top of page

 ዓሚል ዲኻ ውሉድ ?


እዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ዘመነ Consumerism (ሃላኽነት) እዩ። እዚ ማለት ምዕዳግ ሃላኺ ነገራት ከም ክዳን፣ ጫማ፣ ተለፎን ወዘተ ኣብ መዓልታዊ ሂወት ናይ ሰባት ኣዝዩ ጸላዊ እንዳ ኾነ ይመጽእ ኣሎ። ዓበይቲ ትካላት ቀንዲ ኣታዊኤን ካብ ዓማዊለን ምዃኑ ስለ ዝፈልጣ፣ ዓሚል ክሕዛ ዘይገብርኦ ነገር የብለንን። ዓሚል ንጉስ እዩ( «Customer is King») ወይ ዓሚል ኩሉ ግዜ ትኽክል እዩ (Customer is always correct) ዝብሉ ብሂላት መሪሕ ሓረጋት ዳርጋ ናይ ኩለን ዓበይቲ ትካላት እዩ። ዓማዊልውን እቲ ዝግበረሎም ክንክን ከም ውሁብ ጌሮሞ ኣብ ዝኸድዎ ትካላት ውሕሉል ኣቀባብላን ክንክንን እዮም ዝጽበዩ። እዚ ምስ ዘይከውን ግና ናብ ካልእ ትካል ከይዶም እቲ ዝደለይዎ ክዕድጉ ድሕር ኣይብሉን እዮም። እዚ ናይ ኮንሱመሪዝም ስነ ሓሳብ ነዛ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ኣዝዩ ጸልይዋ ከም ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ እዩ። ሓደ ኣማኒ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ሓንቲ ማሕበር ውዒሉ እንተ መጺኡ ብዙሕ ርእይቶ ክህብ ኢኻ ትሰምዖ፡ «እቲ ሰባኻይ ከምዚኣ ክብል ኣይነበሮን» ወይ «ኣምልኾ ቁሩብ ዝሕል ኢላ» ወዘተ ዝብሉ ርእይቶታት ትሰምዕ። ኣብቲ ማሕበር ፍሉይ ኣቀባብላን ክንክንን እንተ ዘይተጌርሎም ካብ ማሕበር ዝጠፍኡ ወይ ናብ ካልእ ማሕበር ዝኸዱውን ኣይተሰኣኑን። እዚ ጽልዋ Consumerism ኣብታ ማሕበር እዩ ዘርእየካ። ኣማኒ ንርእሱ ከም ዓሚል ናይ ሓንቲ ማሕበር ጌሩ ዝርእያ እንተ ኾይኑ ልክዕ ከምቲ ካብ ካልኦት ንግዳዊ ትካላት ዝጽበዮ ክንክን ካብታ ማሕበርውን ክጽበ እዩ። እዚ ምስ ዘይከውን ድማ ናብ ካልእ ማሕበር ክኸይድ ድሕር ኣይብልን። እንታይ እዩ እቲ ጸገም? ናይ Consumerism መንፈስ ኣብታ ማሕበር ኣትዩ ኣሎ። ስለዚ ድማ ኣማኒ ምስኡ ዝሰማማዕ ሰባኺ ይመርጽ፡ መዝሙር ይመርጽ፡ ማሕበር ይመርጽ፡ ሃዋርያን ነብያትን ይመርጽ። እዚ ኩሉ ዝኽወን ድማ እንት ብፍላጥ እንተ ብዘይ ፍላጥ ንርእሱ ከም ዓሚል ስለ ዝቆጸራ እዩ። መራሕቲ ማሕበራትውን «ዓሚል» ክሕዙ ከልበትበት ክብሉ ከለው ትርኢ። ሎሚ ብዙሕ ብሽም ጉስነት ዝግበር ንጥፈታት «ዓሚል» ንምሓዝ ዝግበር ገልታዕታዕ እዩ። ስለዚ ብዙሓት ኣመንትን መራሕትን ከይተፈለጦም ነዚ ናይ Consumerism መንፈስ ከም ዝሰተይዎ ትግንዘብ። መጽሓፍ ቅዱስ ክነግረና ከሎ ኣብታ ማሕበር ዓሚል ዘይኮነ ንጉስ ኢየሱስ ጥራይ እዩ ንጉስ። ኩሉም ናብታ ማሕበር ዝእከቡ ድማ ውሉድ ናይዚ ንጉስ እዮም። ስለዚ ሎሚ ንርእስና ክንሓታ ኣለና፡ ዓሚል ዲኻ ወይ ውሉድ? ንመልሲ ክሕግዝ ገለ ባህርያት ናይ ዓሚልን ውሉድን ከነነጻጽር ኢና።
√ ውሉድ የተባብዕን ይዓይን፣ ዓሚል ብዝጎደለ ጥራይ የማርር

√ ውሉድ ነታ ማሕበር ዋጋ ይኸፍል ፣ ዓሚል ዘይገበሩለይ እንዳበለ የስተማስል

√ ውሉድ ሓቢሮም ይዓዩ፣ ዓማዊል ይወዳደሩ

√ውሉድ የገልግል፣ ዓሚል ይግልገል ግና ኣይዓግብን

√ውሉድ ዘለዎ ይህብ፣ ዓሚል ክወሃብ ይጽበ

√ውሉድ ፍቅሪ ኣሕዋቱ ኣለዎ፣ ዓሚል ፍቅሪ ነገራት ኣለዎ
ወዘተ
ብሓጺሩ ዓሚል ማእከል(Center) ናይ ኩሉ ንሱ ክኸውን እዩ ዝደሊ(ኣነ፣ ንዓይ፣ ናተይ . . . ) ውሉድ ኣምላኽ ግና ንክርስቶስ ናይ ኩሉ ማእከል ይገብሮ። ስለዚ ነቲ ክርስቶስ ዝሃበና ክቡር ናይ ውሉድነት ቦታና ሓዲግና ነቲ ዓለም ዘምጻቶ ሕሱር ቦታ ምሓዝ ካባና የርሕቆ።

 


"ዓሚል ዲኻ ውሉድ፧"
'ብሓደ ግዱስ ዲያቆን' ዝተጻሕፈ

bottom of page