top of page

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን 


✝✝ መርዓ ኣደይ ስላስ ✝✝

 ሻሕ.....ጨርባሕ. ......ብንግህኡ
ከም ድምጺ ነጎዳ፥ እናቀረበ መጺኡ
መብረቕ ዘቀደመ፥ ኣዝመራ እንክመስል
ኣዴታት ጨደራ፥እናበላ ዕልል።

መንእሰያት ይዘሉ፥ ይዝምሩ ብዓውታ 
ነዛ እንክትርእዮም'ስ፥ዘይርከቦ ቦታ
ኣየ ከምሕረሎም፥ኣመና ማዕሪጎም
ብኣቦታት ኣዴታት ፥ገሪሞም ወቂቦም።

ስላስ ሓብተይ፥ትርኢታን ዕድሚኣን ኣይግድን
ኣርብዓ ሰጊራስ፥ፈሪሓ ንእርጋን
ከም ማይ ኣይሂ ፈሪሓቶ፥ ጸጋ ምኻኑ ዕድመ 
ኣበይ በጺሐዮ፥እንዳበለት ቀልባ ዝባደመ።

ኪዳኑ ክኣስራ፥ማዕሪገን ይመጻ 
ምውሳን ስኢነን፥ዓለመን ይመርጻ
የማን ጸጋም፥እና ኣቅባሕባሕኹ
ናብቶም እኩባት ስድራ ቕርብ እናበልኹ።

እሕ.....ሕ ጎረሮይ ስሒለ፥ ክውከስ ኢለ
ዝወደይ እ....እ ናይ ድሓን ድዩ በልኩ፥ድምጸይ ኣመቅሊለ
በቲ ኮልታፍ መልሓሱ፥ ወዲ ሓብተን ንኣደይ ስላስ
ሓትነይ ተመርዕያ፥ኣበይ ውዕልካ፥እዚ ኩሉ ሰብ ክመላለስ።

ጉብዝና ምስ ኣብቅዐ፥ እንታይ ክገብረለን መርዓ
ዕድመ ምስ ሃደመ፥ እናስተንፈሳ እንቅዓ
ሓሳባት እና ኣወራረድኩ፥ ብውሽጠይ
እናተመላለሰኒ፥እቲ እኩይ ሓሳበይ።

ኣቦይ ቀሺ መጺኦም ከምዚ ድማ በሉ
ምኽሪ ምስ ምስላ እና ኣማእከሉ
ዓለም እዚኣ እያ ትርፋ፥ተዳሊና ንጽናሕ 
ሕቶ ምስ መጸና ከይንብል ፥ቀባሕ...ባሕ።

ብቅዱስ ደሙን ስግኡን፥ ብምቕባል ቃል ኪዳን ንእሰር
ኣብቲ ናይ ዘልኣለም ዓለም፥ክህልወና ሰፈር
እቶም ኣብ ቤትካ እና ወደሱካ ዝነብሩ፥ኣየ ክንደይ ተዓዊቶም
ዓለም ብላሽ ኢሎም ዘትረሩ እምነቶም።


ናይ'ዛ ዓለም ንማልኦ፥ኮቶ የለን ምሳና 
ማዕጾ ልብና ነርሑ ክህሉ፥ ኣብ መንጎና
መራዓ ኣደይ ስላስ፥ሕጂ በሪሁለይ
ኣነ'የ ዘይተረዳእኩዎ፥ ካልእ ኮይኑ ዓለመይ።

ለካ ምስ ክርስቶስ፥ ብቁርባን ምቁራን
መርዓ እዩ ዝብሃል፥መርዓ ናይ ንጹሃን
ከምዚኣ እንተኮይና ሓደራ ኩልና 
ኻልእና ነወንዝፎ፥ንቀበላ ሃንጎፋይ ኢልና።

     ✝✝✝ 


ስብሓት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር 
 ኣ       ሜ       ን
ክፍሊ ስነ-ኪነት ት/ሰ/ደ/ሰላም መድሃኔ ዓለም ኣምስተልፈን -ኣምስተልላንድ 2017

bottom of page