዚደልዩኻ ብኣኻ ኣይነውሩ። 8-9 ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፣ ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። 10 እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፣ እዚ መጽረፊ ዀነኒ። 11 ክዳን ሓዘን ምስ ለበስኩ፣ መመሰሊ ዀንክዎም። 12 ኣብ ደገ ዚቕመጡ ብዛዕባይ ይዛራረቡ፣ ሰካራት ብአይ ይጭፍሩ። 13 አታ እግዚኣብሄር፣ ብቕብልቲ ጊዜ ግና ጸሎተይ ናባኻ እዩ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብብዝሒ ምሕረትካ፣ ብሓቂ ምድሓንካ ምለሰለይ። 14 ከይሰጥምሲ ኻብ ሰልሚ ኣውጽአኒ፣ ካብ ጸላእተይን ካብ ጥልቂ ማያትን ኣናግፈኒ። 15 ማዕበላት ማይ ኣየጥሕለኒ፣ መዓሙቚ ድማ ኣይውሐጠኒ፣ ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፋ ኣይትዕጾ። 16 ጐይታየ፣ ሳህልኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ምለሰለይ፣ ከም ዕቤት ምሕረትካ ተመለሰኒ። 17 ጸቢቡኒ እዩ እሞ፣ ንባርያኻ ገጽካ ኣይትኸውለሉ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ። 18 ክትብጀዋስ ናብ ነፍሰይ ቅረብ፣ ምእንቲ ጸላእተይ ኢልካ ኣናግፈኒ። 19 ንስኻ ጸርፈይን ነውረይን ሕፍረተይን ትፈልጦ ኢኻ፣ ኵሎም ተጻረርተይ ኣብ ቅድሜኻ ኣለዉ። 20 ንልበይ ጸርፊ ቐጥቂጥዎ ደኸምኩ፣ ዚድንግጸለይ ተጸቤኹ፣ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣ ዜጸናንዑኒ ደልየውን፣ ሰአንኩ። 21 ኣብ መብልዔይ ሓሞት ገበሩ። ንጽምኤይውን መጺጽ ኣስተዩኒ። 22 መአዶም ኣብ ቅድሚኦም መፈንጠራ ይኹኖም፣ ደሓን ኢና ኺብሉ ኸለዉ፣ መጻወድያ ይኹኖም። 23 ኣዒንቶም ከይርእያ ይጸልምታ፣ ንሓቛቚኦምውን ኵሉ ጊዜ ኣንቀጥቅጦ። 24 መዓትካ ኣፍስሰሎም፣ ረስኒ ቚጥዓኻውን የርክቦም። 25 ማሕደሪኦም ይዕኖ፣ ኣብ ድንኳናቶም ዚነብር ሓደ እኳ ኣይረኸብ። 26 ነቲ ዝወቓዕካዮ ይሰጕዎ፣ ናይቶም ዘቚሰልካዮም ቃንዛ የዘንትውዎ ኣለዉ እሞ፣ 27 ኣብ ርእሲ ዓገቦም ዓገብ ወስኮም፣ ናብ ጽድቅኻውን ኣይእተዉ። 28 ካብ መጽሓፍ ህይወት ይደምሰሱ፣ ምስ ጻድቃን ድማ ኣይጸሐፉ። 29 ኣነ ግና መስኪንን ምግዱርን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምድሓንካ ልዕል የብለኒ። 30 ንስም ኣምላኽ ብመዝሙር ከመስግኖ፣ ብምምሳው ከኣ ልዕል ከብሎ እየ። 31 እዚ ንእግዚኣብሄር ካብ ዝራብዕ፣ ካብ ቀርንን ጽፍርን ዘለዎ ተፊንቲ ባህ ኬብሎ እዩ። 32-33 እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም፣ ንእሱራትውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፣ ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ፣ ኣቱም ንአምላኽ እትደልይዎ፣ ልብኹም ብህይወት ይንበር። 34 ሰማይን ምድርን ባሕርን፣ ኣብኡ ዚዋሳወስ ኵሉን ንእኡ የመስግንዎ። 35 ኣምላኽ ንጽዮን ኬድሕና፣ ንኸተማታት ይሁዳውን ኪሀንጸን እዩ እሞ፣ ኣብኤን ኪነብሩን ኪርስተዩን፣ 36 ዘርኢ ባሮቱ ኺወርስዋ፣ ስሙ ዚፈትዉ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።

 

