top of page

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላክ ኣሜን።

ኣኼባ ኣብ መንጎ ሰበኻ ጉባኤ ደብረሰላም መድሃኔ ዓለምን ጠርነፍቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮን፥

ቦታ ኣኼባ፥         ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ደብረሰላም መድሃኔ ዓለም እምስተልፌን-ኣምስተልላንድ

ዕለት፥                 25-02-2017

ዛዕባ፥                 ምድላው መግቢ ንመድሓኔዓለም ኣብ ዓመቱ 31-03-2017/01-04-2017 (ብግዕዝ 22/23-07-2009)

ዝተረኽባ፥           ታብቱ (ኑራ)፡ ትርሓስ፡ ጸሃይ፡ መብራት። ተገደስቲ ኣሓትና ምስኣተን ቀሪበን ዝተሳተፋ ከኣ፥ ሳባ ኢሳቕ፡ ምሕረት ኪዳነ፡ ምልእተ

ዝተረኽቡ፥           ካብ ሰበኻ ጉባኤ ኣብርሃም፡ ዲ/ ባህታ፡ ዑቐ~ባይ፡ ታረቀ፡ ባህረ፡ (ድሓር ከኣ) መልከሰላም ቀሺ ክብሮም

ኣተሓባባሪ (Co-ordinator): ኣብርሃም ገብረሚኪአል ኢዩ። (ብዝዕባ ምድላውን ኣከያይዳኡን ንዕኡ ተወከሳ/ሱ) 

 

ዓርቢ ምሸት ዕለት 31-03-2017 (ብግዕዝ 22-07-2009 ዓ/ም)፥

ታበቱ ተኽለሰንበትን እንዳ ዓይነታን ኢዮም ዘዳሉዉዎ ነይሮም፡ ግን ማሕበር ስላሴ ከነዳሉ ኢሎም ስለዘለዉ፡ ፍቓድ ካብ ሰበኻ ጉባኤ ደልዮም ኣለዉ (ሓበሬታ ካብ ዲ/ባህታ)። ክም’ዚ ዝገብሩ እንተተረኺቦም ጽቡቕ ኢዩ ብምባል ኣኼበኛታት ቅቡል ኢዩ ኢለን። ብድሕሪ’ዚ ኣብ’ቲ ምሸት ዓርቢ ክንደይ ዝኸውን ሰብ ኣብ ጊዜ ድራር ክመጸና ንጽበ? ዝብል ሕቶ ድሕሪ ብዙሕ ሃናጺ ርእይቶታት ምቕራበን፡ ብወገን ትምህርቲ ሰንበትን ውልደክህነትን እንጽበዮ ብዝሒ ተተሚኑ፡ ሓደሽቲ ተቐማጦ ኣብ

ኣምስተርዳም ኣብ ግምት ኣትዩ፡ እቲ ብዝሒ ገምጋም ተገይሩሉ፡ እቲ እንጽበዮ ብዝሒ ሰብ ኣስታት 400 ከም ዝኸውን ተሰማሚዐናሉ።

 

ሰበኻ ጉባኤ ከኣ ብመሰረቱ ቅቡል ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጥ፡ ነቲ 400 ዝኸውን ሰብ ከዳልዉ ይኽእሉ ዶ? ንዝብል መልሲ ከምጸኣልና ሓቲትናዮ ን ዲ/ ባህታ፡ ንሱ ከኣ መልሲ ኣምጺኡልና። ማሕበር ስላሴ ከዳልዉዎ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም፡ ግን እቲ ተሞክሮ ናይ ምድላው መግቢ ምእንቲ ክህበኦም ን ዲ/ባህታ ተወከሰልና ስለ ዝበሉዎ ንሓብትና ታበቱ (ኑራ) ሓበሬታ ክትህቦም ሓቲትናያ። ሕራይ ኢላ፡ ብተሌፎን ክትራኸብ ኢያ ምስ እቶም ዘዳልዉ ማሕበር።

እቲ ንዓርቢ ምሸት ብመግቢ ከዳልወኦ ዝሓሰባ፡ ታበቱን ለተብርሃንን፡ ተመያዪጠን ብጥረ ገንዘብ ንመድሓኔ ዓለም ከህባ ሓሳብ ከም ዘለወን ገሊጸን።

 

ከምኡ እውን ኣብ ዕለት 05-03-2017 ኣብ ዝግበር ኣኼባ፡ ናይ ኩሎም ኣባላት ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም መብጸዓ ዘለዎም ይኹን እዚ ክሕግዝ ደልየ ዝብሉ ሰባት ካብ ሽዑ ጀሚሮም ንሰበኻ ጉባኤ ከፍልጡ ዝበለጸ ተባሂሉ። ሰበኻ ጉባኤ እውን ኣቐዲማ ነዚ ሓሲባ ተዘራሪባትሉ ነይራ ኢያ፥ ሃናጺ ሓሳብ ኢዩ።

