✝ብኸዩ እንዶ ሕዙናን✝
ልክዕ ከም ህጻናት ድሕሪ ቲ ምውላዱ
ዓለም ኣዛረበ ሰብኣ ሰገል ሰገዱ
ካብ ርሑቅውን መጹ ብልቢ ነገዱ
እንተ ሄሮድስ ግን ፍጹምዩ ሓንጊዱ
ናይ ጎይታ ውዕለት፥ ናይ ዘልኣለም ሩፍታ'ዩ ዘስንቅ
ፍሉይ እዩ ነገሩ ብፍጹም ዘደንቅ
ንሰብ ዝፈጠረ ብሰባት ክጭነቅ
መምህር ናይ ግብሪ ጎይታ እወ እዚ ሊቅ።
ሄሮድስ እዚ ተመን ካብ ፍጥረታት ርጉም
ስሱዕ ብባህሪኡ ዘይፈልጥ ቀልዓለም
ህጻናት ኣኪቡ ብሴፍ ክስሃሎም
ንግዚኡ ስደት መረጸት፥ ኣደና ድንግል ማርያም ።
መሪር ከርተት ሳህራ ዝበዝሖ ጽምኢ
ምፍጣርካ ዘጽልእ ምስ ሰኣንካ ጸግዒ
ሕሰም ተወሲኹ ብሸፋቱ ተጸባኢ
ንብረቶም ተዘሪፎም ዘይብሎም ረዳኢ።
ንምስክር ዝኮኑ ኣለውና እንባታት
ንህጻን ዘሰንዩን ዝሰምዑን ምእዙዛት
ብጎይታ ዝተመስከረሎም ፥ዘተገብረሎም ማህተም
ኣብቲ ጸበባ ግዜ ፥ዝነበረ ዝምስክሩ ንጎይታ ዓለም።
ፈጣሪ ኩሉ ማያት እንከሎ ማይ ከልእዎ
ንዓዶም ከይኣቱ ፍጹም ተጻብእዎ
ኣባትር ኣልዒሎም ደለዩ'ውን ክቀትልዎ
ምኻን ኣበይ ኢሎሞ እምበር መዓስ ምገደፍዎ።
እንተ ድንግል ግና ፥ ጌና ብሕዝንታ
ክትሓዝሎ ክትሓቅፎ እንከላ ንጎይታ
ኣብ ገጹ ተንጠባጠበ እቲ መሪር ንብዓታ
መሬት ከም ዓይኒ መርፍእ ፥ኣመና ምስ ጸበበታ።
ድካም ምስ በዝሐ፥ምስ ደለየት ክተዕርፍ
መጽለሊ ስኢና ፥ሰፈር ከምዝሰኣነት ዑፍ
ኮሊላ ኮሊላ'ስ ፥በጺሓ ኣብ ምዕራፍ
ደብረ ቁስቃም ሰፊራ፥ ኣንብብዎ ነቲ ናታ መጽሓፍ።
ግዚኡ ኣኪሉ እዩ ገሊላ እትምለስሉ
ከም ዘበሰረኪ መልኣክ ሄሮደስ መይቱ ኢሉ
ዘመን ስደት ኣብቒዑ፥ እፎይ ኢልኩ ተዕርፍሉ
ሰገድቲ ቆረብቲ ዘምሩ ዓልሉ።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር
ኣ ሜ ን !
ክፍሊ ስነ-ጥበብ ደብረ ሰላም መድሃኔ ዓለም ኣምስተልፈን ኣምስተልላንድ