ወንጌል ዮሓ 19፥16፥24

19 ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ የሱስ ናዝራዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ። 20 እታ የሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ ብቛንቛ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ። 21 ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፥ ንሱ ባዕሉ፥ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሐፍ፡ በልዎ። 22 ጲላጦስ፥ ዝጸሐፍክዎ ጸሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ። 23 እቶም ዓቀይቲ ግና ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም ኣብ ኣርባዕተ ምስ መቐልዎ፡ ነንሓደ ዓቀይታይ ግዲኡ፡ ነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን።

✝በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ።   ✝ ኣሜን✝

       ✝መጽሓፈ  ግጻዌ✝  28 የካቲት  ዕብ 11፣8-16  ያዕ 2፥18-ፍጽም  ግብ ሓዋ  7፥1-10      መዝ 105  ወንጌል  ሉቃ 13፥22-30

ዕብ 11፣8-16 

8 ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። 9-10 ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። 11 ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። 12 ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቝጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ። 13 እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። 14 መልእኽቲ ናብ እብራውያን ምዕራፍ 11 246 እቶም ከምዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ አለዉ። 15 ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስ፡ ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም። 16 ሕጂ ግና እትሐይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ አለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳሊውሎም አሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪብሃል ብኣታቶም ኣይሐፍርን እዩ።

ያዕ 2፥18-ፍጽም 

18 ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። 19 ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። 20 ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ 21 ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧ 22 እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። 23 እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ። 24 ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም። 25 ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ 26 እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

 

ግብ ሓዋ  7፥1-10     

1 እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ እዚ ነገር ከምኡ ድዩ፧ በሎ። 2 ንሱ ግና በለ፡ ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትና፡ ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ፡ ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፡ 3 ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፡ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ፡ በሎ። 4 ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዐዞ። 5 ኣብኡ ድማ መርገጽ እግሪ ዚኣክል እኳ ርስቲ ኣይሀቦን፡ ውሉድ ዜብሉ ኽነሱስ፡ እቲ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮ፡ ኣተስፈዎ። 6 ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ዘርእኻ ኣብ ካልእ ምድሪ ስደተኛ ኪኸውን እዩ፡ ኪገዝእዎ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመትውን ኬጽብቡሉ እዮም፡ 7 ነቶም ዚገዝእዎም ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶም እየ፡ በለ ኣምላኽ፡ እንድሕርዚ ኻብኡ ኺወጹ እሞ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኼገልግሉኒ እዮም። 8 ኪዳን ግዝረት ከኣ ሀቦ። ከምኡ ድማ ንይስሃቅ ወለዶ እሞ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለዶ፡ ያእቆብ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ርእሲ ኣቦታት ወለዶም። 9 እቶም ርእሲ ኣቦታት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፡ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ። 10 ካብ ኲሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣርሀወሉ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ዕድልን ጥበብን ሀቦ። ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኲሉ ቤቱን ኣርኣሶ።