መግቢ ካብ ሰዓት 20:00 ጀሚሩ ክሳብ 22:00: እንተደንጐየ ክሳብ ሰዓት 23:00 ይካየድ።

እገባብ ኣመጋግባ ዘዝመጸ ሰብ (ካብ 15 ዘይበዝሑ) ንድራር ናብ ደገሰላም (መብልዒ ኣዳራሽ) ኣትዮም ቀልጢፎም ተመጊቦም ናብ ቤተክርስትያን ከም ዝኣትዉ ይግበር። ዘዝመጸ ሰብ ቦታ ምእንቲ ክረክብ። ነዚ ክከታተሉ ዝተመደቡ ሰባት፡ ብዕቱብ ክሰርሑሉ ይግባእ።

ሓብትና ምሕረት፡ ሰበይቲ ርእሶም ከኣ ስዋ ከተዳሉ ምዃና ተሓቢሩና ኣሎ።

 

ዕለት 01-04-2017 (23-07-2009 ዓ/ም)፥

ክንደይ ዝኾኑ ኣጋይሽ ንጽበ? ዝብል ሕቶ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብዙሕ ርእይቶታት ተገይርሉ። ነቲ ናይ ዓሚ ዝነበረ ኩነታት እውን እቲ ኣኼበኛ (ሰበኻ ጉባኣኤን ጠርነፍቲ ደቂ-ኣንስትዮን) ገምጊሙዎ። ብዙሕ መግቢ ከም ዝተረፈ ግን እቲ ምኽንያት እውን ተገሊጹ። ናይ ሎሚ ዘመን ዓመት ግን፡ ኣብ ካልእ ቦታ በዓል ዝበዓል ስለ ዘየለ፡ ዕጽፊ ካብ ናይ ዕሚ ክንጽበ ከም ዘሎና ተገምጊሙ፡ ኣስታት 1500 ዝኸውን ህዝቢ ከመጽእ ከም ዝኽእል ኢዩ ተገሚቱ ዘሎ። ኣብ መንጎ ከኣ፡ ሳባ ኢሳቕ ሓንቲ ሰብ ኣላ 10 ኪሎ ሩዝ ከዳሉ ኢየ ኢላ፡ ክትብል ሓበሬታ ሂባትና። ነዚ ሕዝቢ እዚ ዝኸውን መግቢ (ናይ ጾም) ንምድላው እዘን ጠርነፍቲ ኣሓትና፡ ነናተን ሓሳባት ድሕሪ ምቕራብን ምልውዋጥን፡ ኣብ እዚ ዝስዕብ ስምምዕ በጺሐን፥

  1.  ዓደስ (ትምቱሞ)                                       25 ኪሎ

  2. ካውሎን ድንሽን (ከም ኣልጫ ሕሳብ)            ድንሽ è50 ኪሎ፥ ካውሎ è35 ሓባ (ክቢ)፥

  3. ሩዝን ሰላጣን (ብዘይካ እቲ 10 ኪሎ)             ሩዝ  5 ኪሎ፥ ሰላጣ 30 ሓባ (ክቢ)፥ ኮሚደረ (ፖሞዶሮ) 10 ኪሎ

 

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ 6 ዞናታት ምስ ተመቕለ፡ ደሓር ዞና ምዕራብ ኣይተጸብጸበትን ጸኒሓ ነይራ እምበኣር ሩዝን ሰላታን ምዕራብ (West) ይወሃባ ክብላ እዘን ጠርነፍቲ ወሲነን። ስለዚ ብዘይካ ሩዝን ሰላጣን እቲ ኣብ ላዕሊ ተሰምዩ ዘሎ 1ን 2ን ኣብ 6 ዞናታት ከፊለንኦ። ናይ እንጀራ ጉዳይ ምስኡ ዝኸይድ ኢዩ፡ ባዕላተን ኣብ ዘዞናአን ዘወሃህደኦ ኢዩ። እተን ዞናታት እዘን ዝስዕባ ኢየን፥

  1. ኣምስተልፌን (Amstelveen)

  2. ኣውቶርን (Uithoorn)

  3. ባየልመር (Zuid Oost)

  4. ሰሜን (Noord)

  5. ፐርመረንድን ኤዳምን (Purmerend + Edam)

   6. ምዕራብ (West)

ኣጀሚሩ ንዘፈጸመና ልዑል ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይብጸሓዮ። ኣሜን።

bottom of page