coronavirus disease 2019 ( COVID-19 )
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኩሉ ነዚወሪዱ ዘሎ እዋናዊ ሕማም ዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብዚኣ ገጽ ተኸታተሉ።
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ካብ 01-ሰነ-2020 ጀሚሩ ንኮረና ቫይርስ ዝምልከትኣገዳሲ እዋናዊ ሓበሬታ።
ጉዳይ፥ ብሰንኪ ናይ’ዚ እዋናዊ ሕማም ቫይረስ ቤተክርስትያንና ክሳብ 28 ሚያዝያ 2020 ኣገልግሎት ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ።
ጉዳይ፥ መንግስታዊ ኣዋጅን ‘ኸሜንተ ኣምስተርዳም’ ዘውጸኦ መግለጺን ብዛዕባ ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ብዝምልከት፥
ጉዳይ፥ ብሰንኪ ናይ’ዚ እዋናዊ ሕማም ቫይረስ ቤተክርስትያንና ክሳብ 6 ሚያዝያ 2020 ኣገልግሎት ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ።>>>>
ጉዳይ፥ ብሰንኪ ናይ’ዚ እዋናዊ ሕማም ቫይረስ ቤተክርስትያንና ክሳብ 6 ሚያዝያ 2020 ኣገልግሎት ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ።>>>>



ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኹም ይኹን ክቡራት እህዋትን ኣሓትን፡
እግዚኣብሔር ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ብCOVID-19 ዝፍለጥ ቫይረስ ቀልጢፉ ጠጠው ኣቢሉ ንህዝቡ ምሕረት ክህብ እንዳ ለመንና፡ ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔር ኰይኖም፡ ንሱ ብዝገለጸሎም ክኢላታት ሓካይም ዝዋሃብ ትምህርቲን መምርሒን ምኽታል ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዝዀነ ከኣ ነቶም ኩሉ ተኸታቲሎም ንረብሓና ምእንቲ ክውዕል ተገዲሶም ብቋንቋና እንዳገለጹ ዝምህሩና ኣሕዋት/ኣሓት ኤርትራውያን ልዑል ምስጋና እንዳ ኣቕረብና፡ ብተገዳስነት ተኸታቲልና ንረብሓና (ንረብሓ ደቂ ሰባት) ከነውዕሎ ይግባእ።
እዚ ሕጂ ዝልእከልኩም ዘለኹ እኹል ዝኹነ ትምህርቲ፣ ሓበሬታን ምኽሪን ዝሓዘ ዝርዝራዊ መግለጺ ናይ ዶክቶር ተኪኤ ተስፋይ ደብረጽየን እልእከልኩም ኢዩ'ሞ፡ ሃየ ተጠቐሙሉን ንእትፈልጡዎም ኣመሓላልፉዎን።>>>> https://www.youtube.com/watch?v=k9VxvasjUjw&feature=youtu.be