top of page

✝በጺሔዮ ቤትካ✝

ድሕሪ ነዊሕ ኣድካሚ ጉዕዞ
ኣብቲ በዳሂ  ህሞት ዝሪኦ ዘይብለይ ዝድህሶ
ተጨኒቀ ክብል በየን እየ ዝወጾ
መንገደይ ኣጣጢሕካ ከፊትካለይ ማዕጾ።

ሰላም ረኪበ እግረይ መሊአ ዝረግጸሉ
ጸሎተይ ከብጽሕ ቤትካ ዝውዕለሉ
ብርሃንካ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ጎሊሑ
ካዕቦ ኮይኑ ሰላመይ በዚሑ።

ውሑድ ዶ ነቢዔ ኣብቲ ፈታኒ ቦታ
ኣእዳወይ ዘርጊሔ ፥ እንና በልኩ ጎይታ
ኣድሒንካኒ ጸላእተይ ገሲጽካ 
መንፈስካ ሰዲድካለይ፥ በቲ ጥዑም ቃልካ።


መሬት ጽልግልግ ክብለኒ የዒንተይ ክደክማ
ኣብራከይ ወለል ኢልወን ክጠልማ
ተስፋ ኣስኒቅካኒ ፥ሓዘነይ ብሓጎስ ተኪእካ
ንብዓተይ ደሪዝካ፥ኢልካኒ ኣጆካ።

ነቢዔ መሪር ንብዓት
ኣብቲ ድቅድቅ ዝበለ ህሞት
ንግሆ ምሸት ብጭንቀት ክቁሎ
ምድረ ሰማይ ጸልሚቱኒ፤ ብእዋኑ ኮሎ።

ኣስተውዒለ ፥ነቲ መስተንክር ስራሕካ
በጺሔዮ ነቲ ቅዱስ ቤትካ
ኣሳሊካኒ ፍሕሶ ጸላእተይ ቆሪጽካ
ኣብጺሕካኒ ናብቲ ኩቡር ቤትካ።


ሓደ ኢለ ጀሚረዮ፥ ግድሊ ኣቦታተይ
ልበይ ኣንጺሀ ፥ ክብል   ኣምላከይ
ብዘይ ዕረፍቲ ክጽሊ፥ ሕልናይ ሰብሲበ
እወ ንኩሉ ሰጊረስ ኣብ  ቤትካ ተዓቁበ ።

"እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን 
ፍጹምን ዝኾነ ፍቃድ ፥ ኣምላክን 
እንታይ ምኻኑ ምእንቲ መርሚርኩም ኽትፈልጡ
ነዛ ዓለም ኣይትምሰልዋ "፥ ምስ ዲያብሎስ ከይትሻየጡ።


እንታይ ኮይነ እየ ከ ዝበልኩ ዕግርግር
ምሳይ እንከለካ ልብን ኮላሊትን ትምርምር
መን'ዶ ኣሎ እዩ ካባካ ዝሕይል 
ኣካውሕ ሃሪምካ ጎሮሮ እተጥልል።


ወርትክ ክጽውዕ ንስም ፈጣሪ
ኣብ መርከብካ ክዕቆብ፥ ከፊትካለይ በሪ
ልበይ ክነጽህ ዓንቢቡ ክፈሪ
ኣብ ቤትካ መሪጸ ምስ ሓቀኛ ፍቅሪ።

ትእዛዙ ምስ እንመልእ፥ ኣብ ቤቱ ምስ ንህሉ
ብጸግኡ ንጸግብ፥ መንፈስና ንዓግበሉ 
ብንስሓ ተሓጺብና፥ ፍስሃ ንሓፍሰሉ 
ተመስገን እናበልና፥ ስግኡን ደሙን እንምገበሉ ።
የ     ብ    ቅ     ዓ      ና  !

bottom of page