top of page
1ይ ቆሮንቶስ ምዕራፍ 15:55
ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧

   መርድእ 
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ወኪል ኣብ ኤውሮጳ፡ ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣቡነ ማርቆስ፡ ኣብ ዕለተ-ሆሳእና፡ ማለት ብ 1 ሚያዝያ 2009 ግዕዝ (09-04-2017 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ሃገር እንግሊዝ ብሞት ካብ እዛ ዓለም ከም ዝተፈልዩ፡ ካብ ዝበጽሓና ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።  
 
እዚ ዜና’ዚ ምስ በጻሓና፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ኣምስተልፌንኣምስተልላንድ፡ ኣብ ጊዜ በዓል ሆሳእና፡ ካህናትን ዲያቆናትን፡ ምስ ተረኺቦም ዝነበሩ ምእመናን ሓቢሮም፡ ጸሎት ኣብጺሖም። ኣባላት ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም፡ ንነፍስሄር ኣቡነ ማርቆስ፡ ኣምላኽ ኣብ መንግስተሰማይ ብክልተ ኢዱ ክቕበሎም፡ ንቤተሰብን መሳርሕቶም ጳጳሳትን ከኣ፡ ጽንዓት ይሃብ ብምባል ሓዘኖም ይገልጹ። 

ራእይ ዮሐንስ ምዕራፍ 14:13
ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።

ናይ ሓዘን መግለጺ። 

በቲ ኣብ መዓልቲ ሆሳእና፡ ናብ ኣምላኾም ጸሎት ኣብ ዘብጽሑ ዝነበሩ፡ ኣሕዋት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ግብጻውያን፡ ብግብረ ሽበራ ዝወረደ ግፍዒ፡ ኩልና ኣባላት ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም፡ ልብና ዝተነኻእና ምዃንናን፡ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ እውን ከም ዝኾንናን ንገልጽ።  
 
እዞም ንጹሃት ሰባት፡ ብደሓን ካብ ገዝኦም ወጺኦም፡ ምስ ኣምላኾም ብጸሎት ክራኸቡ፡ ብሰላም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያኖም እንከለዉ፡ እዚ ዘይተሓስበ ሰይጣናዊ ግፍዒ ክወርዶም እንከሎ፡ ንዓለም ዝስደመመ ኣርሜንነት ምዃኑ ዓለም ኣስሚራትሉ ኣላ።  እብ’ዚ ዝመንና፡ እዚ ፋይዳ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ቅትለት እዚ፡ መዋዳድርቲ ዘይብሉ ኢ-ሰባዊ ግህሰት ኢዩ።  ኣብ ብዓል ሆሳእና፡ እዚ ናይ ሓዘን ዜና ምስ በጻሓና፡ ካህናትን ምእመናንን ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም ሓቢሮም፡ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣብጺሖም ኢዮም። ቀጺልና እውን፡ ናብ ክቡር ጳጳስ ኣርሰኒ ኣብ ሃገር ሆላንድ፡ ደብዳቤ ብምልኣኽ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃንና ገሊጽናሎም ኣሎና። ነቶም ካብ ገዝኦም ምስ ወጹ ከይተመልሱ፡ በዚ ግፍዒ እዚ ዝሓለፉ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ህዝበ ክርስትያን፡ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም፡ ኣምላኽ ብክልተ ኢዱ ይቀበሎም። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ነቶም ስድራቤቶም ጽንዓት ይሃቦም።   
 
እግዚኣብሔር ገበርቲ እከይ የርሕቐልና፥ ካብ ክፉእ ዘበለ ይሰውረና። 
 
ሰበኻ ጉባኤ ደብረሰላም መድሓኔ ዓለም 

bottom of page