መዝ 105 

1 ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፣ ስሙ ጸውዑ፣ ግብርታቱ አብ ማእከል ኣህዛብ ኣውርዩ። 2 ዘምሩሉ፣ ኣመስግንዎ፣ ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ። 3 ብቅዱስ ስሙ ኽብሩ፣ ልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ይተሐጐስ። 4 እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩ። አዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ። 5-6 ኣቱም ዘርኢ አብርሃም፣ እቲ ባርያኡ፣ ኣቱም ውሉድ ያእቆብ፣ ሕሩያቱ፣ ዝገበሮ መስትንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን ፍርዲ ኣፉን ዘክሩ። 7 ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፣ ፍርዱ አብ ኵሉ ምድሪ እዩ። 8-9 ነቲ ምስ አብርሃም ዝኣተዎ ኺዳኑ፣ ንይስሃቅውን ዝመሐለሉ ማሕላ፣ ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝአዘዞ ቓል ንዘለአለም ዘኪሩስ፣ 10-11 ምድሪ ከነአን፣ ዕድሎት ርስትኹም ክትከውን፣ ክህበካ እየ፣ ኢሉ ንያእቆብ ከም ሕጊ፣ ንእስራኤል ከኣ ከም ናይ ዘለአለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ። 12 ብቚጽሪ ሒደት፣ አዝዮም ሒደት፣ አብኣውን ስደተኛታት ከለዉ፣ 13 ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፣ ካብ መንግስቲውን ናብ ካልእ ህዝቢ ኺሐልፉ ኸለዉስ፣ 14-15 ንሱ ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፣ ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፣ ነብያተይ ድማ ክፉእ ኣይትግበርዎም፣ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም። 16 ጥሜት ናብ ሃገር ጸውዔ፣ ኵሉ ምርኩስ እንጌራ ሰበረ። 17 ቀቅድሚኦም ሰብኣይ ለአኸ፣ ዮሴፍ ከም ባርያ ተሸጠ። 18 ነእጋሩ ብመቚሕ ሳቐዩ፣ ነፍሱ አብ ሓጺን አተወት። 19 ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፣ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚፍትኖ፣ 20 ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፣ እቲ ገዛእ ኣህዛብ ሓራ አውጽኦ። 21-22 ንመሳፍንቱ ኸም ፍቓዱ ኺአስሮም፣ ንሽማግሌታቱ ኸኣ ጥበብ ኪምህሮም፣ ጐይታ ቤቱን ኣዛዝ ኵሉ ጥሪቱን ገበሮ። 23 እስራኤል ናብ ግብጺ መጸ፣ ያእቆብውን አብ ሃገር ካም ሰፈረ። 24 ንህዝቡ ኸኣ አዝዩ አብዝሖ፣ ካብ ተጻረርቱውን አበርትዖ። 25 ንህዝቡ ኺጸልእዎ፣ ንባሮቱ ኺታናዀልዎምሲ፣ ልቦም ለወጦ። 26 ንሙሴ ባርያኡን ንኣሮን ሕሩዩን ለአኸ። 27 አብ ማእከሎም ትእምርትታቱ፣ አብ ሃገር ካም ድማ ተኣምራት ገበሩ። 28 ጸልማት ለአኸ፣ አጸልመተ ኸኣ፣ ንቓላቱውን ኣይተጻረርዎን። 29 ማያቶም ናብ ደም ለወጠ፣ ዓሳታቶም ከኣ ቐተለ። 30 ናብ ኣባይቲ ነገስታቶም ክሳዕ ዚአትዋ፣ ምድሮም ብቚርዖብ መልኤት። 31 ተዛረበ እሞ ጽንጽያታት፣ አብ ኵሉ ወሰኖም ከኣ ቃርማ መጹ። 32 አብ ክንዲ ዝናምሲ በረድ፣ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 105 615 ሃልሃልታ ሓዊ ኸኣ አብ ሃገሮም ኣውረደ። 33 ወይኖምን በለሶምን ወቕዔ፣ ኣእዋም ዓዶም ድማ ሰባበረ። 34 ተዛረበ እሞ ኣንበጣ፣ ቊጽሪ ዜብሉ ኹብኩብታ መጸ። 35 ንዅሉ ብቋልያ ሃገሮም በልዖ፣ ንፍረ ምድሮም ከኣ በልዔ። 36 ንዅሉ በዅሪ ሃገሮም፣ ንበዅሪ ሓይሎም፣ ቀተለ። 37 ብወርቅን ብሩርን ኣውጽኦም፣ አብ ማእከል ዓሌቱ ኸኣ ድኹም ኣይነበረን። 38 ፍርሃት ወዲቕዎም ነበረ እሞ፣ ግብጺ ብምውጻኦም ተሐጐሰት። 39 ደበና ንመኸወልታ፣ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኼብርህ፣ ዘርግሔ። 40 ለመኑ እሞ ብርኒጎታት አምጽኤ፣ ብእንጌራ ሰማይውን አጽገቦም። 41 ከውሒ ኸፈተ እሞ ማያት ፈልፈለ፣ ውሒዝ ብንቑጽ ቦታ ወሐዘ። 42 ነቲ ቅዱስ ቃሉን ንኣብርሃም ባርያኡን ዘኪሩ እዩ እሞ፣ 43 ንህዝቡ ብሓጐስ፣ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ብእልልታ ኣውጽኦም። 44-45 ትእዛዛቱ ኺገብሩ፣ ሕጉውን ኪሕልዉስ፣ ሃገር አህዛብ ሀቦም፣ ጻማ ኣህዛብውን ወረሱ። ሃሌሉያ።

 

ወንጌል  ሉቃ 13፥22-30

22 ኣብ ከተማታት ኣብ ዓድታትን እናመሃረ ይመለለስ ነበረ። መገዲ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕነዑ ነበረ። 23 ሓደ ሰብኣይ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፡ በሎ። 24 ንሱ ኸኣ በሎም፥ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ። 25 ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና፡ እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፥ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኺመልሰሎኩም እዩ። 26 ሽዑ፥ ኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካ፡ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። 27 ንሱ ኸኣ፥ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሐቑ፡ እብለኩም አሎኹ፡ ኪብል እዩ። 28 ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዅሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስካትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹም፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 29 ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። 30 እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዚኰኑ ቐዳሞትውን ኣለዉ።

Dit is een3

bottom of page