top of page

ዜናን ሓበሬታን፥

 

ሰብኻ ጉባኤ ብዝገበሮ ጻውዒት መሰረት፡ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ኣምስተልፌን-ኣምስተልላንድ፡ ምስ ምእመናን ኣኼባ ተኻይዱ።

እቲ ኣኼባ ብዕለት 19-03-2017 ክካየድ እንከሎ፡ ከም’ቲ ልሙድ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ተኸፊሉ ከም ዝካየድ ኢዩ ተገይሩ።

 

እቲ ቀዳማይ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ጉጅለ ኰይኑ፡ ኣጋይሽና ብጽቡቕ ኣብ ምስናይ ብከመይ ከም እንገጥሞ፡ ተኻቲዐንን ተዘራሪበንን፡ መደባተን ሰሪዐን ኣለዋ። ኣብ እቲ ቅድሚኡ ምስ ጠርነፍቲ ደቂ- ኣንስትዮ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ኣብ ጒዕዞ ሓድሓደ ምቅይያራት እንዳተገብረ፡  እቲ ከስርሕ ዝኽእል ተባሂሉ ዝወጸ መደብ፡ ክስራሓሉ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣብ እዚ ና ሕጂ ኣኼባአን፡ ቀልጢፈንተዘራሪበን ኢየን ወዲአን።

 

እቲ ካልኣይ ጉጅለ ከኣ ብወገን ደቂ ተባዕትዮ ዝተኻየደ ኰይኑ ከም’ቲ ልሙድ፡ ብመሰረት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተገብረ ‘ሊስታ’ እቲ ስራሕ ክማቓራሕ ኣኼበኛ ተሰማሚዕሉ ኣሎ። ሓዳሓደ ሰባት ብምኽንያት ጥዕና ዲዩ ወይስ ካልእ ምኽንያት ሕጂ ክሳተፉ ዘይክእሉ፡ ክትክኡ ከም ዘለዎም ኣባላት ደብረሰላም ተረዳዲኦምሉ።

 

ብተወሳኺ ጉባኤ ምስ ተወደአ ዝኾነ በዓል መኪና፣ ብዘይካ እቶም ኣቚሑት ዘመላልሱ፡ ን ኣቕሺሽቲን ካብ ርሑቕ ዝመጹ ኣጋይሽን፡ ናብ ኣዳራሽ ንምውሳድ ክነጥፉ ኣኼበኛታት ተሰማሚዕሉ። ኣኼበኛ፡ ነቶም ሰብ መኪና ምናልባት ኣብ ኣዳራሽ ወይ ካልእ መደብ እንድሕር ክዋሃቦም ኮይኑ፡ ካልኦት ዝትክእዎም ኣብ ኣዳራሽ ዝሰርሑ ክስመዩ ከም ዘለዎም ኣስሚርሉ።

ኣኼበኛታት፡ ኣጋይሽ ዝቕበሉን ኣብ ኣዳራሽ ዝሰርሑን፡ ከምኡ’ውን እተን ኣብ ምውዕዓይን ምቅርራብ መግቢ ዝሰርሓን፡ ታቦት ቅድሚ ምውጽኡ፡ ከም’ቲ ልሙድ፡ ኣቕዲሞም ናብ ኣዳራሽ ክኸዱ ከም ዘለዎም እውን፡ ኣትሓሳሲቦም።

 

ኣውቶቡሳት፥

ሰበኻ ጉባኤ ምስ ገለ ኣባላት ናይ ምምሕዳር ከተማ ኣምስተልፌን ተዘራሪቡ ከም ዝነበረ ቅድሚ ሕጂ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ሓደ ሸነኽ ውጽኢታዊ ኣይነበረን፥ እቲ ካልኣይ ወገን’ውን ውጽኢቱ ኣወንታዊ ኣይኮነን። እቲ ብካልኣይ ወገን ከማእክሉና ዝተፈተነ ምስ Connexxion ኢዩ ነይሩ፡ ግን ብጣዕሚ ስለ ዘኽበሩዎ ዓቕምና ስለዘይኮነ ኣብ ናይ ሓባር ስምምዕ ክእቶ ኣይተኻእለን።

 

ኣጀሚሩ ንዘፈጸመና፡ ክብሪን ምስጋናን ንኣምላኽና ይኹን

bottom of page